2010-10-07 15:55:35

ወዲ ሰብ ብዘይ ኢየሱስ ንርእሱ ክግንዘብ ኣይክእልን


ነዙይ ዝበሉ ናይ ኢየሩሳሌም ላቲናዊ ሥርዓት ፓትርያርክ ብጹዕን ቅዱስን ኣቡነ ፋኣድ ጥዋል ብቅድሚ ትማሊ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ፍራንቸስካውያንን ሳለዝያውያንን ተቅዋም ቅዱስ መጽሓፍን ንባበ መለኮታዊ ሰሚናራትን ዓመተ ትምህርቲ ንምጅማር ኣብ ዘዕርገዎ መሥዋተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ኢዩ።

ብጹዕነቶም ኣብ ስብከቶም ንተመሃሮን መማህራንን ብዝተሓደሰ መንፈስ ኣብ መጽናዕቶም ክጽመዱ ኣብ ሕይወቶም ለውጥን ተሓድሶን ክገብሩ ከምዝጽልዩሎም ብምዝኽኻር ባሪኾሞም። ቀጺሎም ሎሚ ከም ንሎሚ ካብ ካልእ ግዝያት ብዝበለጸ ንዘሎ ፈተነ ክትብድህ እኹል ኩስኰሳ የድሊ፤ ኣብ ናይ ሎሚ ኅብረተሰብ ፍልጠት ወትሩ ፍሉይን በብክፍሉን ኮይኑ ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ ዝበጽሐ ይመስል ኮይኑ ግን ብተዛማድነት ናይ ምጉዓዝ ዝንባሌ ይረአ፤ ስለዚ ናብቲ ካብ ወንጌል ዝመጽእ ሓቀኛ ፍልጠት ልብኻ ምኽፋት የድሊ፤ ወዲ ሰብ ንገዛእ ርእሱን ንዓለምን በዘይ ኢየሱስ ክርስቶስ ክግንዘቦ ኣይክእልን፤ ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ ኢዩ ንወዲ ሰብ ክብረቱ ክገልጸሉ ዚኽእል፤ ከማኡ እውን ጸዋዕታኡን ፍጻሜኡን ብምግላጽ ንልቡ ናብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ተስፋ የርሕወሉ’ እንክብሉ፤ ብዘይካ ኢየሱስ ክርስቶስ ሓንቲ ክግበር ከምዘይከኣል ሰቢኾም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ እስራኤል ሥርዓተ ላቲን ኅየንተ ናይ ፓትርያርክ ብጹዕ ኣቡነ ጃሲንቶ ቡሎስ ዓመታዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ገሊላ ኣካዪዶም፤ ኣብ ቤት ትምህርቲ ረነህ 90 መማህራንን 1200 ተመሃሮን፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጃፋ ናይ ናዝሬት 35 መማህራንን 800 ተመሃሮን፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ራመህ 45 መማህራንን 600 ተመሃሮን ከማኡ እውን ኣብ ሸፋኣመር ሃይፋ ከምዝበሑ ምስ እዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።







All the contents on this site are copyrighted ©.