2010-10-09 15:27:17

ናይ ሰላም ኖቤል


ናይ ሎምዘመን 2010 ዓምፈ ናይ ሰላም ኖበ ሽልማት ንቻይናዊ ለ ሊዩ ሺኣቦ ተዋሂቡ፤ ለ ሊዩ ሺኣቦ ወዲ ቻይና ኮይኑ ንሰብኣዊ መሰላት ብዝገብሮ ቃልሲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ዜጋ ኢዩ፤ ወዲ 54 ዓመት ለ ሊዩ ሺኣቦ ኣብ ዪኒቨርሲቲ ናይ ሥነ ጽሑፍ ፕሮፈሰር ኮይኖም እናሰርሑ ኣብ ቻይና ዘሎ ኮምንስታዊ ሥርዓት ንኽልወጥ ጐስጓስ ብምክያዶም ቅድሚ ሕጂ ንክልተ ዓመት ተኣሲሮም ዝተፈትሑ እንክኾኑ፤ ኣብዚ መጨረሻ ግዜ ናይ 11 ዓመት ማእሰርቲ ተበዪንሎም ገና ዓመታት ማእሰርቶም እናቈጸሩ ኢዮም፤ በዓልቲ ቤቶም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ሊዩ ሺኣቦ ናይቲ ሽልማት ተቀባሊ ምዃኑ ምፍላጡን ዘይምፍላጡን ኣይፈለጥኩም ክር እዮ ክኸይድ ኢየ እሞ ክነግሮ ኢያ ቢለን። ኣብ ኖርወይ ዝመደበሩ ናይዚ ሽልማት እዚ ዓዳሊ ማኅበር ምኽንያት ናይዚ እንክገልጽ፤ ‘ሊዩ ኣብ ኮምንስታዊት ቻይና ንመሠረታዊ ሰብኣዊ መሰል ብዝገበሮ ነዊሕ ሰላማዊ ቃልሲ ነዚ ሽልማት እዚ በቂዑ’ እንክብል ቻይና ግን ዘይቅኑዕ እንክትብል ብትሪ ከምዝተቋመቶ ተመልኪቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.