2010-10-23 18:18:24

በነዲክቶስ ናይ 3 ሀገራት ሐደስቲ አምባሳደራት ናይ ሹመት መልእኽቲ ተቀቢሎም፡


አብ ቅድስቲ መንበር ሐደስቲ አምባሳደርት ኮይኖም ዝይተመደቡ ናይ ፖርቱጋል ስሎቨንያ ኤኳዶርን አምባሳደራት ትማሊ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ናይ ሹመት መልእኽቲ ከም ዘቅረቡ መራኸቢ ብዙኀን አፍሊጦም ።

ቅድሚ ትማሊ ብተመሳሳሊ አብ ቅድስቲ መንበር ዝተመደቡ ናይ ሮመንያን ደቡባዊ ኮርያን አምባሳደራት ናይ ሹመት መልእኽቲ ንበነዲክቶስ አቅሪቦም ከም ዝነበሩ ዝዝከር ኢዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ነቶም ሐደስቲ አምባሳደራት ተቀቢሎም አብ ዘዘራረብሉ ግዜ ፡ ክብሪ ክርስትና ንዕብየት ሕብረተሰብ ዓቢ ተራ ከም ዘለዎ ሕይወት ሰብን ስድራ ቤታትን ክዕቀብ ዘካይዶ ጻዕሪ አድላይነቱን ሠረተ ክርስትና አብ ግምት ክአቱ አተሐሳሲቦም።

ቤተ ክርስትያን ናይ ፖሊቲካ ዝምባሌ ወይ ክአ ድሌት ከም ዘይብላ ጠቂሶም ፡ግን ንሓባራዊ ሰናይ ፡ ክብሪን መሰልን ወዲ ሰብ ክዕቀብ ከም ትደልን ትሰርሕን ክአ አመልኪቶም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ንናይ ኤኳዶር አምባሳደር ሉዊስ ዳ፡ቶረ ናይ ፖርቱጋል ማኑኤል ቶማስ ፈርናንደስ ፐረይራ ንናይ ስሎቨንያ አምባዳሳደር ማያ ማሪያ ስቨተክ ከም ዝገለጹሎም ፡ ብአምሳል እግዚአብሔር ዝተፈጥረ ሰብ መንነቱ ምክሐድ ፍትሒ ምጥፋእ ከም ዝኾነን ፍትሒ አልቦነት ክአ ንስእነት ሰላም ጠንቂ ከም ዝኸውን አብ ታሪክ ዝተረእየ ጉዳይ ከም ዝኾነ ክአ ገሊጾም።

ቅድስነቶም ንሰለስቲኦም አምባሳደራት ብብሕቲ ረኺቦም አብ ዘዘራረብሉ ግዜ ቅድስቲ መንበር ምስተን ሀገራት ዘለዋ ርክብ ዘተኮረ ዘተ ከም ዘካየዱ ጽቡቅ ስራሕ ክአ ከም ዝተመነይሎም መራኸቢ ብዙኀን ቫቲካን ገሊጾም ።








All the contents on this site are copyrighted ©.