2010-10-17 18:06:55

፪ ዘጽጌ 2003 ዓ.ም. (2010)


መዝሙር፡ ኪነ ጥበቡ . . . . . . ።

ንባባት፡ ኤፌ 6፡1~1፤ ራእ 12፡1~13 ግ.ሓ. 7፡23~27 ሉቃስ 2፡25~27

ስብከት፡ “ተዘከር እግዚኦ ከመ መሬት ንሕነ፤ ወሰብእሰ ከመ ሳዕር መዋዕሊሁ፥ ወከመ ጽጌ ገዳም ከማሁ ይፈሪ”።

ካልአይ ሰንበት ዘጽጌ ንተግባር እግዚአብሔር የድንቕ አብ አርያም እንከሎ ምሕረቱን ስልጣኑን አርአየ ንሰማያት ብኸዋኽብቲ ንምድሪ ብዕንባባታት ሸለማ፤ ይብል። ድሕነት ብማርያም ምስ መጽአና ዝዓበየ ሽልማት ንደቅሰብ ተዓዲልና፥ አምላኽ ባዕሉ አብ መንጎና ሓዲሩ ብዘይካ ሓጢአት ብኹሉ ንአና መሲሉ። አሕዋት ኮና መዋርስቱ አብ ሰማይ ኮና። አብ መስቀል ሞቱ ደቂ ሰማይ ገሩና።

ፍቕር ሰብ ንአምላኽ አብ ሞት አብጽሖ። አምላኽ ከድሕነና ምስ ወሰነ ነቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ክብሩን ግርማኡን ሓዲጉ ንድኹም ባሕርና ለቢሱ። ቅዱስ ጳውሎስ ከም ዝብለና ንርእሱ ኢሚንቲ ቖጸረ ዝበሎ አምላኽ ውርደት ተቐበል። እንተኾነ ውርደት አምላኽ ንአና አብ ባሕሪኡ ከምንሳተፍ ሕሩያቱ ከም እንኸውን ገሩና። ናይ አምላኽ ክብርን ውርደትን ብዝያዳ ዝተቐበለት ማርያም እያ። ሕይወት ማርያም ብፍላይ ድሕሪ ብስራት ምቕባላ ወንጌል ከም ዝሕብረና ውርደት ስቓይ ስደት ጓሂ ዝበዝሖ እዩ ነሩ። አምላኽ ስለምንታይ ከድሕነና ስቓይ መሪጹ? ሰብ ስለ ምንታይ ዝሳቐ፥ ዓለምና ስለምንታይ አብ ስቓይ ቀዳምነት ዝህብ፥ ሰባት ስለ ምንታይ ሰብ ክዋረድ ክሳቐ ዝመርጹ? ጥዑያት ሰባት ስለምንታይ ክሳቐዩ ንርእዮም? ኩልና በብዘሎና ክንሓቶ እንኽእል ሕቶ እዩ።

አብ ግላዊ ሕይወትና እንተ መርመርና ስለምንታይ እዚ ወሪዱኒ ስለምንታይ አምላኽ እዚ አብ ሕይወተይ አብ ገዛይ አብ ስድራይ አብ ሥርሐይ ወዘተ እናበልና ትርጉም ምኽንያት መሳቕይና ንሓትት። ከም ሰባት መጠን ጽቡቕ ሰላም ፍቕሪ አብ ሕይወትና ክነግስ ናይ ኩልና ትምኒት እዩ። ስቓይ ክወርዶ ዝምነ ሰብ የለን እንተኾነ አብ ተግባር እንርእዮ ከምኡ አይኮነን ምኽንያቱ ክንፈልጦ ብዘይንኽእል ናይ ስቓይ ገንሸላት ኮና ንነብር። ነዚ መልሲ ክንረኽበሉ ሕይወት ማርያም ክንርኢ አሎና።

ማርያም አብ ሕይወት ወዳ ካብ ልደቱ ክሳብ ሞቱ ስቓይ እያ ርእያ፥ ክትሓርስ መሕደሪ ክትረክብ አይከአለትን እሞ አምላኽ እንከሎ እዚ ክረክብ ዘይትጽበዮ እንከላ፥ አብ ብዓቲ እዩ ተወሊዱ። ምስተወልደ አብ ወንጌል ከም ዝተነበ ሉቃ 2፡34~35 “እንሆ እዚ ሕፃን እዚ አብ እስራኤል ንብዙኃት ምኽንያት ምውዳቖምን ምትንሣኦምን ከምኡ እውን ዘይቅበልዎ ምልክትን ኪኸውን ዝተመደበ እዩ። ንአኺ ኸአ ሓሳባት ልቢ ብዙኃት ምእንቲ ኪግለጽ ኃዘን ንልብኺ ከም ሰይፊ ኪስንጥቖ እዩ” እናበለ ስምዖን አብ ቤተመቕደስ ንማርያም ዝበሎ ነንብብ። አብዚ ማርያም አብ ስቓያት ክርስቶስ ከም እተሳተፈት ነንብብ፥ክትዛረበሉ ዘይትኽእል ከቢድ ከም ኲናት ዝወግእ ስቓይ ከም እትሳተፍ ይነግር። ወዳ አብ መስቀል ክሳቐ ክዋረድ ክመውት ክትርእዮ እንከላ ዝተሰምዓ ስቓይ ጓሂ ክትግምቶ ዘጸግም እዩ። ሰባት ደፊሮም ክዋርድዎ ክሰቕልዎ ክመውት ክትርእዮ እንከላ እንትዒ ከም ሰብ ከመይ ገራ ክኢላቶ። ወንጌላውያን ብዙሕ ብዛዕባ ስቓያታ አይነግሩናን ግን እዚ ንባዕሉ ዓቢ አርእስቲ ምሓዘ ነሩ። አብ ወንጌል ከም እነንብቦ ሕይወት ኢየሱስ ስቓይ ስደት ብመራሕቲ ሃይማኖትን ሃገርን ጽልአት አብ መጨረሽታ ሞት ምፍራዱ። ኩሉ ስቓይ ዝመልኦ እዩ ነሩ። ኢየሱስን ማርያም ንስቓይ ዝተዓደሉ ኮይኑ እዩ ዝርአየካ ነዚ አብኦም አብ ግላዊ፥ ሓበራዊ ሕይወት አገናዚብካ ክተስተንትነሉ ጥቕሚ አልኦ።

አምላኽ ስለምንታይ ስቓይ ዝመርጽ? ስቓይ መወዳእታኡ እንታይ እዩ። ስቓይ ከመይ ክኸውን እንከሎ እዩ ትርጉም ዘይብሉ ዝኸወን። ብክርስትያናዊ ርድኢት ንስቓይ ከመይ ንርእዮ፥ ካብ ናይ ማርያም ስቓያት እንታይ ክንምሃር ንኽእል።

አምላኽ ንሰብ ክፈጥሮ እንከሎ አብ ገነት አብ ሓጎስ እዩ ፈጢርዎ። አብ ገነት ኩሉ ጊዜ ተሓጒሶም እዮም ነሮም ቀዳሞት ወለድና። ሰይጣን ምስ ተዓወተሎም ስቓይ ተጀሚሩ እዚአ እትነብረላ ዓለም ርግምቲ ትኹን ንስኻ ኸአ ብርሃጽካ ንበር ምስተበህለ ሽዑ ስቓይ አብ ዓለምና አተወ ሰብ እዩ አእቲይዎ። አምላኽ ካብ ስቓይ ከድሕኖ ንሰብ ስቓይ መሪጹ፡ እቲ ዝለዓለ መግለጺ ፍቕሩ ድሕሪ ውድቀት ንአኡ መሲሉ ከድሕኖ እንከሎ ጥራሕ እዩ። ስለዚ ባሕርይና መሪጹ፥ ንአና ምምሳል ንአምላኽ እቲ ዝዓበየ ውርደት እዩ። ነዚ ብስቓይ ግን ድሕነት ሰላም ዕርቂ ዘምጽእ ግብሪ ምስ ማርያም ክገብሮ ወሲኑ። ማርያም አብ ናይ አምላኽ ስቓይ ተኻፊላ። ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ንአና ምምሳል ወልእኳ ውርደት እንተኾነ ንአና ክብሪ ድሕነት ሂቡና በዚ ኸአ እዩ አምላኽ ከድሕነና ብምምራጹ ውርደቱ ክብሪ ዝኾነነና።

ስቓይ መወዳእትኡ ትንሣኤ ዓወት ሰላም ፍቕሪ ክኸውን እንከሎ ጉዕዞ እዩ ዝብሃል ብቋንቋ ክርስቶስ መስቀል ንብሎ። አብ ሕይወት ማርያም እንተ ረአና መደብ አምላኽ ስለ ዝተገልጸላ ንኹሉ ዝጓነፋ ዝነበረ ስቓያት ኲኖ ስቓይ ድሕነት ርእያ ስለ ዝኸአለት ንኹሉ ክትጾሮ ክኢላ። መጨረሽታ ስቓይ ዓወት እንተኾነ ወላ እኳ መሪር ይኹን ክትጾሮ ይክአል እዩ። ስቓይ ዘይክአል ድሕነት ዘየምጽእ አብዚ ዓለም ጥራሕ ተዓጊቱ ዝተርፍ ምስ ዝኸውን ብላሽ እዩ።

ስቓይ አብ ክልተ ከፊልና ክንርዮ ንኽእል፡

* ባዕልኻ እተምጽኦ ስቓይ ብጉድለትካ ማለት ብሕመቕካ ብኽፍአትካ ካብ ነፍስኻ ተበግሶ ሽዑ ሕርቃን ዘይምቕሳን ንኻልኦት ምህዋኽ አብ ኩሉ ሕይወትካ ትፈጥር። እዚ ክትዕርዮ ሕክምና ምኽሪ ልዕሊ ኹሉ ጸሎት የድልዮ። ንኻልኦት መስቀል ትኸወን አብ ቃል ኪዳን ከቢድ ይኸውን አብ ክህነት አብ ኩሉ ከቢድ እዩ።

* ብኻልእ ዝመጸካ ስቓይ። ሰባት አብ ልዕሊ ካልኦት ከሸግሩ ከካፍኡ ከጸልሙ ስም ካልኦት ከናእሱ ትርኢ። ዘይሓሰብካዮ ሃንደበት ይጸልኡኻ እንታይ ገረ ትብል ነታ ናይ አምላኽ መልክዕካ ይኸልኡኻ አብ ኩሉ ካባኻ ይርሕቁ ንኹሉ ከካፍኡ ትርኢ እዚ ከቢድ መስቀል እዩ። አብዚ አብነትና ኢየሱስ እዩ። ነቶም ዝጸልእዎ ክምሕር ንርእዮ።

ትርጉም ስቓይ ውርደት ክንርድእ አብ ማርያም ንመለስ።

* ንሳ ውርደት ወዳን ሞት ወዳን አብ ሕቑፋ ዝተቐበለት እያ። ነቲ አብአ ዝወረደ ስቓይ ብመንጽር ፍቕሪ አምላኽ ትርእዮ ስለ ዝነበረት ክትጸልእ ተስፋ ክትቆርጽ ክተንጸጽር አይተራእየትን። እኳ ድአ ንሬሳ ወዳ ክትሓቁፍ ክትቀብር ትርአ። አብ ወንጌል ድሕሪ ሞት ኢየሱስ ካልኦት አንስቲ አብ መቓብር ከምዝኸዳ ነንብብ ማርያም ግን አይከደትን ስለምንታይ እንተበልና ንሳ ድሮ ትንሣኤ ወዳ ትፈልጥ ነራ እያ ኩሉ ይርድአ ነሩ እዩ። ንግላዊ ስቓይና አብ አምላኽ መልሲ ክንረኽበሉ ንኽእል ኢና ስለዚ ንአምላኽ ሒዝና ንጉዓዝ።

* ምኽንያት ስቓይና ተረዲእና ጉዕዞ ሕይወትና አብ ገምጋም ክነእቱ ይግባእ። ሰብ ገለ እዋን ብስምዒት ብኽፍአት ብዘይ ምስትውዓል አብ ዘይተደለ ገምጋም ክንወድቕ ይክአል እዩ። ሕይወትካ ክትአምን አሎካ መጀምርያ አብ ሕይወትና ስቓይ ዝብርትዓና ሕይወትና ክንመልኽ ክንመርሕ ምስ ዘይንኽእል ጥራሕ እዩ። ንሰብ ብዝያዳ ዝኸብዶ ንሕይወቱ ምምራሕ እዩ። ሰብ ህውከተኛ እንተኾነ ሕይወቱ ማለት አብ መንፈሳዊ ሕይወቱ ድኽመት እንተልኦ እዩ። ክልተ ጎይቶት ክትግዝኡ አይትኽእሉን ኢኹም ይብለና መገዲ አምላኽን መገዲ ሰይጣንን ፈሊና ዘይንኽእል እንተኾና ኩሉ ጊዜ አብ ዘይቅሱን ሕይወት ክንነብር ኢና።

* ንስቓይና አብ ትንሣኤ ክርስቶስ ገጽና ነቕንዓዮ። ንዝበደሉኻ ምምሓር ንዝተባእሱ ምዕራቕ ክፉእ ንዝገበሩኻ ጽቡቕ ምግባር ንኹሉ በቲ አምላኽ ዝደልዮ መሪሕካ ምኽአል መንገዲ ሰማይ ይኸፍት። ማርያም ንጽጉማት ክትሕግዝ ንጭኑቓት ክተርሁ ትርኤ ከመይ ትርጉም ስቓይ ስለ እትፈልጥ እሞ ሎሚ መገዲ ቀራንዮ ተኸተልና አብ ዓወት ፍቕሪ ክንበጽሕ ንወድኺ ለምንልና ንበላ።

* ንስቓይ ሓውና /ሓፍትና አብ ልብና ርኢና ንኽአል። ስቓይ ናይ ሰባት ርኢና ክንክእል ማለት ሰባት ዘሕልፍዎ ስቓይ ክትርኢ ቀሊል አይኮነን፥ ገለ እዋን ንስቕዮም እነግድድ ንኸውን። ንጭክነሎም ሽዑ አብ ዘይውሱን ሕይወት እናተሃወኹ ይነብሩ። ስለዚ ናይ ሓውናን ሓፍትና ስቓይ ክጠፍእ ዝኣቕምና ክንውፈ አሎና።

ኩሉ ስቓይ ምስ ናይ ክርስቶስ ክነዛምዶ ከሎና ጥራሕ እዩ ክንክእሎ እንኽእልን ትርጉም ዝውሃቦን።

* አብነትና ክርስቶስ እዩ። አብ ገተሰማኒ በቲ ክወርዶ ዘለዎ ስቓይ ክሳቐ እንከሎ ክሳብ ፍቓድካ ይኹን ዝብል አይ ዓረፈን። ኩሉ አብ ኢድ ሰማያዊ አብኡ ምስ አንበረ ተመስገን ኢሉ ንመስዋዕቲ ተበጊሱ ሽዑ ኩሉ ከም ሓደ ናይ ሓጎስ ምረሻ እዩ መሪሽዎ። እዚ እዩ ንኹሉ ስቓያትና አብነት ክኾኖ ዝኽእል።

* ብዙሓት ቅዱሳን ሕይወቶም ቅሳነት ዝጎደሎ ከምዝነበረ ነንብብ ቅድስቲ ተረዛ ብዓልቲ አቪላ ንኹሉ ብዓይኒ ፍቕሪ ርኢና እንተኸአልና ንሕሰም አብ ሓጎስ ክንቅይሮ ንኽእል ኢና ትብለና። ጉዕዞ ቅድስና ጉዕዞ መስቀል ውርደትን ርእሰ ክሕደትን እዩ ከምኡ ክሳብ ዘይኮነ ዋሕስ ቅድስና የብሉን ስለዘ ቅድስና ዓላማን ገርና ንጉዕዝ።

* ዮሓ. 15 ክንገብሮ ዝግብአና መገድን ሕይወትን ይገልጸልና ኦም ብዝያዳ ክፈሪ ንጽልጽሎ ልክዕ ከምኡ ሓደ ክርስትያን ብዝያዳ ክጽላእን ፍቕሪ አምላኽ ክገልጽ ብፍተና ክሓልፍ እንከሎ ብዙሕ ይፈሪ። ንአይ ምሰሉ እዩ ዝብል ወንጌልና። ክርስቶስ ንሞት ናብ ሕይወት፥ ንጸላም ናብ ብርሃን ለዊጥዎ፥ ነዚ አውሪሱና ከይዱ ናትና ጸዋዕታ ነዛ ብጸበባ እትሕመስ ዓለምና ምቕያር እዩ። ከምቲ ሽምዓ ንርእሳ እና ሓረረት ናኽልኦት ግን ብርሃን እትህብ ነፍስወከፍና ብርሃን ክርስቶስ አብ ግላውን ሓባራን ሕይወትን ክነብርህ መስቀል ጸርና ክንጉዓዝ እዩ ድላይ መድኃኒና፥ አብ ጸበባ ራህዋ አብ ሞት ሕይወት ዘምጽእ አምላኽ ኢና እንአምን።

ሕይወትና ምስ ማርያም ክንጉዕዞ ከሎና አብ ትንሥኤን ክብርን ክሓልፍ እዩ። አሰር አደና ክንክተል ክንጎዪ ከሎና አብቲ ጊዜ ጽንኩር ፈተና ራህዋ ርኢና ክንርኢ ኢና። ሰባት ከም ምዃና መጠን ክኸብደና ክመረና እዩ እንተኾነ ጸኒዕና ምስ እንጉዓዝ ኩሉ ክሕደስን ሰላም ክኸውንን እዩ። ማርያም አብ ኩሉ ናይ ወዳ እንታይነት ትፈልጥ ስለ ዝነበረት ክትሓልፎ ክኢላ ንወዳ ኵኖ ሞት ዝሓልፍ እሞ አብ ዝለዓለ ራህዎ ከም ዘሎ ስለ ዝፈለጠት ንኹሉ ክኢላቶ ነዚ ክርዳእን ክስዕብን ሓግዝኒ ንበላ።

ኦማርያም አደይ ኩሉ ሕይወተይ አንተረአኹ ድኽመት ዝበዝሖ ካብ አምላኽ እርሕቕ አሎኹ እሞ ሓግዝኒ አብ ሓቀኛ ጎደና ክምለስ ገለ እዋን መስቀል ኪቢዱኒ እንተ አጒረምረምኩ ባዕልኺ አሎኹ ምሳኻ/ኺ በልኒ ንበላ። ናዛዚተ ሕዙናንን ማርያም ንጭንቀትናን ድኽመትና ባዕላ ትለውጠልና፥ ንግላውን ሓበራውን ስቓይትና ከም መስዋዕቲ ተቐቢላ ዕርቂ ሰማይን ምድርን ተውርደልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.