2010-10-27 09:54:10

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ክርስቶስን ናብ ፍጥረት ሰብ ምብጻሕ


ቅዱስ አቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ቅድሚ ትማሊ ነቲ ኣብ ቫቲካን ክካየድ ዝቐነየ ቀዳማይ ናይ ማእከላይ ምብርቕ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ፍጻሜ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፣ ኣብ 2012 ዓ.ም. እቲ ክቐውም ውሳኔ ዝሃብሉ ሓድሽ ብዛዕባ ዳግማይ ኣስፈሆተ ወንጌል ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ RealAudioMP3 ፣ ኣብተን ጥንታውያን ክርስትያን ሃገራት ሕጹጽ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎ ዳግማይ ኣስፍህቶ ወንጌል ብፍላይ ዘተኩር ሲኖዶስ ክካየድ ምዃኑ ብወግዒ ከምዝሓበሩ እንክንገር፣ ብዛዕባ እዚ ውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣመልኪቶም እቲ ነዚ ናይ ዳግማውይ ኣስፍሆተ ወንጌል ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ንኽመርሑ ብውሳኔ ቅድስነቶም ዝተመዙን ኣብቀረባ እዋን ናብ ናይ ካርዲናል ማዕርግ ድልው ዝተብሃሉ ዕለት 20 ሕዳር 2010 ዓ.ም. ብዕሊ እቲ ማዕርግ ዝቕበሉ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ብፅዕ ኣቡነ ሪኖ ፊሲከላ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እቲ ቅዱስ ኣቦና ዝጠለብዎን ኣብ 2012 ዓ.ም. ክካየድ ውሳኔ ዝሃብውሉ ናይዚ ብኣኦም ዝምርሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሲኖዶስ፣ ቅዱስ ኣቦና ዛዕባ ዳግማይ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘለዎም ኣገዳስነትን ሕጹጽ እውን ምዃኑ፣ ነቲ ኣብተን ጥንታውያን ክርስትያን ዝበሃላ ሃገራት ዘሎ ሓፈሻዊ ህልው ኩነታ ብዕምቆት ብምርዳእን ብምምርማርን ዝሃብዎ ውሳኔ ደስ ዘብልን ንመላእ ብፁዓን ጳጳሳት ዝምልከት ብምዃኑ ዓብይን ጥልቅን መጽናዕትን ኣስተንትኖን ዘድልዮ ኃላፍነት ኢዩ ኢሎም።

እቲ ብዛዕባ ዳግማይ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓሊ ጳጳሳቲ ቤት ምኽሪ ኣብ 2010 ዓ.ም. ዝተመሥረተ ገና ኣብ ተኽሊ እግሪ እንከሎ ኣብ 2012 ዓ.ም. ዝካይዶ ብምዃኑ ብዙሕ ጻዕሪ ዝሓትት ኢዩ፣ እቲ ዝዓበየ ግን ጳጳሳዊ ናይ ዲኖዶስ ጉዳይ ዝሓሊ ዋና ቤት ጽሕፈት ልዑል ኃላፊነት ከምዘለዎ ዘመልክት ኢዩ። ነቲ ክካይድ ተወሲኖ ዘሎ ሲኖዶስ መዳለዊ ናይ ክልተ ዓመት ጊዜ ከምዘሎ እውን ሓቢሮም፣ ቅዱስ ኣቦና በቲ ዘለዎም ናይ ቅዱስ ጴጥሮት ተኸታሊ ኃላፍነት መሠረት ኡቢኩምከ ኤት ሰምፐር፣ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ወትሩ ኣብ ኩሉ ሥፍራ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ወንጌል ከተበሥር ኃላፍነትን ግዴታን ከምዘለዋ ብምምልካትን ዝመሥረትዎ ብዛዕባ ዳግማይ ኣፍሆተ ወንጌል ዝግደስ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ውሳኔ ሓዋርያዊ መልእኽቲ፣ እቲ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ክኽተሎን ዝግበኦን ፍጻሜታቱን ኩሉ ተምልኪቱ ከምዘሎ ብፁዕ ኣቡነ ፊዚከላ ኣመልኪቶም፣ ናይ ዘመንና ሰብ ካብ እግዚኣብሔር ብምርሓቕ ዝመርሖ ዘሎ ሕይወት ዝጠልቦ ምድረ በዳዊ ዝዓይነቱ ኅላዌ፣ እቲ ብዘይ እግዚኣብሔር ክንበር ከምዝኽእል ዘረጋገጸሉ ሥነ ሓሳብ ኮነ ምርምር ነቲ (ወዲ ሰብ) ዘማዕድዎን ሃሰስ ዝብሎን ፍጻሜን ትርጉም ሕይወትን ከጨብጦ ብዘይ ምኽኣሉ ኣብ ገዛእ ርእሱ ተዓጺፉን ሕዙን ኮይኑ ክተርፍ ገይርዎ ኣሎ፣ ምእንቲ’ዚ ነቲ መልሲ ትርጉም ሕይወት ስኢኑ ዝነብር ዘሎ ሰብ ናብ እግዚኣብሔር ክምለስ ምድጋፍን፣ ይማዕብል ኣይማዕብል ወትሩ እግዚኣብሔር ዘድልዮ ምዃኑ ዘነጽር ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኢዩ። ቅዱስ ኣቦና ነቲ ብተዛማዲ ባህሊ ኵለ መዳያዊ መጥቃዕቲ ዝወርዶ ዘሎ ፍጥረት ሰብ ኣብ እምነትን ምርምርን ዘሎ ዝማላእ ርክብ ብሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ተተርጒይሙ ዳግማይ ክርስቶስ ክብሠሮ ከምዝግባእን፣ እዚ ድማ ሓቂ ንምድላይ ኣብ ወዲ ሰብ ዘሎ ምዃናዊ ሃረርታ ብዕምቆት ካብ ምርዳእ ዝነቐለ ውሳኔ ኢዩ ኢሎም።

እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ነቲ ዝተገማማዔን ብስእነት ናይ ሓባር ረቛሒ ዝሳቐን ናብ ዘይምሉእነት ዘምርሕ ዘሎ ዘመንና ሰገር ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣዚዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ምእንቲ’ዚ እዚ ኵላዊነት መልክዕ ቤተ ክርስትያን ዘንጸባርቕ መደብ ኣስፍሆተ ወንጌል ኢዩ። ብኻልእ መዳይ ነቲ ኣብ እንነብረሉ ዘሎና ዘመን ዘጋጥም ዘሎ ዕንቅፋት ንምውጋድ ዝግበር ጻዕሪ ምሉእ ዝግበሮ ኣቲ ምሉእ ምዃናዊ ኢዩ፣ ንሱ ድማ እግዚኣብሔር ኢዩ፣ እቲ ናይ እምነትና ማእከል ዝኾነ ኣብቲ ዝሞተን ንሞት ስዒሩ ዝተንስኤን ኢየሱስ ክርስቶስ እንነብሮ ሕይወት ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.