2010-10-13 16:29:28

ሲኖዶስ ጳጳሳት ማእከላይ ምብራቅ ፡


ቅድሚ ትማሊ ሰንበት ዓሰርተ ጥቅምቲ አብዚ አብ ቫቲካን ናይ ማእከላይ ምብራቅ ናይ ጳጳሳት ሲኖዶስ ንምጅማር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ አብ ካተድራል ቅዱስ ጰጥሮስ ብፁዓን ካርዲናላት ጳጳሳት ካህናት ደናግል ከምኡ ክአ በሽሐት ዝቁጸሩ ምእመናን አብ ዝተረኽብሉ መሥዋዕተ ቅዳሴ አዕሪጎም።

በነዲክቶስ አስራ ስድስተኛ አብ ካተድራል ቅዱስ ጰጥሮስ መሥዋዕተ ቅዳሴ አብ ዘዕረግሉ ግዜ አብ ዘስምዕዎ ስብከት አብ ማእከላይ ምብራቅ ፍትሕን ሰላምን አድላዪ ከም ዝኾነ ጠቂሶም ፡ ኩሉ ሰብ አብ ዝነብረላ ሀገሩ መሠረታዊ መሰሉ ተኸቢርሉ ክነብር ከም ዝግባእ አመልኪቶም ክአ ንሰላም ፍትሒ ቅድመ ግዴታ ከም ዝኾነ አገንዞኢቦም ።

አብቲ ንነዊሕ ግዜ ሰላም ተሐሪምዎ ዝርከብ ክሊ ማእከላይ ምብራቅ ዝርከቡ ብሔር ሰባት አስላምን አይሁድን ክመያየጡ ሰላም ንኽርከብ ሐቢሮም ክሰርሑ ክአ ተማሕጺኖም።

አብቲ ቅድሚ ትማሊ ሰንበት አብ ካተድራል ቅዱስ ጰጥሮስ ዝተኻየደ መስዋዕተ ቅዳሴ ናይቲ ዕለት ቃለ ወንጌል ባቋንቋታት ላቲንን ግሪክን ተነቢቦም።

እዚ ቅድሚ ትም,ኣሊ ዝተጀመረ ናይ ሀገራት ማእከላይ ምብራቅ ናይ ጳጳሳት ሲኖዶስ ክሳዕ ዕስራን አርባዕተን ጥቅምቲ ከም ዘጸንሕ ናይ ቫቲካን መራኸቢ ብዙኀን አፍሊጦም።

እዚ አብ ውሽጢ ቫቲካን አብ አዳራሽ ጳውሎስ ሳዱሻይ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ጳጳሳት ማእከላይ ምብራቅ ሕብረትን ምስክርነትን አብ ዝብል አርእስቲ አተኺሩ ክዝቲ ምኻኑ ይምልከት።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ህዝቢ ማእከላይ ምብራቅ ክፋል ሕዝበ እግዚአብሔር ከም ዝኾነ አመልኪቶም፡ እዚ ክልል’ዚ ንነዊሕ ግዝያት አብ ስቃይን መከራን ከም ዝርከብ ጠቂሶም ስእነት ሰላም ማእከላይ ምብራቅ ክግታእ አተሐሳሲቦም።

ሲኖዶስ ጳጳሳት ማእከላይ ምብራቅ ብሐፈሳ ህዝቢ ማእከላይ ምብራቅ ብፍላይ ኩነታት ምእመናን ማእከላይ ምብራቅ ናይ ሕጂን ዝመጽእ ግዜን ዕድሉ ትኩረት ሂቡ ከም ዝዝቲ ተፈሊጡ አሎ ።

በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ አብቲ ሰንበት ዝግበርዎ ስብከት ከም ዘመልክትዎ ህልውና ክርስትያን አብ ማእከላይ ምብራቅ ቀጻሊ ክከውን ንዝረድኤ ከሃሌ ኩኡ እግዚአብሔር ምስጋና ይኹኖ ኢሎም።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አተሐሒዞም ከም ዘመልክትዎ፡

ማእከላይ ምብራቅ ዓዲ አብርሃም ኢሳቅ ዓዲ ያዕቆብ ከም ዝኾነ ዘኪሮም ፡

ከምኡ ክአ ክሊ ንስደት ምኻድን ካብ ስደት ዝምለሰሉን ክሊ ከም ዝኾነ አገንዚቦም።

ማእከላይ ምብራቅ የቤተ መቅደሶች የነብያት ዞን ወይ ካአ ክሊ መሆኑ ዘኪሮም ካብ ክሉ ክአ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝተወልደ መድኅን ዓለም ክርስቶስ ዝተወልደሉ ዝዓበየሉ ዝተሰቅለሉ ዝመተሉ ንሞት ስዒሩ ዝተንስአሉ መካን ዝርከቦ መካን ከም ዝኾነ አገንዚቦም።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ብዛዕባቲ ሲኖዶስ ጳጳሳት ማእከላይ ምብራቅ ዝዝትየሎም ሕብረትን ምስክርነትን አልዒሎም ፡ ሕብረት እንተዘይሎ ምስክርነት ከም ዘይሎ ናይ ሐባር ሕይወት ምስክርነት ከም ዝኾነ አረዲኦም።

ሕብረት ማለት ብኢየሱስ ክርስቶስ አቢሉ ብሐይሊ መንፈስ ቅዱስ አብ ልዕሊ ሰብ ዝሰፍን ሕይወት ከም ዝኾነ አረዲኦም ።

እዚ ናይ ማእከላይ ምብራቅ ሲኖዶስ ትሕዝቶ አብ ሓዋርያዊ ጉስነት ዝተመርኮሰ ከም ዝኾነ ጠቂሶም ክአ ጳጳሳት ማእከላይ ምብራቅ ናይቲ ዞባ ማሕበራዊ ኢኮኖምያውን ፓሊቲካውን ኩነታት ከም ዝግምግሙ ክአ ብተወሳኺ አረዲኦም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ድሕሪ ቅዳሴ አብ ቀዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ምስ ዝተእከቡ ምእመናን ሐቢሮም መልአከ እግዚአብሔር ጸሎት ደጊሞም ፡ ሲኖዶስ ጳጳሳት ማእከላይ ምብራቅ ዕዉት ምእንቲ ክኽውን ምእመናን ብጸሎት ክተሐባበሩ ተማሕጺኖም፡ጸሎት ክንገብር ከለና ቃለ እግዚአብሔር ነስተንትነሉ ግዜ ከም ዝኾነ አመልኪቶም።

ትማሊ ረፍዲ እቲ ሲኖዶስ ምስተጀመረ ናይ ምብራቅ አብያተ ክርስትያናት ማሕበር ሊቀመንበር ብፁዕ ካርዲናል ለኦናርዶ ሳንድሪን አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ጳጳሳት ሲኖዶስ ዋና ጽሐፊ ብፁዕ አቡነ ኒኮላ ኤተሮቪችን ንጳጳሳት ማእከላይ ምብራቅ ናይ እንቋዕ ድሐን መጻእኩም ዲስኩር አስሚዖም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፡ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ አዳራሽ ጳውሎስ ሻዱሻይ ተረኺቦም ነቲ ሲኖዶስ አብ ዝገበርዎ ዲስኩር ፡

ቤተ ክርስትያን ወላኳ ዝተፈላለየ ዕንቅፋት እኳ እንተጋጠማ ካብ እምነታን ሓዋርያዊ አገልግሎታን ነቅ ከም ዘይትብል አብሪሆም።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ፡ ተግባረ ሽበራ ርእሰ ማልነት ዕጸ ፋርስ ንወዲ ሰብ ባርይኦም ከም ዝገብርዎ ጠቂሶም እዞም አሉታውያን ነገራት እዚአቶም ንቤተክርስትያን ዕንቅፋት ከም ዝኾኑ ጠቂሶም፡ ከምቲ ነፍሰሔር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሐንስ መበል ዕስራን ሰለስተን ቅድሚ አርብዓን ሸሞንተን ዓመታት ጉባኤ ቫቲካን ክጅመር ከሎ ፡ ዝገበርዎ ንሲኖዶስ ጳጳሳት ማእከላይ ምብራቅ አብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም አዕቂቦሞ።

አብዚ ንነብረሉ ዘለና እዋን ወዲ ሰብ ናይ ንዋት ተገዛኢ ኮይኑ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ብስም እግዚአብሔር እናተባህለ ዝካየድ ዓመጽ ክግታእ ዝኮነ ይኹን እኩይ ተግባር ምስ እግዚአብሄር ርክብ ከም ዘይብሉ ክአ አገንዚቦም።

ወዲ ሰብ ንቃል ኪዳን ንድንግልና ዋጋ ክኸልእ ከም ዝርኤ አመልኪቶም ክአ ወዲ ሰብ ለባዊ ፍጡር ስለ ዝኸነ ናብ ነብሱ ክምለስ አተሐሳሲቦም።ዝኾነ ይኹን እኩይ ተግባር ንእግዚአብሔር ንቅዱሳን ንአመንቲ ከም ዘሕዝን ክአ ገሊጾም።

ከምቲ አብ ግዜ ምስረታ ቤተ ክርስትያን ዝተፈጸመ ሎሚ”ን እንተኾነ ዓለም ንምቅያር ደም ሰማዕታት ከም ዝሐትት አገንዚቦም።

አተሐሒዞም ክአ ነቲ አብ ርእይ ዮሐንስ ምዕራፍ ዓሰርተ እታ ሰበይትን ገበልን ጠቂሶም ፡እቲ ገበል ናብ ምድሪ ከም ዝተደርበየ ምስርአየ ነታ ወዲ ዝወለደት ሰበይቲ አሳጐጓ።

እታ ሰበትቲ ክአ ካብ ገጽ እቲ ገበል ርሒቃ ሰለስተ ኦኣመትን መንፍቅን ብኽንክን ምእንቲ ክትነብርን ንበረኻ ናብ ስፍርአ ም እንምቲ ክትነፍር ናይቲ ዓቢ ንስሪ ክልተ ክንፊ ተዋህባ ፡ እቲ ገበል ክአ ደድሕሪ እታ ሰበይቲ ከም ውሕጅ ዝመስል ማይ ብአፉ ተፍኤ ። ምድሪ ግን ነታ ሰበይቲ ረድአታ እታ ምድሪ አፋ ከፊታ ን አቲ ገበል ብ አፉ ዝተፍኦ ውሕጅ ሰተዮ።

ሽዑ እቲ ገበል በታ ሰበይቲ ተቐጥዔ ። አወሰን ባሕሪ አብ ዝርከብ ሑጻ ክአ ደው ኢሉ ተረፈ ። እቲ ነታ ሰበይቲ ዝተጻረራ ገበል እምነት ካብ ቤተ ክርስትያን ከጥፍኡ ምስ ዝህቅኑ ናይዚ ግዜ’ዚ ሰባት ከም ዝመሳሰል ክአ ቅዱስ አቦና አረዲኦም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቀጺሉ ከም ዘምሰየ ክምልከት ከሎ አብ ምስሪ ናይ አለክሳንድርያ ፓትርያርክ አንጦንዮስ ናጂብ ህልውና ክርስትያን አብ ማእከላይ ምብራቅን ሰላምን ብዚምልከት ነቲ ሲኖዶስ ሰፊሕ ጸብጻብ አቅሪቦም እቲ ሲኖዶስ ይቅጽል አሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.