2010-10-07 15:34:23

ሓባራዊ ናይ ሰላም ናብራ ኣብ ዘመን ዓለም ሓቆፍ ቅልውላው


ቅዱስ ኤጂዲዮ ናይ ካቶሊክ ምንቅስቃስ ሓባራዊ ናብራ ኣብ እዋን ዓለም ሓቆፍ ቅልውላው ብዝብል ኣርእስቲ ብዛዕባ ሰላም ንኽዝተ ዝጠለቦ ኣብ ስፐይን ከተማ ባርቸሎና ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን RealAudioMP3 ርእሰ ጉዳይ ገይሩ ክካይድ ዝቐነየ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰላም ጉባኤ ትማሊ ተዛዙሙ።

እዚ በቢ ዓመቱ ዝካየድ ቅዱስ ኤጂዲዮ ናይ ካቶሊክ ማኅበር ኣብ ዓለም ሰላም ንምርግጋጽ ሃቂኑ ዘካይዶ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ መደብ ዝኽተል ከምዝኾነ ናይቲ ማኅበር መሥራቲ ፕሮፈሶር ኣንድረያ ሪካርዲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ኣመልኪቶም፣ ይትረፍ ዶ ኣብዚ እዋን ውጥረትን ቅልውላውን ኣብ ዝሰፋሓሉ እዋን፣ ናይ ሰላም ዘተ ውግእ ክህሉ እንከሎ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ዝበለጸ ዓለም ንምሕናጽ እውን ኣገዳሲ ኢዩ። ብዘይ ናይ ሰላም ዘተ እንነብረሉ ዘሎና ዓለም ኣዚዩ ኣብ ዝለዓለ ሥግኣት ምወደቐ ኔሩ ኢሎም።

ኣብ 1989 ዓ.ም. ዝሑል ውግእ ኣብ ዝተዛዘመሉ እዋን ሰላም ዳርጋ ዝተዓትረ ተግይሩ ክሕሰብ ተጀሚሩ ኔሩ ኢዩ። ልክዕ ድሕሪ 12 ዓመት ዕለት 11 መስከረም፣ እንነብረሉ ዘሎና ታሪኽ ናብቲ ዓዘቕታዊ ዓመጽ የድኅብ ከምዘሎ ክረጋገጽ ተኻኢሉ እዩ። ብዙሓት ዝተፈላለዩ ናይ ፖለቲካ ርእዮተ ዓለም ዘለዓዕልዎ ዓመጽ፣ ሃይማኖታዊ መልክዕ እናልበሱ ክንቀሳቀሱን ክውድቡን ሰባት ክጸልዉን ይርኣዩ ኣለዉ። ስለዚህ ነዚ ዅሉ ኣብ ግምት ብምእታው ናይ ቅዱስ ኤጂዲዮ ካቶሊክ ማኅበር ቅድሚ 24 ዓመት ር.ሊ.ጳ. ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ኣሲዚ ናይ ኵለን ሃይማኖታት ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕቲ ዝዓደመ መደብ ናይ ሰላም ጸሎት ንኽካይድ ዘበገስዎ ሰናይ ዕላማ መሠረት ገይሩ ዝቕጽሎ ዘሎ ምዃኑ ሪካርዲ ሓቢሮም። ናይ ውግእን ዓምጽን ፍልልያት ዘይተገዳስነትን ባህሊ፣ ናበይ ከምዝብጽሕን ሰላም ንምርግጋጽ ኣሚቱ ዝካየድን ውግእ ተባሂሉ ዝንገረሉ ዓይነት ውግእ እውን ሰላም ከረጋገጽ ኣኽእሎት ከምዘይብሉ፣ ውግእ መጋበርያ ሰላም ክኸውን ከምዘይክእል ዝሓለፈን ዘሎን ታሪኽ ዓለም መስኪርዎ ኢዩ። ዓመጽን ሽበራን ኣብ ዝተነዝሖ ኵነት ኢና እንነብር ዘሎና፣ ነዚ ዅሉ ዓቢ ግምት ብምሃብ ኩለን ሃይማኖታትን ካብ ናይ ግላዊ ረብሓ ምንዳይ ከይዲ ተቖጢበን ኣብ ናይ ሓባር ረቛሒ ዝኾነ ሰላም ከድህባን፣ ማሕበርሰብ ዓለም ኣብ ናይ ሰላም ባህሊ ክሓንጻን ነዚ ዕላማ እዚ ንምንቕቓሕ ቅዱስ ኤጂዲ ማኅበር በቢ ዓመቱ ኣብ ህልዉ ኩነታት ዓለም ተመሥሪቱ ዝጠልቦ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰላም ጉባኤ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ናይ ባርቸሎና ጉባኤ ናይ ኣሲዚ መንፈስ ዳግም ብምቕላሕ ቀጻልነቱ ዘረጋግጹ ተግባራት ከተባብዕ ቃል ብምእታው፣ ስም እግዚኣብሔር መሠረት ሰላም እምበር ምኽንያት ቅትለትን ውግኣን ክኸኸውን ከምዘይብሉ ብትረት ብምሕባር፣ ስም እግዚኣብሔር ንጸረ ሰብ ተግባር ምጥቃም ጸረ እግዚኣብሔር ደው ምባልን ጸረ እግዚኣብሔርን ከምዝኾነ ኣመልኪቱ።

እቲ ጉባኤ ኣብ 2011 ዓ.ም. ዕለት 11 መስከረም ኣብ ጀርመን ሚኒዩክ ከተማ ናይ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰላም ጉባኤ ንምካይዳ ውሳኔ ብምጽዳቕ ከምእተዛዘመ ክፍለጥ እንከሎ፣ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ተርኒ ናርኒ ኣመሊያ ሊቀ ጳጳስ ሓደ ካብቶም ናይ ቅዱስ ኤጂዲዮ ካቶሊክ ማኅበር መሥረትቲ ኣብቲ ጉባኤ ዝተሳተፉን ዘረባ ዘስምዑን ብፁዕ ኣቡነ ቪንቸንዞ ፓሊያ፣ እምነትን ሃይማኖትን ምኽንያት ውግእን ወረ ውግእን ክኸውን የብሉን፣ ውግእን ጽልእን ኣፈላላይን ዓመጽን ንናይ ሃይማኖት መሠረታዊ ባህርይ ዝጻረር ምዃኑ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም፣ እዚ በቢ ዓመቱ ቅዱስ ኤጂዲዮ ናይ ካቶሊክ ማኅበር ዘካይዶ ናይ ሰላም ጉባኤ ሃይማኖትን ሰላም ተተሓሒዞም ዝኸዱ ምዃኖምን ነዚ ድማ ኣገባብ ብዘለዎ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ዘረድእ ኢዩ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.