2010-10-07 15:29:04

ዓለም ሓቆፍ ማኅበር ካቶሊካውያን ጋዜጠይናታት

ብፁዕ ካርዲናል በርቶነ ንካቶሊክ ጋዜጠይናታት፦ ሓነጽቲ ሓቅን ሰናይን ኵኑ


ናይ መራኸቢ ብዙሃን ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዝጠለቦ ካብ ዕለት 4 ጥቅምቲ 2010 ዓ.ም. ጀሚሩ ክካየድ ዝቐነየ ዓለም ሓቆፍ ናይ ካቶሊክ መራኸቢ ቡዝኃንን ካቶሊካውያን RealAudioMP3 ጋዜጠይናታትን ጉባኤ ሎሚ ተዛዙሙ።

ናይ መራኸቢ ብዙኃን ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ክላውዲዮ ማሪያ ቸሊ፣ ብዛዕባ እቲ ካብ 85 ሃገራት ዝተዋጽኡ ልዕሊ 230 ናይ ካቶሊክ መራኸቢ ብዙሃን ጋዜጠይናታት ዘሳተፈ ኣብቲ ብሥነ ኣኃዝ ዝተዓብለለ ምዕባለ ዝረጋገጸሉ ዘሎ፣ ናብ ኅብረ መራኸቢ ብዙኃን ኣብ ዝድርኽ ዓለም ሓቆፍ ጉዳያት ናይ ካቶሊክ መራኸቢ ብዙኃን ዘለዎ ጽልዋ ዝዳሕሰሰ ምዃኑ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ኣመልኪቶም፣ ቀጺሎም፦ እዚ እንነብረሉ ዘሎና ዓለምን ኅብረተሰብን ዕለት ካብ ዕለት ኅብረ ባህልን ኅብረ ሃይማኖትን እናኾነ ኣብ ዝስጉመሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብዚ ዓይነት ጭቡጥ ኩነታት ኅብረተሰብ፣ ተራ ናይ ካቶሊክ መራኸቢ ብዙኃን፣ ሃይማኖታውን ባህላውን ዘተ ኣብ ምንቕቓሕን ምዃኑን፣ እዚ ድማ ናይ ሓቂ ኵላዊ ባህርይ ጎሊሑ ክርኤ ኣብ ዝብል ተልእኾ ዘበርክቶ ዕቱብን ሓቀይናን ኣስተዋጽኦ ዘቃለሔ ጥርሕ ዘይኮነ፣ ኣብዚ ተልእኾ’ዚ ከመሓይሾም ዝግብኦም ጉዳያት እውን ዘነጸረ ጉባኤ ምዃኑ ኣረዲኦም፣ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙኃን ሓቂ መሪሕ ጌይረን ክነጥፋ ዘተባብዕን ነዚ ተልእኾ’ዚ መሪሕ መጋበርያ ዘቕረበ ኢዩ ኢሎም።

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ ትማሊ ንቶም ተጋባእያን ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ባዚሊካ ዝቐረበ መሥዋዕተ ቅዳሴ ሠሪዖም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ነቶም ተጋባእያን ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እንከንብቡ፦ ካቶሊካውያን ጋዜጠይናታት ሓነጽቲ ሓቅን ሰናይን ክኾኑ ዝተጸውዑ ኢያቶም ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።

ቤተ ክርስትያን ንዘርኢ ሰብ ሓድሽ ቃል ብሥራት ንምቕራብ ዘላ ካብ ኮነት፣ ቀንዲ ተልእኾ ካቶሊካውያን ጋዜጠይናታት ብቛንቋ ሥነ መራኸቢ ብዙሃን ተጠቂሞም ነቲ እዋናዊ ሕጹጽን ዝለዓለ ኣድላይነት ዘለዎም ናይ እምነት ሕቶታት ብምምላስ፣ ባህልታት ብወንጌል ክስበኹ ዝብል ምዃኑ ብፁዕ ካርዲና በርቶነ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ኣመልኪቶም። እዚ ድማ እምነት ዝተስተውዓለ ክኸውን ዘነቃቕሕ ኢዩ ኢሎም። ናይ ካቶሊክ መራኸቢ ብዙኃን ብዛዕባ ኅልው ኩነታት ዓለም ዜና ዘቕርባ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ኣብ ሕንጸት መዳይ ዓቢ ግደ ኣለወን፣ ምትሕልላፍን ምሕናጽን ዝብል ኃላፍነት ዝተሰከመን፣ ክርስቶስ ኣብ ምብሣር ተልእኾ ዝሳተፍ ምዃኑ ኣረዲኦም፣ ስለዚህ ካቶሊካውያን ጋዜጠይናታት ኣገልገልቲ ሓቅን፣ ኃይሎም ኣብ ቃል ኣምላኽን ካብ ቃል ኣምላኽን ምዃኑ ተኣሚኖም ናይ ዘቕርብዎ ኣገልግሎት ጸግዒ እግዚኣብሔር ኢዩ ስለዚህ ንኣኡ ኣብ ሕይወትኩም ኣገልግሎትኩምን ቦታ ሃብዎ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ይሕብር።

ኣብቲ ክካየድ ዝቐነየ ዓለም ሓቆፍ ናይ ካቶሊክ ምእመናን ጋዜጠይናታት ጉባኤ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ሕትመትን ክፍሊ ዜናን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ኣብ ማሕበራውን ሞራላውን ፖለቲካውን ጉዳያት መሠረት ብመራኸቢ ብዙኃን ዝቐርብ ክርክር፣ ካቶሊካውያን ጋዜጠይናታትን ናይ ካቶሊክ መራኸቢ ብዙኃንን ብኸመይ መልክዕ ክገጥምዎ ከምዘለዎም ዝትንትን ኣሰተምህሮ እንከቕርቡ፣ ብተኣማንነትን ብግልጽነትን ክገጥምዎ ይግባእ ቢሎም፣ ብዙሕ ጊዜ ንናይ ቤተ ክርስትያን ተቛማት ድዩ ቤተ ክህነትን ሓዋርያዊ መንበርን ዝነቕፉንን ዘጥቕዑን ዜናታት ጽሑፋትን ዲዩ መግለጽታትን ክንዛሕ ይርኤ፣ እዚ ድማ እቲ መልእኽቲ ክርስትያን ነቲ ምእማንን ዘይምእማንን ሓደ ኢዩ ዝብልን ናይ ሕይወት ክቡራት ዋጋታት ዝበሃል የለን ዝብል ተዛማዲ ባህሊ ዘቕርቦ ክመሳሰልን ክሓድርን ዝብል መምዘኒ፣ ኣንጻሩ ብምኻድ ግብእ መልሲ ክህበሉን፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ከምዝበልዎ እቲ ብዛዕባ ቤተ ክርስትያን ዝበሃል ኣሉታዊ ይኹን እወታዊ ዘረባ ምኽንያት ኣለዎ። ስለዚህ ናይ ካቶሊክ መራኸቢ ብዙኃንን ካቶሊካውያን ጋዜጠይናታት ኣብ ቅድሚ ዓለም እምንትን ግልጽን ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ክቕርቡን ነዚ ብቑዓት ክኾኑ ይግባእ፣ ስለዚህ ብናይ ካቶሊክ መራኸቢ ብዙኃን ዝመሓላለፍ መልእኽቲ፣ ካቶሊካውያን ጋዜጠይናታት ቅድም ዝኣምንሉ ኮይኖም ክርከቡ ኣለዎም፣ ንሰማዒ ዝምስጥን ዘዕግብን ዝሓንጽን ዘእምንን ቃል እቲ ኣሚንካሉ እተመሓላልፎ መልእኽቲ ሓቂ ኢዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.