2010-10-16 14:42:22

ውጥረት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ


መንግሥቲ እስራኤል ኣብ ኢየሩሳሌም ምሥራቓዊ ከባቢ 240 ሓደሽቲ ኣባይቲ ዜጋታቱ ክሕነጹ ዘመሓላለፎ ውሳኔ ናይ ፍልስጥኤም ብሔራዊ መንግሥቲ ብትረት ብምቅዋም እዚ ውሳኔ’ዚ ንናይ’ቲ ከባቢ ውጥረት RealAudioMP3 ዘተባብዕ ኢዩ ኣንክብል እዚ ጸረ ሰላም ውሳኔ ቢሉ ዝሰመዮ መደብ ሕንጸት ኣባይቲ ኣብ ግብሪ ከይውዕል ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ መንግሥቲ ክሽምግል ጻውዒት ከምዘቕረበ ተሓቢሩ።

ብዛዕባ ናይ እስራስኤል መንግሥቲ ሓድሽ ውሳኔ ኣመልኪቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንናይ ኢጣሊያ ሶለ ቨንቲ ኳትሮ ኦረ ተባሂሉ ናይ ዝጽዓዕ ዕለታዊ ጋዜጣ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣልበርቶ ነግሪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ እንክትንትኑ፣ እቲ ናይ እስራኤል ውሳኔ ነቲ ምእንቲ ሰላም ማእከላይ ምብራቕ ኣሚቱ ኣብ መንጎ መንግሥ እስራኤልን ፍልስጥኤም ዝካየድ ናይ ሰላም ዘተ እናንቆልቆለ ይኸይድ ከምዘሎ ዘመልክት ክኸውን ይኽእል፣ ብኻልእ መዳይ ድማ እቲ ናይ ሰላም ዘተ ብንቕሓት ክብገሥ ዝጠልብን ከምኡ እውን ናይ እስራኤል መርሔ መንግሥቲ ኔታንያሁ ነቶም ናይ እስራኤል ኣኽረርቲ ዓቃባውያን ናይ ፖለቲካ ሰልፍታት ንምኽሳብ ኣሚቶም ዘንቀልዎ ውሳኔ እውን ክኸውን ይኽእል፣ እቶን ናይ ፍልስጥኤም ኣኽረርቲ ነቲ ናይ እስራኤል ውሳኔ፣ ጸረ ሰላምን ንንናይ ሰላም ዘተ ኣይፋል ዝብል ኢዩ ካብ ዝብል ትንታኔኦም ንሰላም ዘየተባብዕ ውሳኔታት ክኽተሉ ዝድርኾም ክኸውን ይኽእል ቢሎም። ኅብረት ኤውሮጳ ንናይ ማእከላይ ምብራቕ ጉዳይ ዝምክከት እትኽተሎ ናይ ወጻኢ ፖለቲካ ኅብረት ዘለዎ ክኸውን ዘተባብዕ ኮይኑ፣ ስለዚህ ሃግራት ኤውሮጳ ብዛዕባ ማእከላይ ምብራቕ ዝኽተልኦ ብሔራዊ ሓቆፍ ፖለቲካ ሓደን ጥርንፉን ተሰማማዕን ገይረን ብሕበረት ኤውሮጳ ደረጃ ከቕርብኦ ምስ ዝጅምራ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ምርግጋጽ ንዝብገር ጻዕሪ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ምዃኑ ዘነጽር እውን ኽኸውን ዝኽእል ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.