2010-10-14 12:04:29

፩ ዘጽጌ ጥቅምቲ 2 2003 ዓ. ም (10/12/ 2010)


ንባባት፡ ኤፌ 5፡21~ፍ ፤ ራእ፡21፡31~ፍ ግ.ሓ. 21፡31~ፍ ዮሓ 2፡11

ስብከት፡ ፍሬ ፃማከ ተሰሰይ ብፁዕ እንተ ወሠናይ ለከ፥ ብእሲትከ ከመ ወይን ሥሙር ውስተ ጽርሓ ቤተከ።

መዝሙር፡ ትወድሶ መርዓት. . . . . .

ዘመነ ጽጌ 6 ሰናብቲ ዝሓዘ እዩ። አብ መኃልየ መኃልይ መሰረት ገሩ ፍቕሪ አምላኽ ንደቅስብን ናይ ማርያም ተራ አብ ድሕነትና ይገልጽ። እዚ ኹሉ ብተፈጥሮ ተገሊጹ ንረኽቦ። በብእዋኑ አምላኽ ፍቕሩ ይገልጽልና። ሓደ ካብቲ ዝዓበየ መግለጺ ፍቕሩ ካብ ማርያም ተወሊዱ አድኂኑና። ዘመነ ጽጌ ነዚ ብዕምቆት ከነስተንትን ይሕግዘና።

ናይ ሎሚ ሰንበት መስሙር፡” መርዓት ንመርዓዊ እናወደሰት ኦ ሓወይ ንዓናይ ንደገ ንውጻእ ወይኒ ጽጌ ገሩ እንተኾነ ሮማን እውን ፈርዩ እንተኾነ ንርአ፥ ንሰማይ ብኸዋኽብቲ ንምድሪ ኸአ ብዕምባባታት ሸሊምዋ፥ ንሱ ሓደ ወዱ ንጎይታ ሰንበት እዩ። መርዓት ትውድሶ ኦሓወይ ቃልካ ጥዑም እዩ ትብሎ” ይብል። አብ ዓድና ሎሚ እዋን ፍረ ዘርኢ አብ ፍሪኡ በጺሑ ኩሉ ሓረስታይ ዝሕጎሰሉ እዋን እዩ። ናይ ብሓቂ ኩሉ ተስፍኡ ዘረጋግጸሉ ግራተይ ክንደይ ትአቱ ትኸውን እናበለ ዝግምተሉ እዋን እዩ። ነዚ ምስ መንፈሳዊ ሕይወትና ክነተሓሕዞ ከሎና አብቲ አምልኽ አባና ዝጸበዮ ክንጸንሕ አሎና በቲ ንሱ ዝሃበና አፍረይቲ ክንከውን እምነትናንን ክርስትናና ኩነታቱ ክንግምት ሎሚ እዋኑ እዩ።

ማርያም ሕይወታ ገምጊማ ዝኽአለት እሞ ንአምላኽ ክተገልግሎ ክትሰምዖ ዝወሰነት እያ። ኩሉ ጊዜ አምላኽ አብ ልባ ሕይወታ ቦታ ነርዎ። መልአኽ ከበስራ ክመጽእ እንከሎ ትውፊት ትጽሊ ነራ ይብለና ንአምላኻ ትዛረቦ ነራ ስለዚ ማርያም ምስ አምላኽ ተዛሪባ እትኽእል እያ ነራ። ብዙሓት ምስ አምላኽ ምዝራብ የጸግመና ወይ ናትና ጥራሕ ንዛረቦ ጸገምና ድለትና ጥራሕ ንነግሮ ንሱ ካባና እንታይ ከምዝደሊ አይንሰምዖን። አምላኽ ግን ኩሉ ጊዜ ገለ ክብለና ይደሊ እዩ። ሰሚዕናዮ ንፈልጥዶ እምበር ንሱስ ይዛረብ እዩ። አብ ገለ እዋን ብፍላይ ሓደ ሰብ ገለ ክፉእ እንተ ረኸበ እሞ ሕይወቱ ሕማቕ እንተ ነበረ አምላኽ ቀጺዕዎ ንብል ገለ ጽቡቕ ንዝረኸበ እውን አምላኽ ሂብዎ ንብል አብ ካልኦት አምላኽ ከምዝተዛረበ ጥራሕ ንርኢ ሎሚ ግን ነንፍስወከፍና ከምቲ ንማርያም ዝተዛረባ ክዛረበና ይደሊ አሎ። ዘረባ አምላኽ ክንሰምዕ ናታትና ተበግሶን ድለትን የድልየና።

ማርያም ሕይወታ ንአገልግሎት አምላኽ ክፉት ገራቶ። ቅዱስ ሉቃስ ኩነታት ማርያም ክገልጽ እንከሎ ትሕቲ ከም ዝነበረት ድምጻ ዘይስማዕ አብ ቅድሚ አምላኽ ሞጎስ ዝረኸበት ገሩ ይገልጻ። አምላኽ ንኹልና በበቲ ዘሎና ውህበት ክነገልግሎ ከምኡ ንደቂ ሰብ ክነገልግሊ ድላዩ እዩ። ምግልጋል ክብሃል እንከሎ አብ ባርነት ምንባር ማለት አይኮነነ አብ ናይ አምላኽ ሥራሕ ምውፋር ማለት እዩ ከምቲ ክርስቶስ ንአና ከገልግል ካብ ሰማይ ዝወረደ ንሕና እውን ክንገልግል ዕዱማት ኢና። ንአገልግሎት አምላኽ ዝወፍር ሕይወት ኩሉ ጊዜ ሓጎስ ዝለበሰ እዩ። ክንጽሊ ከሎና አብ ንስኻ እትደልዮ አገልግሎት ክወፍር ፍቓደኛ እየ ሓንትስ ልአኸኒ ክንብል ከሎና ሽዑ ናይ አምላኽ እሙናት አገልገልቲ ኮና አሎና ማለት እዩ።

አምላኽ ንማርያም ሓርይዋ አደ ሓደ ወዱ ክትከውን እዚ ምልእተ ጸጋ ገርዋ። ጸጋ ህያብ አምላኽ እንተድአ ኮይኑ ማርያም ምልእተ ጸጋ ስለ ዝኾነት ምልእቲ ህያባት አምላኽ እያ። አብዚ አምላኽ ባዕሉ ዝሃባ ድአምበር ንሳ ነዚ ውህበት ብዝገበረቶ ዓስቢ አይረኸበቶን፥ ማለት እዚ ስለ ዝገበርኪ አደ አምላኽ ገረኪ አይበላን። ማንም ሰብ ጸጋ አምላኽ ብግብሩ ዝቕበል የለን ብፍጥረቱ ከም ግቡእ ንውህበት አምላኽ ዝተመደበሉ የለን። ጸጋን ልግስነትን አብ ዓዳሊ ጸጋ ዝኾነ አምላኽ እዩ፥ ብናተይ ግብሪ ወይ ጻዕሪ ዝውሃበኒ የለን ኩሉ ናይ እቲ ወሃቢ ሓልዮት እዩ።

አብ ወንጌል ማርያም ብዝገበረቶ አይጅምርን አምላኽ ብማርያም ገሩ ብዝገበሮ ክዛረብ ይጅምር። ማርያም አደ ወዲ አምላኽ ክትከውን ብአምላኽ ክትሕረ እንከላ ናይ እቲ እትገብሮ ዝነበረት ጸሎት ወይ ተግባር መልሲ አይነበረን፥ እንታይ ደአ ናይ ማርያም ሕርየት ናብቲ ናይ አምላኽ ነጻ ምርጫ ካብ ኩለን አንስቲ ዝተመስረት እዩ። አምላኽ ንማርያም ክሓርያ እንከሎ ካብ ኩሉ ድኽመት ነጻ ገርዋ ከምቲ ፍቕሩ ምልእተ ጸጋ ዝገበራ። እዚ ኸአ አብቲ ውድሴ ማርያም ክንርእዮ ንኽእል። በቲ ምስጢራዊ ሕርየት አምላኽን፥ ምልእተ ጸጋ ብዝገብራን ኩሎም ወለዶ ብጽእቲ ክብሉኒ እዮም ዝበለቶ ክንርእዮ ንኽእል።

አምላኽ እዚ ዝዓደላ ጸጋን ተልእኮን ንርእሳ ጥራሕ ዘይኮነ ንኹልና እዩ። ተልእኮአ ንኢየሱስ ወዳ ንኹሎም ወለዶታት ምሃብ እዩ። አምላኽ ድለቱ ንሳ ኩሉ ጊዜ ወሃቢት ክርስቶስ ክትከውን እዩ። ሎሚ እውን ንወዳ ክትህበና ፍቓደኛ እያ። ከምቲ አብ መርዓ ቃና ዘገሊላ መንጎኛ ኮይና ጸገማት ሰብ መርዓ ዝፈትሐት ሎሚ እውን ጸገምና ክትፈትሕ ድለት አልአ። ሎሚ እምብአር ጸገምና ርኢና ክንክእል እሞ መንጎኛ ኩንንና ክንብላ ናይ ኩልና ጸዋዕታ እዩ።

ናይ ማርያም መልስን ናታትናን ክነነጻጽሮ እንከሎና ብዙሕ ክንዕዘብ ንኽእል። ገለ ሰባት ማርያም ኩሉ ጸጋ ስለ ዝተዋህበት ካባና ፍልይቲ እያ ይብሉ። ርግጽ ንሳ ፍሉይ ተራ ተጻዊታ እያ ከምቲ ቤተክርስትያን እተስተምህሮ “ማርያም አብ ቤተክርስትያን ድሕሪ ክርስቶስ ዝለዓለ ቦት ሒዛ ትርከብ ንአናኸአ ዝቕረበ ቦታ ሒዛ ትርከብ (ብርሃን እሕዛብ 54)። ብአምላኽ ሕርየታ ካብ ዓለት ደቂ ሰብ አየውጽአን እዩ። ሕርየት አምላኽ ካብቲ ንአምላኽ ምርጭአ ነጻ አይገብራን እዩ። ማርያም ነጻነታ ኩሉ ሕይወታ አብ ገልግሎት አምላኽ ከትውዕል ክተተግበር ተሓቲታ እያ።

ናታትናን ናይ ማርያምን ፍልልይ ማርያም ብአምላኽ ብምምራጻ ንሕና ኸአ ዘይተመረጽና ስለዝኾና አይ ኮነን፥ ንሳ ብምሉእ ነቲ ዝተሓርየቶ መልሲ ሂባትሉ ንሕና ግን ነቲ አምላኽ ዝሓተና እናተጠራጠርና ንነብር፥ ፍርቂ ልብና መልሲ ንህበሉ። አምላኽ ንኹልና መሪጹና እዩ፥ እዚ ሓቂ እዚ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፈሶን 1 አብ ዝጸሕፎ ገሊጽዎ አሎ “አምላኽ ብክርስቶስ ስለ ዘፍቀረና ኃርዩና እዩ፥ አብ ቅድሚኡ ቅዱሳንን መንቅብ ዘይብሎምን ምእንቲ ክንከውን ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ኃረየና” ይብል።

ነፍስወከፍና ከም ማርያም አምላኽ ብዝመደቦ ዝተሓረና ኢና፥ ከም ማርያም ነቲ ዝተሓረናሉ ሔራይ ንበል። አብ ርእስና ተመሊስና እንተረኤና እሞ ሕሩያት ብአምላኽ ከም ዝኾና እንተ ንፈልጥ ኩሉ መተቐየረልና ነሩ። ነፍስወከፍ ወድሰብ ብአምላኽ ዝተሓርየ እዩ። ሎሚ አብዚ ቅዱስ ቦታ እንርከብ ኩልና ሕሩያት ኢና ናይ ነፍሲ ወከፍና መልሲ የደሊ፥ ነፍሲ ወከፍና ኸአ እንጻወቶ ተራ አሎና። ስለዚ ነጻነትና ተጠቒምና አብ አገልግሎት አምላኽ ንውፈር።

ነዘን ሰናብቲ ዘመን ጽጌ እምብአር ከምቲ አምላኽ ብማርያም ገሩ ዝቐረበና ብአአ ገርና ከመይ ኢልና ከምንቐርቦ ንሕሰብ፥ ብወገን አምላኽ እቲ ማዕጾ ምሕረት ኩሉ ጊዜ ክፉት እዩ ነፍሲ ወከፍና አብ ሕልናና አቲና ሕሹኽታ አምላኽ መልሲ ንሃበሉ። ማርያም አደይ ንድለት አምላኽ ሔራይ ክብል ለምንለይ ልዕሊ ኹሉ ካብ ሓጢአተይ ክወጽእ ፍቓደኛ ክኸውን ሓግዝኒ ከምቲ ንሰብ ቃና ዘገሊላ መንጎኛ ዝኾንክዮም ሎሚ አባይ ቀሪብኪ ሞንጎኛ ኩንኒ ንበላ።



ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.