2010-10-16 14:41:24

ፖሊቲካን ካቶሊካውያንን


ኣብቲ ኣብ ረጆ ካላብሪያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ኢጣሊያ ካቶሊካውያን ማኅበራዊ ሰሙን ዝሳተፉ ዘለዉ ናይ ኢጣሊያ ናይ ብፁዓን ጳጳስት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበርን ናይ ጀኖቫ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮ ኣብቲ ጉባኤ ትማሊ ፖሊቲካን ካቶሊካውያንን ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝተመርሔ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ፣ ኣብ ምኽባር ሕይወትን RealAudioMP3 ንሓልዮትን ክንክንን ሥድራ ቤትን ዝብል እማኔ ናይቶም ኣብ ፖለቲካ ዝዋስኡ ካቶሊካውያን መሠረታዊ መምርሒ ክኸውን ከምዘለዎ ኣመልኪቶም። ኣብ ዋጋን ዕዳጋን ዘይኣትው ናይ ሕይወት ክቡራት ዋጋታት ክዕቅቡ ኣለዎም ቢሎም፣ ኣብ ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ማኅበራዊ ጉዳይ ትምህርቲ ዝውከስ ኣብ ፖሊቲካ ዝዋስእ ኣብ ምሥጢረ ተክሊል ዝቐውም ሓዳር ዝከላኸል ዝተሓደሰ ሓድሽ ካቶሊካዊ ወለዶ ክነቓቓሕ ከምዘተሓሳሰቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ኢጣልያ ርእሰ ብሔር ጆርጆ ናፖሊታኖ ናብቲ ጉባኤ ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልኽቲ ኣብ ፖለቲካ መዳይ ናይ ካቶሊክ ምእመናን ካብ ምኽባር ግብረ ገብ ብዝምንጭ ሓይሊ ዝተደረኸ ዝህብዎ ኣስተዋጽኦ ኣፍልጦ ከምዝሃቡሉ ክንገር እንከሎ፣ ናይ ካቶሊክ መንበረ ጥበብ ዋና ኣመሓዳሪ ሎረንዞ ኦርናጊ ናይ ኢጣሊያ ናይ ፖለቲካ ውሳኔ ምትሕስሳብን ምድግጋፍን ኣብ ዝብሉ ክቡራት ዋጋታት ዝተመሥረተ ኮይኑ ንናይ ኵሉ ዜጋ ምዕባለ ዝኣመተን ናይ ሓባር ጥቕሚ ዘረጋገጽ ክኸውን ኣለዎ ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ኣስተምህሮ ከምዘቕረቡ እንክንገር፣ ቀጺሎም ዘረባ ዘስምዑ ናይ ካምፖባሶ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጃንካርሎ ማሪያ ብረጋንቲኒ፦ ናይ ከባቢ ወይ ድማ ወረዳን ኣውራጃን ሓቆፍ ሽግር በመንጽር ሓገራዊ ሓቆፍ ክርኤን ኣዚ ድማ ናይ ሓደ ሰብ ሽግር ዝፍታሕ እቲ ውልቃዊ ሽግሩ ናይቲ ዝነብረሉ ክፍሎ ማኅበረሰብ ሽግር ኮይኑ ክራኤ ምስ ዝጅምር ጥራሕ ኢዩ ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከል ነገር ሰገር ዝኾኑ ክቡራት ዋጋታት ዘንጸባርቕ ማኅበረ-ሰብኣውነት ዝዳህሰሰ ኣስተምህሮ ከምዘቕረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.