2010-10-09 15:23:51

ሲኖዶስ ጳጳሳት ማእከላይ ምብራቅ


ኣብ ዝሓለፈ መደባት ከምዝገለጽናዮ ሲኖዶስ ጳጳሳት ማእከላይ ምብራቅ ካብ ጽባሕ ዕለት 10 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 24 ኣብ ከተማ ቫቲካን ክካየድ ኢዩ።

ኣርእስቲ ናይቲ ሲኖዶስ ‘ኣብ ማእከላይ ምብራቅ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ንኅብረትን ምስክርነትን፤ ዝብል ኮይኑ መሪሕ ቃል ቅዱስ መጽሓፍ ከኣ ካብ ግብረ ሓዋርያት 4፡32 ዝተወስደ ‘ኩሎም ኣመንቲ ሓደ ልብን ሓንቲ ሓሳብን ነበሮ’ ዚብል ኢዩ።

ማእከላይ ምብራቅ እንክብሃል 16 ሃገራት ዘጠቃልል 7 ሚልዮን ትርብ ዒት ኪሎሜትር ዝስፍሓቱ ካቶሊካውያን 1.6% ናይቲ ሕዝቢ ኮይኖም 5.5 ሚልዮን ይበጽሑ።

ናይ ሲኖዶስ ጳጳሳት ካቶሊካውያን ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ኣቡነ ኤተሮቪች ትማሊ ኣብ ኣደራሽ ማኅተምን ክፍሊ ዜናን ቫቲካን ናይዚ ኣደራሽ ምኽትል ኣማሓዳሪ ጥቀ ክቡት ኣባ ቺሮ በነደቲኒ ኣብ ዝተረኽቡሉ መብርሂ ሂቦም።

ጽባሕ ሰንበት ኩሎም ተጋባእትን ም እመናንን ኣብ ዝተረኽቡሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ናይቲ ሲኖዶስ መኽፈቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም። ኣብዚ ቅዳሴ እዚ ንመጀመርያ ግዜ ዳርጋ ኩሎም ጳጳሳት ማእከላይ ምሥራቅ ምስ ቅዱስ ኣቦና ክቅድሱ እዮም። ብጹዕ ኣቡነ ኤተሮቪች እዚ ሲኖዶስ እዚ ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝተገብሩ ሲኖዶሳት ዝሓጸረ ግዜ ማለት ን14 መዓልታት ጥራይ ዝኾነሉ ምኽንያት እንክገልጹ ኩነታት ናይ ማእከላይ ምብራቅ ተኣፋፊ ብምዃኑ ናይዚ ዞባ እዚ ጓሶት ዝኾኑ ጳጳሳት ንነዊሕ ግዜ ካብ መጓሲኦም ከይርሕቁ ዝተገብረ ምዃኑ ሓቢሮም።

ብጹዕነቶም መግለጺኦም ብምቅጻል ኣብቲ ሲኖዶስ ቋንቋ ዓረብ ከም ወግዓዊ ቋንቋ ክጥቀመሉ ምዃኖምን ነቲ ሲኖዶስ ዝመርሑ ክልተ ናይ ቅዱስነቶም ወከልትን ብቅዱስ ኣቦና ንኽብሪ ዝተሰሙ ናይ ኣንጾክያ ፓትርያርክ ማሮናውያን ኣብ ሊባኖስ ብጹዕን ቅዱስን ካርዲናል ናስረላህ ስፊር ከማኡ እውን ናይ ባቢሎን ፓትርያርክ ናይ ከለዳውያን ኣብ ብጹዕን ቅዱስን ኣቡነ ኣማኑኤል 3ይ ደሊ ምዃኖም ሓቢሮም። ኣብ ር እሲ እዚ ብዘይካ ሥር ዓተ ላቲን እትኽተል ቤተ ክርስትያን ማእከላይ ምብራቅ እተን ሓሙሽተ ር እሰን ዝ ኸኣላ ኣብያተ ክርስትያን ምሥራቅ ማለት ናይ ኣለክሳንድርያ ናይ ሶርያ ናይ ግሪኻውያን መልካውያን ናይ ማሮናይት ናይ ከልቀዶንን ናይ ኣርመንያን ክሳተፋ ምዃነን ሓቢሮም።

ኣብዚ ሲኖዶስ እዚ 185 ኣበው ክሳተፉ ኢዮም፤ ካብዚኦም 101 ጳጳሳት ናይ ሰበኻታት ማእከላይ ምብርቅ እንክኾኑ 29 ኣብ ስደት ንዝርከቡ ደቂ እቲ ከባቢ ዝጓስዩ ኢዮም፤ ከማኡ እውን ካብ ክባቢ ኣፍሪቃ ማለት ካብ ሰሜንን ሰሜን ምብራቅን ኣፍሪቃ ካብ ኤውሮጳን ኣመሪካን 19 ጳጳሳት ክሳተሩ ኢዮም። ኣብ ር እሲ እዚኦም ፍሉያት ል ኡኻት ሊቀ ረበናት ዳዊት ሮዘን ናይ ኣመሪካ ኣይሁዳውያን ማኅበረሰብ ክፍሊ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ሓላፊ ንሮቡዕ ዕለት 13 ጥቅምቲ ትጽቢት ይግበረሉ፤ ከማኡ እውን ክልተ ወከልቲ ሃይማኖት ምስልምና ናይ ሱኒ ወካሊ ናይ ሊባኖስ ናይ ፖሎቲካዊ ዓቢይ ሙፊት ኣማኻሪ መሓመድ ኣል ሳማክን ናይ ሺዓ ወካሊ ኣብ ናይ ተህራን ዪኒፈርሲቲ ናይ ሕጊ ፕሮፈሰር ኣያቶላ ሰየድ ሙስጣፋ ሞሃገ ኣሕማዳዲ ንሓሙስ ዕለት 14 ጥቅምቲ ኣብቲ ጉባኤ ክስተፉ ትጽቢት ከምዘሎ ብጹዕ ኣቡነ ኤተሮቪች ገሊጾም። እዚኦም ሰባት እዚኦም ቅዱስ ኣቦና ዝ ዓደምዎም ኢዮም እዚ ከኣ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ምስ ኣይሁድን ኣስላምን ክትዛተ ክፉት ማዕጾን ልብን ከምዘለዋ የመልክት እንክብሉ ኣብሪሆም።

እዚ ሲኖዶስ እዚ ቀንዲ ዘተኲረሎም ነጥብታት ሓዋርያዊ ግብረ ተል እኮን ኩነታት ቤተ ክርስትያንን እንክኾን ኩነታት ኅብረተሰን ፖሎቲካን እውን ክስገሩ ዘይከኣል ስለዝኾነ ክትንከፉ ኢዮም፤ ካል እ መሠረታዊ ነገር ከኣ ኣብያተ ቤተ ክርስትያን ክወሃሃዳ መጀመርያ እተን ምሥራቃውያን ነንሕድሕደን ከማኡ እውን ምሥራቃውያን ኣብያተ ክርስትያንን ሥር ዓተ ላቲን ዝኽተላን ሓደነትን ከደልድላ ብድሕሪኡ ምስ ካል ኦት ኣብያተ ክርስትያን ኣብ መወዳእታ ከኣ ምስ ካል ኦት ሃይማኖታት ዘተን ሓድነትን በዚ ሲኖዶስ እዚ ክዝትየሉን መንገድታትን ሜላታትን ክድለዩን ጭቡጥ ዝኾነ መንገዲ ክረሖን ዓቢ ተስፋ ኣሎ እንክብሉ ከምቲ ኣር እስቲ እቲ ሲኖዶስ ዝብሎ ኅብረትን ምስክርነትን ቀንዲ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ብጹዕነቶም ኣብ መወዳእታ መግለጺኦም እዚ ሲኖዶስ እዚ ነታ ኣብ ማእከላይ ምብራቅ ብራዕድን ስደትን ሌላን ጉሌላን ብዙሕ ፈተነ ንዘጓንፋ ቤተ ክርስትያን በመንፈሳዊ ነገራት ይኹን ብንዋታዊ ነገራት ንምድጋፍ ጽቡቅ ኣጋጣሚ ምዃኑ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.