2010-10-14 14:40:54

ብፅዕቲ ኣንጀላ ዘፎሊኞ


እዛ ብፅዕቲ እዚኣ ኣብ ማእከላይ ክፍለ ዘመን ትነብር ዝነበረት ባሕታዊት ኣባል ሣልሳይ ማኅበር ቅዱስ ፍራንቸስኮ እያ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይ ትማሊ ሶሙናዊ ናይ ዕልተ ሮቡዕ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ እዛ ብፅዕቲ እዚኣ ብሰፊሑ ድሕሪ ምግላጽ ኣብ ቺለ ነቶም ን69 መዓልታት ኣብ ከባቢ 700 ሜትሮ ትሕቲ ምድሪ ተዓቢጦም ዝነበሩ በብሓደ ከውጽእዎም ጀሚሮሞ ዘለው ዕውት ክኸውን ማዕረ ማዕሪኦም ይጽልዩ ከምዘለው ኣመልኪቶም። እዝጊ ክገብር ከኣ ኩሎም ብሰላም ወጺኦም።

ቅዱስነቶም ሕይወት ናይዛ ብፅ ዕቲ ብሰፊሑ ድሕሪ ምግላጽ ብሕልፊ ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ብዛዕባ ሃይማኖት ብዙሕ ተገዳስነት ዘይነበራ እኳ ደኣ ኣብቲ ግዜቲ ንዝነበሩ መናንያን ኣትሒታ ትርኢ ከምዝነበረት ድሕሪ ምግላጽ እግዚአብሔር ምእንቲ ክንፈልጦን ከነፍቅሮን ብብዙሕ መንገዲ ከምዝግለጸልና ኣብሪሆም። ነዙይ ዝበሉ እዛ ብፅዕቲ እዚኣ ተነሲሓ ናብ እግዚአብሔር ተመሊሳ ክሳብ ደረጃ ብፅ ዕና ክትበጽሕ ዝሓገዛ ቅዱስነቶም ከምዝገለጽዎ መገዲ መስቀል ኢዩ ዝነበረ፤ ብፍኖተ መስቀል ናብ ፍኖተ ፍቅሪ በጺሓ፤ ብኣስተንትኖ እቲ ዝለዓለ ተመስጦ ብምግባር ምስ ክርስቶስ ብኅሉፍ ፍቅሪ ተኣሳሲራ፤ ነቲ ብተመስጦ ዝግለጸላ ዝነበረ ሽሕኳ ክትርደኦን ክትገልጾን ዝጽግማ እንተነበረ ሰዓብታ

ኣብ ጽሑፍ ኣስፊሮም ‘መጽሓፍ ብዕቲ ኣንጀላ ዘፎሊኞ’ ቢሎም ደሪሶሞ። ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ታሪኽ ሕይወታ ብዝርዝር ከማኡ እውን እቲ ተካይዶ ዝነበረት ኣስተንትኖ ተምስጦ ተመዝጊቡ ንረኽቦ።

ቅዱስነቶም ካብዚ ታሪኽ እንመሃሮ እንክገልጹ፤ ‘ሎሚ ኩልና ኣብ ሓደጋ ንርከብ፤ እግዚኣብሔር ከምዘየሎ ከምዘይር እየናን ከምዘይዘም ዓናን ጌርና ንመላለስ ኣሎና፤ ካብ ዕለታዊ ሕይወትና ከምዝረሓቀ ገርና ንነብር ኣሎና፤ ኮይኑ ግን እግዚአብሔር ከምዘሎን ከምዝፈልጠናን ከምዘፍቅረናን ብኣሽሓት ኣገባባት ንነፍሲወፍና ይግለጽ፤ ብፅዕት ኣንጀላ ነዙይ እግዚአብሔር ዝህበና ምልክታት ተጠንቂቅና ክንምልከቶም ክነንብቦም ክንርዶኦም እሞ ክንጥቀመሎም ተመልክተልና’ እንክብሉ፤ ወላ እውን እንተሃደምና እግዚአብሔር ግን ወትሩ ከምዝስዕበናን ናባኡ ክመልሰና ብዓይኒ ፍቅሪ ከምዝሕልወና ገሊጾም።

ብኻልእ ኣዘራርባ እዛ ብፅዕቲ እዚኣ ካባይ ተመሃሩ እግዚአብሔር ቀረባ ኢዩ፤ ብብዙሕ መንገዲ እውን ይግለጽ፤ ሕማምን ሕሰምን ዝኾነ ዓይነት መስቀልን ሥቃይን ኣብ ውሽጦም መንገዲ ንስሓን ለውጥን ተሓድሶን ሒዞም ስለዝጐዓዙ ብቅልጡፍ ናብ መንገዲ ፍቅሪ ክርስቶስ ከምዝሰጋገሩን ከምዘሳግሩን ተረድኡ፤ ዚብል መልእኽቲ ኣመሓሊፎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.