2010-10-14 14:04:44

መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ካርቱም ብፁዕ ካርዲናል ዙብሬል ዋኮ


ሓደ ዓረባዊ ሚስሰሪያ ናይ ደቡባዊ ሱዳን ግዝኣት ኮርዶፋን ምዃኑ ዝገለጸ ሱዳናዊ ኣብ ልዕሊ ናይ ካርቱም ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ጋብሪኤ ዙብሬል ዋኮ ኣብ ቅድሚ 10 ሺሕ ምእመናን ኣብታ ብ 1881 ብቕዱስ RealAudioMP3 ዳኒኤል ኮምቦኒ ግብረ ሰናይ ዝተሓንጸት ካቴድራል ዕለት 10 ጥቅምቲ ብላቲን ሥራዓት ነዚ ቅዱስ ክብሪ ዝዓርገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብቲ ንኽብሪ’ዚ ቅዱስ ዝቐረበ ባህላዊ ምርኢት እናተሳተፉ እንከለዉ፣ ምስቲ ኣብቲ ብዓል ዝሳተፍ ዝነበረ ሕዝቢ ተቐላቒሉ ድሕሪ ምጽናሕ መጥቃዕቲ ከምዘውረደሎም ተሓቢሩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ነቲ ኣብ 2011 ዓ.ም. ወርሒ ጥሪ ኣብ ሱዳን ብዛዕባ መጻኢ ዕድል ማለት ብዛዕባ ነጻነት ከባቢ ደቡብ ሱዳን ዝካየድ ውሳኔ ሕዝቢ ንምዝታይ ናይታ ሃገር ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ሩምበክ ካብ ዕለት 8 ሕዳር ክሳብ ዕለት 15 ሕዳር 2010 ዓ.ም. ፍሉዩ ሓፈሻዊ ኣኼባ ከካይድ ምዃኑ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ናይ ሱዳን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ኣባ ሳንቲኖ ሞሮኮሞሞ መግለጺ ጠቒሱ እንከፍልጥ፣ ኣባ ሞሮኮሞሞ ነቲ ናይ ሕዳር ኣኼባ ቅድመ ምስንዳው መሠረት ናይ ሱዳን ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ዘካይደዎ ዘለዉ ርክብ ድሕሪ ምስታፎም ኣብ ዝሃብዎ መግልጺ፣ እቲ መደብ ሕዝባዊ ውሳኔ ብሰላም ክካየድን ዘቕርቦ ውሳኔ ውሑስ ክኸውን ዘተሓሳስብን፣ እቲ ኣብ ሕዳር ዝካየድ ኣኼባ ብዛዕባ ከይዲ ሕዝበ ውሳኔ ብዕምቆት ዝዝትይ ከምዝኾነ፣ ካብ ሕዝቢ ዝመሓላለፍ ውሳኔ ናብ ሰላም ዘብጽሕ እምበር ናብ ወጥሪ ዝድርኽ ክኸውን ከምዘይግብኦን ብዅሉ መዳይ እዚ ኣመለኻኽታ ክሰፍሕ ዝጠልብን ኣብዚ ጉዳይ ኵሎም ዜጋታትን ብፍላይ ድማ ናይ ፖለቲካን ኣብ ማሕበራዊ መዳይ ኃላፍነት ዘለዎም ኣካላት ዓቢ ተራ ከምዘለዎም ንምንቕቓሕ ዝኣመተ ምዃኑ ጠቒሶም፣ ኣብቲ ጉባኤ ናይ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርን ናይ ምብራቕ ኣፍሪቓ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ልኡኻት ክሳተፉ ምዃኖም ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.