2010-10-07 15:36:59

ናይ ሱዳን ብፁዓን ጳጳሳት መግለጺ


ነቲ ኣብ 2011 ዓ.ም. ወርሒ ጥሪ ኣብ ሱዳን ብዛዕባ መጻኢ ዕድል ማለት ብዛዕባ ነጻነት ከባቢ ደቡብ ሱዳን ዝካየድ ውሳኔ ሕዝቢ ንምዝታይ ናይታ ሃገር ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ሩምበክ RealAudioMP3 ካብ ዕለት 8 ሕዳር ክሳብ ዕለት 15 ሕዳር 2010 ዓ.ም. ፍሉዩ ሓፈሻዊ ኣኼባ ከካይድ ምዃኑ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ናይ ሱዳን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ኣባ ሳንቲኖ ሞሮኮሞሞ መግለጺ ጠቒሱ እንከፍልጥ፣ ኣባ ሞሮኮሞሞ ነቲ ናይ ሕዳር ኣኼባ ቅድመ ምስንዳው መሠረት ናይ ሱዳን ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ዘካይደዎ ዘለዉ ርክብ ድሕሪ ምስታፎም ኣብ ዝሃብዎ መግልጺ፣ እቲ መደብ ሕዝባዊ ውሳኔ ብሰላም ክካየድን ዘቕርቦ ውሳኔ ውሑስ ክኸውን ዘተሓሳስብን፣ እቲ ኣብ ሕዳር ዝካየድ ኣኼባ ብዛዕባ ከይዲ ሕዝበ ውሳኔ ብዕምቆት ዝዝትይ ከምዝኾነ፣ ካብ ሕዝቢ ዝመሓላለፍ ውሳኔ ናብ ሰላም ዘብጽሕ እምበር ናብ ወጥሪ ዝድርኽ ክኸውን ከምዘይግብኦን ብዅሉ መዳይ እዚ ኣመለኻኽታ ክሰፍሕ ዝጠልብን ኣብዚ ጉዳይ ኵሎም ዜጋታትን ብፍላይ ድማ ናይ ፖለቲካን ኣብ ማሕበራዊ መዳይ ኃላፍነት ዘለዎም ኣካላት ዓቢ ተራ ከምዘለዎም ንምንቕቓሕ ዝኣመተ ምዃኑ ጠቒሶም፣ ኣብቲ ጉባኤ ናይ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርን ናይ ምብራቕ ኣፍሪቓ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ልኡኻት ክሳተፉ ኢዮም ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.