2010-10-19 15:00:01

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ንተመሃሮ ዘርአ ክህነት


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ከም ተኸታታሊ መልእኽቲ ናይ ዓመት ክህነት ናብቶም ተካእቲ ካህናትን ዘርኢ ክህነትን ዝኾነ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ‘ዓለምና ገና ካህናት የድልይዎ ኣለው፤ ብሰብኣዊ ብስለት ዝተኸለሰ ሕይወት ንጽሕና ንበሩ’ እንክብሉ መልእኽቲ ጽሒፎም።

ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ክህነት ናይ ታሪኽ ወይ ሕሉፍ ጉዳይ ከምዘይኮነ ድሕሪ ምግላጽ ንመጻኢ ሕዝብና ናብ እግዚአብሔር ዝመርሑ ካህናት ወትሩ ከድልዮም ኢዩ።

እቲ መል እኽቲ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽናዮ ከም መዛዘሚ ዓመት ክህነት ኢዩ ተጻሒፉ ኮይኑ ግን ትማሊ እዩ ብዕሊ ተኣዊጁ።

ቅዱስነቶም ኣብ መል እኽቶም ናይ ገዛእ ር እሶም ጸዋዕታ ክህነት እንከመልክቱ ብ1944 ዓም ሃገራዊ ኣገልግሎት ምስ ፈጸሙ ኣዛዚ ክፍለ ሠራዊቶም ዝነበሩ ንነፍሲ ወከፎም እንታይ ክገብሩ ምዃኖም እናሓተቶም ታራኦም ምስ በጽሔ፤ እንታይ ክትገብር ትደሊ ምስ በሎም፤ ካቶሊካዊ ካህን ክኸውን ኢየ ዝደሊ ምስ በልዎ፤ እቲ ኣዛዚ ክፍለ ሠራዊት ‘ኣይ! ካልእ ሥራሕ ደኣ ድለ እምበር ኣብ ሓዳስ ጀርመን ካህናት ፈጺሞም ኣይደልዩናን ኢዮም’ ምስ በለኒ እዛ ሓዳሽ ጀርመን እዚኣ ብዝቀልጠፈ ግዜ ክትዓኑ ምዃና ሽዑ ሽዑ ተረዲኡኒ፤ ከም ዝገመትክዎ ኸኣ እቲ ጽላለ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ሰፍ ዘይብል ዕንወት ኣስዒቡ ምስ ወደቀ ኣብ ጀመር ካህናት ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ኣድልዮም” እንክብሉ ኣብዚ ግዜና እውን ብዙሓት ኣገልግሎት ካቶሊካዊ ክህነት ንመጻኢ ዝኸውን ዘይኮነስ ናይ ዝሓለፈ ታሪኽ ጉዳይ ኮይኑ ዝብሉ ከምዘይሰኣኑ ገሊጾም። ኮይኑ ግን ይብሉ ቅዱስነቶም፤ ‘ኮይኑ ግን ወላ እውን ኣብቲ ዝለዓለ ምልኪ ተክኖሎጅን ዓውለማነት ማለት ግሎባሊዘይሽን ኣብ ዝዓብለሎ ዘመና እውን እንትኾነ ሕዝቢ ወትሩ ንእግዚአብሔር ከናዲ ኢዩ፤ ሕዝቢ ንእግዚአብሔር ኣብ ዘይርደኣሉ ሕይወት ባዶ ይኸውን ዘዕግቦ እውን ኣይረክብን፤ ሎሚ ምናዳ ንመንእሰያት ልዋም ከሊኡ ፈተነ ብምዃን ዘዕገርግሮ ዘሎ ዓመጽን ካባኡ ንኽትሃድም ዝግበር ዝተፈላለየ ዘይስሩዕ ኣገባባትን ሳዕቤን ናይዚ ኢዩ። ኣምላኽ ሕያው ኢዩ፤ ዘገልግልዎን ናብ ካልኦት ዘብጽሕዎን ይደሊ ኣሎ፡ ስለዚ ካህን ምዃን ትርጉም ኣለዎ፤ ዓለምና ሎምን ጽባሕን ንኩሉ ግዜን ክሳብ መወዳእታ ዓለም ካህናት የድልይዋ። ኮይኑ ግን እዞም ካህናት እዚኦም ናይ እግዚአብሔር ሰባት ክኾኑ ኣለዎም’ ብማለት ናይ እግዚአብሔር ሰባት ዝገብሩ ረቛሒታት ዘርዚሮም። ካብዚ ረቋሒታት ብቀንዲ ንተመሃራይ ዘርአ ክህነት ዘድልዩ ምስ ክርስቶስ ጥቡቅ ርክብ ምግባር ምናዳ ኣብ ቅዱስ ቊርባን ዝርከብ ሃብቲ ብምርዳእ ብስግደት ቅድሱ ቊርባንን ዕለት ዕለት ንኣኡ ብምቅባልን ምስ እዚ ቀንዲ መጋበሪ ድሕነትን ንጽሕናን ዝኾነ ምስጢረ ንስሓ ወትሩ ከዘውትሩ ሓደራ ቢሎም።

ምንጭን ኰስኳስን ተመሃሮ ዘር ኣ ክህነት ዝኾነ ሕዝበ እግዚአብሔር ካብ ወልዶ ናብ ወለዶ ሒዝዎ ዝነብር ሕዝባዊ መንፈሳውነትን ሠናይ ተግባርን ምንጪ ጽድቂ ምዃኑ ብምርዳእ ተመሃሮ ዘር ኣ ክህነት ሕያዎት ፍቱዋት ርኅሩሓት ገበርቲ ሠናይ ኽኾኑ ከምዘለዎም ኣብ ርእሲ እዚ ከኣ ነቲ ውሳጣዊ መሳርዕ እምነት ብሓፈሻ ክርድእዎን ክቅበልዎን በዚ ኸኣ ንሕቶታት ሕዝቢ ክምልሱ ስለዝኽ እሉ ኣብ መጽናዕቲ ከድህቡ ግድነት ከምዝኾነ እውን ገሊጾም።

ዓመታት ኲስኰሳ ተመሃሮ ዘርአ ክህነት ከድህበሉ ዘለዎ ሰብ ኣዊ ብስለት ክኸውን ከምዘለዎ ብምግላጽ እዚ ብስለት እዚ እኹል ሥነ ጾታዊ ትምህርቲ ብምርካብ ምልኣትን ብስለትን ዘለዎም ሰባት ኮይኖም ከምዝ ዓብዩ ክግበር ሓደራ ቢሎም። ነዚ ዘበሎም ኣብዚ ቀረባ ግዜ ንቤተ ክርስትያን ጸለሎ ዝቀብ ኤ ብሓደ ክልተ ሓላፍነት ዝጐደሎም ውሉደ ክህነት ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ ክንዲ ብጽቡቅ ኣብነት ዘባት ዝመርሑር ብስለት ዘርእዩን ብሕማቅ ጠባዮምን ኣብነቶምን ንቤተ ክርስትያን ዓቢ ጉድኣት ኣብጺሖም ነዚ ከኣ ዓቢ ሕፍነትን ጣዕሳን ከምዝስምዖም ሓቢሮም። ከምሳዕቤን ናይዚ ብዙሓት ካባኹም ፍቁራት ተመሃርቲ ዘርኣ ክህነት እውን ከይተረፈ በዚ ግዜ እዚ ካህን ምዃን የድሊዶ፤ ብድንግልና ምንባር ሎሚ ትርጉም ኣለዎዶ ዚብል ፈተነ ከጋጥም ይኽእል፤ ኮይኑ ግን ወላውን እዚ ኣዕናዊ ዕንቅፋት እንተተረኽበ ክህነትን ተልእኮኡውን ወትሩ ዓብን ንጹሕን ኢዩ፤ እግዚአብሔር ይመስገን ንጡፋት ንጹሓትን ቅዱሳትን ብሱላትን ንኩሉ ኣብነት ክኾኑ ዝኽእሉ ብእምነት ዝተኰስኰሱ ኣብነታውያን ካህናት ከምዘለውና ኩልና ንፈልጥ፤ ስለዚ እዚ ዘጋጠመ ሓደጋ ከጠንቅቀና እዩ ዘለዎ፤ ኣብ ክህነት ክንኩስኰስ ከሎና እቲ ጸዋዕታ ዝግብኣና ከምዝኾነ ብምስትውዓል ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኅልናና ክንምርምር የድሊ፤ መሠረታዊ ጉዕዞ ጸዋዕታ ኸስ ወትሩ ናብቲ ብክርስቶስ ዝተገልጸልና ኣምላኽ ብምትኳር ሰብኣዊ ብስለት ብምኽዕባት ብኣኡ ዕለት ዕለት ክሕደስ ኣለዎ’ እንክብሉ መልእኽቶም ዛዚሞም።








All the contents on this site are copyrighted ©.