2010-10-09 15:26:09

ንር.ሊ.ጳ ዝምልከታ ክልተ መጻሕፍቲ


ኣብ ፍራክፈርት ዓዲ ጀርመን በጋዜጠኛ ፒተር ሲዋልድ ምስ ቅዱስ ኣቦና ዝተገብረ ቃለ ምልልስ ዝሓዘ መጽሓፍ ‘ብርሃን ዓለም፤ ር.ሊ.ጳ. ቤተ ክርስትያንን ምልክታት ግዜን’ ዘርእስቱ ንሕትመት ከምዝበቅዔን ንዝመጽ እ ወርኂ ኅዳር 24 ኣብ ዕዳጋታት ቤተ መጻሕፍቲ ከምዝዝርጋሕን ተመልኪቱ፤ ከማኡ እውን እቲ ነዊሕ ትጽቢት ዝተገብረሉ ቅዱስ ኣቦና ዝደረስዎ ‘ኢየሱስ በዓል ናዝሬት’ ካልኣይ መጽሓፍ ንሕትመት ከምዝበቅ ዔ ተሓቢሩ።

ጀርመናዊ ጋዜጠኛ ፒተር ሲዋልድ ብዛዕባ እዚ ኣብ ሎዘርቫቶረ ሮማኖ ዝሃቦ መግለጺ ‘ብሕያውነትን ቃለ ምልልስ ክገብሩ ብዘርኣይዎ ምቅሉልነትን ብጣዕሚ ተደኒቀ’ እንክብል ገሊጹ፤ እዚ ጋዜጠኛ እዚ ር.ሊ.ጳ ገና ካርዲናል ራዚንገር ኮይኖም ናይ ሃይማኖት እትኃሊ ማኅበር ኃላፊ እንከለው ቃለ ምልልስ ምስ ኦም ብምክያድ ብ1996 ‘ጨው ምድሪ ክርስትናን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ መበል 21 ክፍለዘመንን’ ከማኡ ከኣ ብ2001 ‘እግዚአብሔርን ዓለምን፤ ኣብ ሓዲስ ም እተ ዓመት ክርስትያን ምዃን’ ዘርእስቱ መጽሓፍቲ ከምዝደእረሰ ይዝከር።








All the contents on this site are copyrighted ©.