2010-10-19 13:39:47

ቅድስቲ መንበርን ኤል ሳልቫዶርን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ትማሊ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ኤል ሳልቫዶር ሓድሽ ልዑከ መንግሥት ክኾኑ ብመንግሥቲ ኤል ሳልቫዶር ንዝተልእኩ ማኑኤል ሮበርቶ ሎፐዝ ባረራ ንዘቕረብዎ ናይ ሹመት ደብዳቤ ከምእተቐበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ይሕብር።

ቅዱስነቶም ነቶም ሓድሽ ልዑከ መንግሥቲ ኤል ሳልቫዳሮ ናይ ሹመት RealAudioMP3 ደብዳቤ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ቤተ ክርስትያን ኣብ ኤል ሳልቫድሮ ኣብቲ ዝምልከታ ጉዳያት ብልኡላውነትን ነጻነትን ንናይ ኵሉ ዜጋ ረብሓ ብስብከተ ወንጌልን እቲ ንማንም ዘይንጽል ፍቕሪ እግዚኣብሔር እናመስከረት ኣብታ ሃገር ሰፊሑ ዘሎ ድኽነት ካብ ሥሩ ክመሓው ብመዳይ ሕንጸትን ብግብረ ሰናይን ኣገልግሎት ተዋፊራ እተገልግል ከምዘላ ዘኪሮም፣ ኤል ሳልቫዶሮ ካብ እቲ ንዓሰርተ ዓመት ዝተኻየደ ዘስካሕክሕ ደማዊ ሕድ ሕድ ውግእ ኣብ 1992 ዓ.ም. ተላቒቓ እትስጉመሉ ዘላ ከይዲ ምርግጋጽ ውሽጣዊ ሰላም ዘኪሮም፣ ሓጂ እውን እታ ሃገር ኣብ ስንኵፍ ኩነታ ከምእትርከብን እቲ ምስቲ ኣብ ሕርሻ ጽግዕተይና ዝኾነ ድኹም ኤኮኖሚኣ ዘለዋ ናይ ወጻኢ ናይ ልቓሕ ዕዳን ናይ ዘደንዝዙ እውጸዋት ብዘዘዋውሩ ናይ ገበን ጉጅለታት ዝወርዳ ሰብኣውን ማኅበራውን ሽግራት ጠቒሶም፣ ናይታ ሃገር ሃብቲ ተፈጥሮን ብማዕርነት ክባጻሕን ብቕንዕናን በገልግሎት መንፈስ ክመሓደርን ንናይ ማህበራዊ ረብሓ ፍጻሜ ብዝኣመተ ኣሠራርሓ ክምራሕን፣ መዋቕር ቤት ፍርድን ደያኑን ካብ ዝኾነ ይዅን ጸቕጢ ናጻ ክኸውን ከምዘተሓሳሰቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣመልኪቱ።

ዓመጽ ናብ ዕንወት እምበር ናብ እወታዊ ፍጻሜ ፈጺሙ ዘብጽሕ ከምዘይኮነ ቅዱስነቶም ኣመልኪቶም፣ ሓይሊ ጸጥታን ምክልኻልን ኣብ ምርግጋጽ ጸጥታን ውሕስነት ሃገርን ዜጋታትን ሉኣላዊነት ሕግን ረብሓ ሕዝብን ሃገርን ክረጋገጹ ተላብዮም እቲ ቤተ ክርስትያን እተስተምህሮ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ምሥጢረ ተክሊል ዝተመስረተን ቃል ኪዳን ብናይ ኤልሳልቫዶር ቅዋም ዝእተኣመነሉን ዘነቓቕሖን እውን ከምዝኾነ ቅዱስነቶም ዘኪሮም፣ ሕይወት ካብ ምጽናስን ክሳብ ባህርያዊ ሞት ክኽበር ወለዲ ካብ መትከል ግብረ ገብን እምነትን ዝምንጭ ሕንጸት ንደቃቶም ከቕርቡን ምዒዶም፣ ኣብ መወዳእታ ኣብታ ሃገር እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ሃይማቶታት ጉጅለ ካብ ጥንቲ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተሰጋገረን ዝመጸ ባህልን ሰናይ ልምድን ናብ ሓደጋ ዘቃልዕን ውበት/ጽባቔ መልኽቲ ወንጌል ዝቐናቐን ኢዩ ቢሎም። ሕዝቢ ካብዚ ሓደጋ ክጥንቀቕ ሓላፍነት ናይ ኵሉን ናይ ሰብ ጽቡቕ ድላይን ኢዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.