2010-10-21 15:48:14

ሱዳን፦ ጻውዒት ሰላም


ናይ ሱዳን ብፁዓን ጳጳሳት ንናይ ሱዳን ሰላምን ምትሕብባርን ዳግም ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዜኒት ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ። እዚ ብስም ናይ ሱዳን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ደቡብ ሱዳን ናይ ቶምቡራ ያምቢዮ ሊቀ ጳጳሳ ብፁዕ ኣቡነ ኤዱዋርድ ሂቦሮ ኩሳላ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ዝሳተፍሉ ዘለዉ ዓለም ሓቆፍ ማኅበር ረድኤት RealAudioMP3 ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስትያን ኣብ ዘካይዶ ዓለም ለኻዊ ኣኼባ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ዘቕረብዎ ጻውዒት ምዃኑ ዜኒት ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ። ሱዳን ሰላም ኣዚዩ ዝጸምኣ ሃገር ኢያ እሞ ናይ ኵለን ደለይቲ ሰላም ሃገራት ደገፍ የድልያ ቢሎም፣ ኵሎም ማኅበረ ክስትያን ኣብ ናይ ሱዳን ሕንጸት ሰላም ዓቢ ግደ ከምዘለዎም ኣመልኪቶም፣ ናይ ደቡብ ሱዳን መጻኢ ዕድል ኣብ 2011 ዓ.ም ወርሒ ጥሪ ዝካየድ መደብ ውሳኔ ሕዝቢ ከረጋግጾ ዝብል ናይ ሰላም ስምምዕ፣ ናብ ውጥረት ዝድርኽ ከይከውን የፍርሕ፣ ምእንቲ’ዚ ውሳኔ ሕዝቢ ዘረጋገጾ ድላይ መሠረት ሰላም መታን ክኸውን ዓለም ሓቆፍ ማኅበረሰብ ብቐረባ ክከታተሎ ሓደራ ቢሎም፣ በዚ ኣጋጣሚ ማኅበር ረድኤት ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስትያን ንሱዳን ዝለገሶ ግብረ ገባውን ንዋታውን ደገፍ ኣመስጊኖም ኵሎም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ሱዳን ወጻኢ ዝነብሩ ዜጋታት ሱዳን ኣብቲ ናይ ሕዝቢ ውሳኔ መደብ ድምጾም ብምሃብ ክሳተፉ መታን ናብ ሱዳን ዳግም ምምላስ ክገብሩ ከምዘተሓሳሰብ ዜኒት ናይ ዜና ኣግልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.