2010-10-06 15:08:49

ሓባራዊ ናይ ሰላም ናብራ ኣብ ዘመን ዓለም ሓቆፍ ቅልውላው


ቅዱስ ኤጂዲዮ ናይ ካቶሊክ ምንቅስቃስ ሓባራዊ ናብራ ኣብ እዋን ዓለም ሓቆፍ ቅልውላው ብዝብል ኣርእስቲ ብዛዕባ ሰላም ንኽዝተ ዝጠለቦ ኣብ ስፐይን ከተማ ባርቸሎና ዝካየድ ዘሎ ዓለም ሕቆፍ ናይ ሰላም ጉባኤ RealAudioMP3 ፣ ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ርእሰ ጉዳይ ዝገበረ ምዃኑ እንክንገር፣ እዚ በቢ ዓመቱ ዝካየድ ቅዱስ ኤጂዲዮ ናይ ካቶሊክ ማኅበር ኣብ ዓለም ሰላም ንምርግጋጽ ሃቂኑ ዘካይዶ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ መደብ ዝኽተል ከምዝኾነ ናይቲ ማኅበር መሥራቲ ፕሮፈሶር ኣንድረያ ሪካርዲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ኣመልኪቶም፣ ይትረፍ ዶ ኣብዚ እዋን ውጥረትን ቅልውላውን ኣብ ዝሰፋሓሉ እዋን፣ ናይ ሰላም ዘተ ውግእ ከይህሉ እንከሎ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ዝበለጸ ዓለም ንምሕናጽ እውን ኣገዳሲ ኢዩ። ብዘይ ናይ ሰላም ዘተ እንነብረሉ ዘሎና ዓለም ኣዚዩ ኣብ ዝለዓለ ሥግኣት ምወደቐ ኔሩ ኢሎም።

ኣብ 1989 ዓ.ም. ዝሑል ውግእ ኣብ ዝተዛዘመሉ እዋን ሰላም ዳርጋ ዝተዓትረ ተግይሩ ክሕሰብ ተጀሚሩ ኔሩ ኢዩ። ልክዕ ድሕሪ 12 ዓመት ዕለት 11 መስከረም፣ እንነብረሉ ዘሎና ታሪኽ ናብቲ ዓዘቕታዊ ዓመጽ የድኅብ ከምዘሎ ክረጋገጽ ተኻኢሉ እዩ። ብዙሓት ዝተፈላለዩ ናይ ፖለቲካ ርእዮተ ዓለም ዘለዓዕለዎ ዓመጽ፣ ሃይማኖታዊ መልክዕ እናልበሱ ክንቀሳቀሱን ክውድቡን ሰባት ክጸልዉን ይርኣየኡ ኣለዉ። ስለዚህ ነዚ ዅሉ ኣብ ግምት ብምእታው ናይ ቅዱስ ኤጂዲዮ ካቶሊክ ማኅበር ቅድሚ 24 ዓመት ር.ሊ.ጳ. ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ኣሲዚ ናይ ኵለን ሃይማኖታት ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕቲ ዝዓደመ መደብ ናይ ሰላም ጸሎት ንኽካይድ ዘበገስዎ ሰናይ ዕላማ መሠረት ገይሩ ዝቕጽሎ ዘሎ ምዃኑ ሪካርዲ ሓቢሮም።

ናይ ውግእን ዓምጽን ፍልልያት ዘይተገዳስነትን ባህሊ፣ ናበይ ከምዝብጽሕን ሰላም ንምርግጋጽ ኣሚቱ ዝካየድ ውግእ ተባሂሉ ዝንገረሉ ዓይነት ውግእ እውን ሰላም ከረጋገጽ ኣኽእሎት ከምዘይብሉ፣ ውግእ መጋበርያ ሰላም ክኸውን ከምዘይክእል ዝሓለፈን ዘሎን ታሪኽ ዓለም መስኪርዎ ኢዩ። ዓመጽን ሽበራን ኣብ ዝተነዝሖ ኵነት ኢና እንነብር ዘሎና፣ ነዚ ዅሉ ዓቢ ግምት ብምሃብ ኩለን ሃይማኖታትን ካብ ናይ ግላዊ ረብሓ ምንዳይ ከይዲ ኣብ ናይ ሓባር ረቛሒ ዝኾነ ሰላም ከድህባን፣ ማሕበርሰብ ዓለም ኣብ ናይ ሰላም ባህሊ ክሓንጻን ነዚ ዕላማ እዚ ንምንቕቓሕ ቅዱስ ኤጂዲ ማኅበር በቢ ዓመቱ ኣብ ህልዉ ኩነታት ዓለም ተመሥሪቱ ዝጠልቦ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰላም ጉባኤ ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.