2010-10-30 15:52:10

ብፁዕ ኣቡነ ቸላታ፣ እምነት ምርምርን ነጻነትን


ኣብ ቓጣር ከተማ ዶሓ ሰብኣውን ማኅበራዊ ሕንጸት ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ብፍላይ ኣብ ናይ መንእሰያት ሕንጸት ዘተኮረ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሻምናይ ዓለም ለኻዊ ኅብረ ሃይማኖት ጉባኤ፣ ነፍሲ ወከፍ ሃይማኖት ብፍሉይ ዝገልጾ ዝኽተሎ ኣብ መለለዪኡ ዝቖመ መደብ ሕንጸት መሠረት መንእሰይ ብውልቅን ብማኅበራውን ሰብኣውነት ለበስ ክኸውን RealAudioMP3 ዘተባብዖን ናይ ሕይወት ክብሪ ዘማዕድው ውርሻታቱ ብምልላይ ክስዕቦ ዝድግፍ ኢዩ እንክብሉ፣ ኣብቲ ጉባኤ ዝሳተፉ ዘለዉ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ፒየርልዊጂ ቸላታ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘስመርሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ትምህርትን መደብ ሕንጸትን ዘይሕከኽ ክፍሊ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ውሳኔ ምዃኑ ጠቒሶም፣ ዋሕስ ብቑዕ ሕንጸት ኣስትዋጽኦ ናይ መላእ ኅብረተሰብን ማኅበረሰብን መንግሥትን ዘድልዮ እውን እንተኾነ፣ ቀዳሞት ተዋሳእቲ ወለዲ ከምዝኾኑ ብፁዕ ኣቡነ ቸላታ ኣመልኪቶም፣ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ጉዳይ ብምጥቃስ ኣብዚ ናይ ሕንጸት መዳይ ሃይማኖታት ዓቢ ግደ ከምዘለወን ኣብ ዝገለጽዎ ሓሳብ፣ ቤተ ክርስትያን ኣብ ባህላን መሰላን ዝቖመ፣ ደቃ ብናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕይወት ክትንከፉን ክልወጡን፣ ኣብ መዳይ ሕንጸት ናይ ምትሕብባር ግዴታን ኃላፍነትን ከምዘለዋን ሓቢሮም፣ መደብ ሕንጸት ካቶሊክ ቤተ ክርስትያንን ወዲ ሰብ ሰብኣውነቱ ንኽለብስ ዝድርኽ ምዃኑ ኣመልኪቶም፣ ናይ ካቶሊክ ኣባይቲ ትምህርቲ ናይ ካልኦት ሃይማኖት ሰዓብቲ ዘይንጽል ኢዩ ኢሎም።

ኣብዚ እዋን ኣብ ማኅበረ-ፖሊቲካዊ ዝሰፍሕ ዘሎ ውልቃውነት፣ ተዛማዲ ባህልን፣ ነገርነትን፣ ሃልኪነትን፣ ሄዶንነትን ማለት ብዝኾነ ይዅን ዓይነት መገድን መጋበርያ እቲ ሕሉፍ ተደላይነት ዘለዎ ስኻርን ገዛእ ራስኻ ምስሓት ዝወልዶ ሓጎስ ምንባር ዝብል ቀጥዒ ኣልቦ ዓይነት ሕይወት ዘተባብዕን፣ ሕሉፍ እደ ጥበባውነት ኣብ ዓመጽ ምምርኳዝን ዝኣመሰሉ ባህልታት መሠረት እናሰፍሔ ዘሎ ኣልቦ ሃይማኖት ኣመለኻኽታን ኣነባብራን፣ እግዚኣብሔር ዘወግድን ይጽንሓለይ ዝብልን ኵሉ ኣብ ምዃኑ ዝተነብረ ናብቲ ደረት ሰገር ዝኾነ ኣካል ዝውከስን ዝመልክትን ባህርይ ዝጋርድን ሕሊናን ቀልቢ ፍጥረት ሰብ ዝዳጉን መሠረታዊ ሥነ ምግባርን ግብረ ገብን ዝሓክኽ ባህሊ፣ ዝንዘሓሉ ዘሎ እዋን፣ ዝሕብሮም ዓበይቲ ሰብኣውን ማኅበራውን ሽግራት ተንቲኖም፣ ሰብ ሎሚ ሳዕቤን ኢእግዚኣብሔርነት እንታይ ምዃኑ ተረዲእዎ ኢዩ። ስለዚህ ነቲ ኣብ ፍጥረት ሰብ ዘሎ ኣሰር ደረት ሰገርነትን ኣብ ማሕበራዊውን ውልቃውን ሕይወት እውን ይዅን፣ ዓመጽን ጽልእን ኣድልዎን ምግባረ ብልሽውናን ኣይፋል ዝብል ናይ ሕይወት ባህሊ ዝነብርን ምትሕብባርን ሕጋውነትን ፍትሕን ዝጠልብ ናይ ኅብረተሰብ ሥነ ምግባራዊ መርበብ ብሓድሽ ዝነቓቕሕ ሃይማኖታዊ ኣድማስ ሉዑል ኣድላይነት ከምዘለዎ ብፁዕ ኣቡነ ቸላታ ኣረዲኦም።

ዝኾነ ይዅን ሃይማኖት ዝኽተሎ መደብ ሕንጸት ምርምርን ንቕሓተ ሕሊናን ዘተባብዕ እምበር ዝጻረር ክኸውን ከምዘይብሉ እምነትን ምርምርን መሠረት ገይሮም ብምግላጽ፣ እምነት ንምርምር ሸለል ክብሎ ከምዘይግባእን እዚ ድማ ነቲ ሃይማኖታዊ ተመክሮ ውሑስ ዝገብር ካብ ሥነ ኣእምሮኣዊ ደራኽን ጸቕጥን ዘድሕን ተራትዖ ኢዩ። እምነትን ምርምርን ካብ እዚኣብሔር ዝዕደሉ ዕቑራት ኃይልታት ምዃኖም ኣረዲኦም፣ ኣብ ጉዳይ ሃይማኖት ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ መዳይ ሕንጸት ምርምርን እምነትን ክደጋገፉን ዝማላልኡን ምዃኖም ክምሥከር ኣለዎ። ስለዚህ ካብ መንእሰያት ዝቐርቡ ዓበይቲ ሕቶታት ቀሪብካ ብኩለ መዳይ መልሲ ንምሃብ ዝኽእልን መልሱ ድማ መን ምዃኑ ዝሕብር ኣብ እምነትን ምርምርን ዝተመርኮዘ መደብ ሕንጸት ወሳኒ ኢዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንምበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.