2010-10-21 15:47:15

ናይ ተጓዓዝትን መጓዕዝያን ጉዳይ ዝምልከት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ


ኣብ ታይላንድ ርእሰ ከተማ ባንግኮክ ናይ እስያን ኦቻይናን ናይ ተጓዓዝትን መጓዓዝያን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ጉዳይ ዝዝቲ፣ ጳጳሳዊ ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ሓልዮ ቤት ምኽሪ ዘዳለዎ ዓወደ መጽናዕቲ ቅድሚ ትማሊ ከምእተጀመረ እንክንገር፣ ነቲ ካብ 18 ናይ እስያን ኦቻይናን ሃገራት ዝተዋጽኡ 55 ኣብ መዳይ ተጓዓዝትን RealAudioMP3 መጓዓዝያን ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ዝፍጽሙ ካህናት ዘሳትፍ ዘሎ ዓወደ መጽናዕቲ ብዘቕረብዎ ዘረባ ዘጀመሩ ጳጳሳዊ ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ሓልዮት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶኒዮ ማሪያ ቨሊዮ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እዚ ዓውደ መጽናዕቲ ዕለት 29 ጥቅምቲ 2010 ዓ.ም. ዝፍጸም ምዃኑ ኣመልኪቶም፣ እቲ ጳጳሳዊ ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ምስ ፈደራላዊ ናይ እስያን ኦቻይናን ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ብምትሕብባር ዘዳለዎ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፣ ኣብ ኣጠቓቕማ መጓዓዝያ ዘጓንፍ ሓደጋን ዝርኤ ጉድለት ጥንቓቔን፣ ዘይ ምኽባር ሥርዓት መገድታትን ከምኡ እውን ኣብ ናይ ባሕሪ ጉዕዞ ዝርኣዩ ሓደጋታትን ብምትንታን ነቶም ተጓዓዝትን መጓዕዝያን ብፍሉይ ዘተኮረ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን እተቕርቦ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ነቶም ዕለታዊ ናብራኦም ካብቲ ልሙድ ዝኾነ ዓይነት ዕዮ ፍልይ ብዝበለ ኣነብብራ ዝመርሑ፣ ዝበዝሕ ግዜን ክፍሊ ዕለታዊ ሕይወቶም ኣብ ጎዕዞ ዘሕልፉ ዝምልከትን ኣብቲ ዘጓንፎም ሽግርን ኣብ መገዲ ጉዕዞኦም ኣብ ዝዓርፉለን ከተማታትን እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን በቶም ኣብዚ ዓይነት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘገልግሉ ካህናት ገይራ ቀረባ ብምዃን መንፈሳውን ሰብኣውን ደገፍ እናቕረበት ከምእተሰንዮምን ኣብ እስያ ብሰፊሑ ዝርኤ ናይ ገበን ጉጅለታት ሰብ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንዝተፈላለዩ ክብሪ ሰብ ዝሓኵ ጸያፍን እከይ ተግባራት መገልገልቲ ክኾኑ ዓሚቶም ዘንቀሳቕሱ ንሓድሽ ናይ ዘመን ጊልያነት ንምዕጋትን እቶም ናይቶም ገበን ጉጅለታት ዓደዳ ዝኾኑ ብፍላይ ድማ ዝኾና ክፍሊ ኅብረተሰብ ካብቲ ዝወረደን ሓደጋ ንምልቓቕ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዘጠቓለለን፣ ኣብዚ መዳይ ዝቐርብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ከመይ ክኸውን ከምዘለዎ ዝሕብርን፣ ኣብ እስያ ብዝተፈላለየ ባህርያውን ሰብ ኣምጽኦ ሓደጋታትን ኣብቲ ክሊ ዝለዓል ውጥረት ምኽንያት ዝመዛበሉን ዝስደዱን ካብ ገጠራት ናብ ከተማታት ዝውሕዙ ቀዋሚ ወይ ድማ ወግዓዊ መንበሪ ቦታ ዘይብሎም ዘይፍሉጣት ኮይኖም ዝነብሩ ወትሩ ተጓዓዝቲ ዜጋታት ዝምልከትን እዚ ዅሉ ኣብ ግምት ዘእትው ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንምሕንጻጽ እቲ ዓወደ መጽናዕቲ ክብሪ ፍጥረት ሰብ ኣብ ኵሉ መዳይ ክኽበር ዘተሓሳብን ዝመርሕን ክኸውን ከምዘለዎ ነቲ ጉባኤ ከምዘመልከቱ ሓቢሮም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.