2010-10-07 15:50:54

ምሥጢር ታሕጓስ ምስ ክርስቶስ ዕርክነት ብምፍጣር ኢዩ


 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ኣብ ዘስተምሃርዎ ሓፈሻዊ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ትምህርት ክርስቶስ፤ ‘ናብ ዕርክነት ክርስቶስ ንምብጻሕ ብኣኡ ኣቢልካ ከኣ ናብ ታሕጓስ ሕይወት ንምብጻሕ፤ ቅዱስ መጽሓፍ ኣጸቢቅካ ምፍላጥን ብመምርሒ እምነትካ ጸኒዕካ ምንባርን የድሊ’ እንክብሉ ነቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቡ ዝነበረ ማዕረ 30 ሺሕ ዝኾኑ ምእመናንን ነጋድያን ሓደራ ቢሎም።

ታሪኽ ሕይወት ቅዱሳን ብምቅጻል ትማሊ እውን ካብ ገዳም ሀልፍታ ናይ ዓዲጀርመን ኣብ መበል 13 ክፍለ ዘመን ብብርቱዕ ቃልሲ ኣብ ቅድስና ናይ ዝበጽሐት ቅድስት ገርትሩድ ዓባይ ታሪኽ ሕይወትን ገድልን ብሰፊሑ ብምዝርዛር፤ ብሓቂ ዓባይ ሰብ ከምዝነበረትን ኣብ ሕይወት ክርስትና ዓቢ ናይ ኣስተንትኖ ኣስተዋጽኦ ዝገበረትን ብስልትን ከምዝነበረት ገሊጾም። ኣብ መደምደምታ ብላቲን ሥርዓተ ሊጡርጊያ ሎሚ ንዝበዓል በዓለ መቊጸርያ እኖና ድንግል ማርያም ብምዝካር ነዚ ኣድማዒ ዝኾነ ጥንታዊ ልሙድ ጸሎተ መቊጸርያ ጥቅሙ ተረዲእና ከንዘውትሮ ሓደራ ቢሎም።

ነዘን ዓበይቲ ቅዱሳን ዝፈረየ ገዳም ሀልፍታ ኣብ ዓዲ ጀርመን ዞባ ረናንያ ዝርከብ ኢዩ፤ ዝሓለፈ ሮቡዕ ብዛዕባ ቅድስት ማቲልደ በዓልቲ ሃከቦርን እንክዛረቡ ንሳ ተቀቢላ ዘዕበየታን ዝኰስኰሰታን ቅድስት ገርትሩድ እውን ጠቂሶም ነሮም።

ቅድስት ገርትሩድ ብዕለት 6 ጥሪ 1256 ዓም ዝተወልደት ኮይና ብዛዕባ ወለዳ ይኹን መበቁላ ዝፍለጥ የለን፤ ጓል 5 ዓመት እንከላ ኣብ ገዳም ኣትያ ብቅድስት ማቲልደ ተዀስኲሳ ዓብያ ድሕሪ ብርቱዕ ገድሊ ናብ ቅድስና በጺሐ።

ቅዱስነቶም ዕብየት ናይዛ ቅድስቲ እዚኣ እንክገልጹ፤ ፍልይቲ ጓል ኣንስተይቲ ነበረት፤ ብተፈጥሮ እግዚአብሔር ዝሓደላ ብልሕን ተውህቦን ከማኡ እውን ብፍሉይ ጸጋ ዝተሸለመት ነበረት፤ ዓሚቊ ትሕትናን ንድሕነት ብጻት ዝቃጸል ቅንኣትን ነበራ፤ ብኣስተንትኖ ምስ እግዚአብሔር ጥቡቅ ውህደት ነበራ፤ ንጽጉማት ንምርዳእ ወትሩ ስንድውቲ ነበረት’ እንክብሉ እግዚአብሔር ንዝሃባ ጸጋ ብብርቱዕ ተጋድሎ ብዕጽፍን ድርብን ከምዘፍረየቶ ገሊጾም።

እዚ ግን ሕይወታ ቀሊል ነሩ ማለት ኣይኮነን፤ ብዓንዲ ርእሱ መሠረትካ ዘይምፍላጥ ወለዲ ቤተሰብ ወይ ኣዝማድ ጨሪሽካ ዘይብልካ ምዃን ሓያል ሥነ ኣ ኣምሮኣዊ ጸቅጢ ከምዝፈጥር ብሩህ ኢዩ፤ ቅድስት ገርትሩድ ነዙይ ከም ዓቢ ጸጋ እያ ተቀቢላቶ፤ እግዚአብሔር ንኣኡ ንበይኑ ክተፍቅር ዝሃባ ጸጋ ቢላ ትገልጾ፤ ዘኽታም ኮንካ ኣብ ገዳም ምዕባይ እውን ርእሱ ዝኸኣለ ክበድ ኣለዎ፤ ነዙይ እውን ኣብ ማኅደሩ ባዕሉ ክዂስኲሰኒ ደሊዩ ዝገበሮ ኢዩ እምበር ነዚ ዕድል እዚ እንተዘይረክብ ከም ማንም ኣረሜን ኮይነ ም ዓበኹ ብ ኣኡ ኣቢለ ከኣ ምጠፋእኩ ብማለት ትገልጾ፤ ኣብ መወዳእታ ሕጅስ ተማሂረ ዓቢየ ደንጊለ ኣብ ዝብጻሕ በጺሔ እንክትብል ከኣ ብርቱዕ ፈተና መንፈሳዊ ድርቀት የጋጥማ ንዓመት ምስ መመላእታ ከኣ ዕረፍትን ድቃስን ከሊኡ ኣብ ቅልውላው የእትዋ፤ ነዚ እውን ጐይታ ባዕሉ ብኢዱ መሪሑ ካብዚ ጸበባ እዚ የውጽ ኣ ብራእይ እውን ይግለጸላ፤

ቅዱስነቶም ነዚ በብግዜኡ ትሰግሮ ዝነበረት ጉዕዞ ሕይወት ብ ኣምሳል መንፈሳዊ ለውጢ ይገልጽዎ፤ ‘ታሪኽ ሕይወታ ክልተ ገጽታ የርኢ፤ ቀዳማይ ናታ ናይ ብሕታ ዝኾነ ለውጢ ሕይወት እንክኾን እዚ ከኣ ኣብ መጽናዕታ ካብ ዓለማዊ ትምህርቲ ሳይንስን ፍልስፍናን ናብ ትምህርቲ ንባበ መለኮት እንክትሰጋገር ዘርኣየቶ ለውጢ ወይ ተሓድሶ፤ ካልኣይ ከኣ ባዕላ ከም እተገልጾ ኣብ ገዳማዊ ሕይወታ ካብ ግዳማዊ ናይ ረኣዩለይ ስምዑለይ ፈሪሳዊ ሕይወት ናብ ፍሉይ መንፈስ ተልእኮ ወንጌል ዝ ዓብለሎ ሕይወት ጽዑቅ ጸሎትን ኣስተንትኖን ሰቂለ ኅልናን ምስግጋር ኢዮም’ እንክብሉ ገሊጾም።

ካብዛ ቅድስቲ እዚኣ እንምሃሮ ብዙሕ ከምዘሎ ቀንዲ ግን ምስ ክርስቶስ እንገብሮ ዕርክነት ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፤ ‘ህላዌ ቅድስት ገርትሩድ ዓንዲ ማእከል ሕጉስቲ ሕይወት ማለት ናይ ሓቀኛ ሕይወት ሕመረት ዕርክነት ምስቲ ጎይታ ዝኾነ ኢየሱስ ምዃኑ የመልክት፤ እዚ ዕርክነት እዚ ከኣ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ብዘሎና ፍቅሪ ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾ ብዘሎና ፍቅሪ ኣብ ዓሚቊ እምነት ኣብ እኖና እግዚእትነ ማርያም ብዘሎና ፍቅሪ ንመሃሮ፤ ብካልእ ኣዘራርባ በዚ መንገዲ እዚ ን እግዚአብሔር ኣጸቢቅና ንፈልጦ በዚ ከኣ ሓቀኛ ታሕጓስ ክንረክብ ንኽ እል ነዙይ እንተረኺብና ፍርቂ ሕይወትና ሓቀኛ ታሕጓስ ይመልኦ።’ ቢሎም።

ኣብ መደምደምታ ቅዱስነቶም ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ወርሒ ጥቅምቲ ናይዛ ሎሚ እትበዓል ንግሥተ ዘጥቀ ቅዱስ ሮዛርዮም ዝተወፈየ ወርሒ መቊጸርያ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፤ ‘ወርሒ ጥቅምቲ ናይ ቅዱስ መቊጸርያ ወርሒ እያ፤ ኣብ ባህሊ ሕዝበ ክርስትያን ክቡር ዝኾነ ጸሎተ መቊጸርያ ክብሪ ንምሃብ ንዕደም፤ ንኩሉኹም ብሕልፊ ከኣ ንመን እሰያት ጸሎተ መቊጸርያ ዕለታዊ ጸሎትኩም ክኸውን እምሕጸን፤ ዝኸበርም ሕሙማት ንኩሉ ኣብተን እሙናት ሓልዮት ዝመልአን ኣእዳው እግዚአብሔር ብምውዳቅ ጸሎተ መቊጸርያ ብምድጋም ክትዓብዩ አተባብዕ፤ ዝኸበርኩም ሓደስቲ መርዑትን መርዓውትን ብጸሎተ መቊጸርያ ብቀጻሊ ንምሥጢራት ክርስቶስ ክተስተንትኑ እምሕጸነኩም’ እንክብሉ ትምህርቶም ብሰላምታን ቡራኬን ዛዚሞም።








All the contents on this site are copyrighted ©.