2010-10-15 14:52:55

ማሕበረ ሰብ ክርስትያን ቅድስቲ ሀገር ቦትኦም ከይገድፉ ሲኖዶስ ተማሕጺኑ፡


እቲ ዝሐለፈ ሰንበት አብ ቫቲካን ዝተጀመረ ናይ ማእከላይ ምብራቅ ጳጳሳት ሲኖዶስ ይቅጽል አሎ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብዚ ሲኖዶስ”ዚ ይሳተፉ ከም ዘለዉ ይፍለጥ።

እዚ ናይ ማእከላይ ምብራቅ ጳጳሳት ሲኖዶስ ሕብረትን ምስክርነትን ብዝተሰየመ መሪሕ ቃል ይካየድ ከም ዘሎ ዝዝከር ኢዩ።

በዚ ካብቲ ሲኖዶስ ጳጳሳት ዝካየደሉ ዘሎ አዳራሽ ጳውሎስ ሻዱሳይ ዝመጸ ዜና መሠረት ትማሊ ንግሆ ሲኖዶሳውያን አበው በበጉጅለ ተኻፋፊሎም ብዛዕባ ዝተፈላለዩ አርእስትታ ዘትዮም።

ድሕሪ ቀትሪ አብ እስራኤል አብ መንጎ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ዚካየድ ዘተ እብራዊ ኮሚቴ ሊቀ መንበር ራቢን ደቪድ ሮዝን ነቲ ሲኖዶስ ዲስኩር ከም ዝገበሩ ይምልከት ።

በቲ ዜና መሠረት ናይቲ ሲኖዶስ ብፁዓን አበው አብ ቅድስቲ ሀገር ኢየሩሳሌም ዝነብር ማሕበረ ሰብ ክርስትና ሐፈሻዊ ኩነታት ብሰፊሑ ገምጊሞም ዝተፍላለዩ ጸብጻባት ክአ ሰሚዖም።

አብ ቅድስቲ ሀገር ኢየሩሳሌም ዝነብር ማሕበረ ሰብ ክርስትያን ካብቲ አብኡ ዝነብር ህዝቢ ክልተ ሚእታዊ ጥራሕ ከም ዝኾነን ብጠንቂ”ቲ አብቲ አከባቢ ዘሎ ንነዊሕ ግዜ ዝተኻየደን ዘሎን ህውከትን ግጭትን ዘይምርግጋእን ኩነታቱ ዘስክፍ ምኻኑ ሲኖዶስ ጳጳሳት ሃገራት ማእከላይ ምብራቅ ከም ዝተገንዘቡ እቲ ዜና ሐበሬታ ሂቡ ።

አብ ቅድስቲ መሬት ኢየሩሳሌምን አከባብን ዝነብሩ ህዝበ ክርስትያን ብጠንቅ”ቲ አብዚ ክሊ”ዚ ዘሎ አልቦነት ሰላም ነዚ ጥንታዊን ቅዱስን መሬት ገዲፎም ከይስደዱ ብፁዓን አበው ከም ዝተላበዉ ክአ ተፈሊጡ አሎ።

ንዑስ ማሕበረ ሰብ ክርስትያን ማእከላይ ምብራቅ ናይቲ ክሊ ሞራላዊ ሐላፍነት ከም ዘለዎን አብዚ”ዚ ፍርጥን ርትዕን ክነግስ ብጸሎት ዝተሰነየ ዛሕለል ጻዕሪ ክገብር ክአ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ማእከላይ ምብራቅ ከም ዘተሐሳሰቡ ተነጊሩ።

አባላት ህዝበ ክርስትያን ንኢየሩስሌምን አከባብን ገዲፎም እንተተሰዲዶም እቲ ቅዱስ ቦታ ቤተ መዘክር ኮይኑ ከም ዝተረፍ ክአ አመልኪቶም።

ክብሪ ሰብን ዘይግሀስ መሠረታዊ ነጻነቱን ክዕቀብ ክአ ብቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን መሪሕነት ኩለን አብያተ ክርስትያናት ንሰላም ክፅዕታ ከም ዘተሐሳሰቡ ተፈሊጡ አሎ።

ካብት ጥንቲ ክሳዕ ሎሚ ግዜ አብ ማኸላይ ምብራቅ ምእንቲ ሰላምን ብሰማዕትነት ዝሐለፉ ብፁዓን ቀጻሊ ህልውና ቤተክርስትያን ማእከላይ ምብራቅ ከም ዘረጋገጹ ክአ ሲኖዶስ ጳጳሳት ማእከላይ ምብራቅ አገንዚቡ ።

ወቅታዊ ኩነታት ዒራቅ ምስቲ ቱርኪ ብቀዳማይ ውግእ ዓለም ዝነበረትሉ ኩነታት ዝነጻጸር አስጋእን አተሐሳሳብን ከም ዝኾነ እቲ ሲኖዶስ አዘኻኺሩ።

አብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ማእከላይ ምብራቅ ዘተን ምይይጥን ክካየድ ሃይማኖታት ኩለን ናይ ሰላም ዕራቅን ፍትሕን መሳርሒ ኽኾና ክአ ሲኖዶስ ጳጳሳት ማእከላይ ምብራቅ ከም ዝሐተተ ተፈሊጡ አሎ።

ዓረባዊ እስላማውን ዓለም ፡ ምስ ምዕራባዊ ዓለም ብሐባር ሽግር ማእከላይ ምብራቅ መሠረታዊ ፍታሕ ክረክብ ክአ ብፁዓን አበው ሲኖዶስ ጸዊዖም ።

አብ ምስሪ ናይ ጠበ ሉክሱር ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ዮሐንስ ዛካርያ ነቲ ሲኖዶስ አብ ዘስምዕዎ ቃል ፡ እዚ አብ ቫቲካን አብ ጳውሎስ ሻዱሳይ ተጋቢኡ ዘሎ ሲኖዶስ ጳጳሳት ፡ መንነት ክርስትያን ማእከላይ ምብራቅ አደልዲሉ ንሳቶም ክአ ብወገኖም አብ ቅዱስ ወንጌል ዝተሠረት ሕይወት ንህዝቦም ከረድኡ ዘተባብዕ ከም ዝኾነ አም አልኪቶም።

አብ ምስሪ ናይ ሉክሱር ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ዮሐንስ ዛካሪያ አተሐሒዞም ብውርሻን ብስምን ክርስትያን ኢየ ምባል ትርጉም አልቦ ከም ዝኾነ ጠቂሶም ሐቀኛ ክርስትያን አብ ክብርን ሞራን ቤተ ክርስትያን ተመርኪሱ ዝነብር ብግሪ ክርስትይናዊ ስራሕ ዝሰርሕ ንሐቂ ንፍትሕን ርትዕን ብሰማዕትነት ክሐልፍ ስንዱው ምስ ዝከውን ከም ዝኾነ ጠቂሶም ክአ ሲኖዶስ ጳጳሳት ንተሐድሶ እምነት ብሐዲሽ መንፈስ ክቅስቅስ ተላብዮም።

ቃለ እግዚአብሔር ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ካብ ማእከላይ ምብራቅ ከም ዝፍልፍል ፡

ዘዘካኸሩ አብ ምስሪ ናይ ሉክሱር ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ዮሐንስ ዘካሪያ ምብራቃውያን ቀዳሞት ሚስዮናውያን ማለት ልዑካነ ቅዱስ ወንጌል ከም ዝኾኒ ክአ አገንዚቦም።

ንዓለም ዘድሐነ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝአምን ሃየ መስቀሉ ተሸኪሙ ይከተለኒ ከም ዝበሉ ኹሉ መስቀል እምነት ማለት ከም ዝኾነ ክዝንጋዕ ከም ዘይብሉ አረዲኦም።

ህዝቢ ማእከለይ ምብራቅ ሰላም ተሐሪምዎ ዘሕልፎ ዘሎ ስቃይን መከራን መስቀሉ ተሸኪሙ ይነብር ከም ዘሎ አመልኪቶም ክአ ቤተ ክርስትያን ማእከላይ ምብራቅ ንህዝባ ክትመርሕ ክተጸናንዕን ንሰላም ክትሃንጽን መሰላን ግዲታአን ከም ዝኾነ ነቲ ሲኖዶስ ገሊጾምሉ ።

አብ ክልተ ሺሕ ታሪክ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን አብተን ቀዳሞት ሰለስተ ዘመናት አብ ሽግርን መከራን ከም ዝነበረት ናይ ሉክሱር ጳጳስ ብፁዕ ኣአቡነ ዘካሪያ አዘኸኺሮም ። እቲ ሲኖዶስ ሎሚ “ን ቀጺሉ ውዒሉ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.