2010-10-05 18:05:59

እንኮ ተልእኮ ቤተ ክርስትያን ወንጌል ምስባኽ ኢዩ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማል ንግሆ ቪሲታ ኣድ ሊሚና ክገብሩ ምስ ዝቀነዪ ናይ ሰሜን ብራዚል ጳጳሳት 1ይ ጉጅለን ናይ ሰሜናዊ ምሥራቅ ብርዚል ጳጳሳትን እንክሰናበቱ ‘ቤተ ክርስትያን ምስ ካልኦት ክትወዳደር ኣይኮነን ተልእኮኣ፤ እንኮ ተልእኮኣ ወንጌል ክርስቶስ ምብሳር ኢዩ’ እንክብሉ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ማለት ጥምቀት ዝተቀበለ ኩሉ ሓላፍነት ስብከተ ወንጌል ከምዘልዎ ብምርዳእ ክንዲ ካብ ካል እ በሊጽካ ክትረኤ ሰሓቢ ክትከውን ዝተፈላለየ ምህዞታት ምፍጣር በገርሀይና መንገዲ ነፍሲ ወከፍ ወንጌል ከበስር ሓደራ ቢሎም።

ክፍሊ ሰበኻታት ናይዞም ጳጳሳት ሰሜንን ሰሜን ምብራቅን ኮይኑ ል ዕሊ 2 ሚልዮን ትርብ ዒት ኪሎ ሜትር ዝስፍሓቱ ኢዩ፤ ኣብ’ዚ እቲ ቀንዲ ግድል ቃል ክርስቶስ ምብጻሕ ስለዝኾነ ቅዱስነቶም ‘ንምሕረት እግዚኣብሔር ምስጋና ይኹን ደቂ ሰባት ክድሕነሉ ዝኽእሉ ብዙሕ መንገድታት ኣሎ፤ ኮይኑ ብሸለልትነት ብፍርሒ ብሕፍረት ወይ ግጉይ ትምህርቲ ንምስዓብ ንወንጌል ክርስቶስ ካብ ምስባኽ ዓዲ እንተው ዒልና ግን ድሕነት ቢልና ክንሓስብ ኣይክኣልን፤ ሓንሳብ ሓንሳብ ሓቂ እዚ ኢዩ ቢልካ ምስትምሃር ወላውን ናይ ወንጌል ሓቂ እንተኾነ ቅኑዕ መንግዲ እዚ ኢዩ ቢልካ ምሕባር ወላውን መንገዲ ድሕነት እንተኾነ መሰል ደቂ ሰባት ከም ምግሃስ ተራኢዩ ዝንቀፈሉ ሃዋህው ይርከብ ኢዩ፤ ነዚ መልሲ ዝኸውን ናይ ር.ሊ.ጳ ጳውሎስ 6 ክጠቅስ፤ ‘ኣብ ሕልና ሰባት ብቅኑዕ ዘይኮነ ነገር ምጽላው ብርግጽ ጌጋ ምኾነ፤ ኮይኑ ግን ነዛ ሕልና እዚኣ ናይ ወንጌል ሓቅን ብ ኢየሱስ ክርስቶስ ምድሓንን ኣንጺርካ ንነጻ ምርጫ ምቅራብ ንናጽነት ምጽራር ዘይኮነ እዚ ብሥራት እዚ ነዛ ነጻነት እዚኣ ዓቢ ውህበት ኢዩ’ ቢሎም ነሮም፤ ከማኡ እውን ኣብታ ኢቫነጀሊ ኑንጽያንዲ እትብል ሓዋርያዊት ምዕዳኖም ‘ኣንቱም ሰባት ስለምንታይ ሓሶትን ጌጋን ውርደትን ጽዩፍ ተግባርን ምስቲ ኣ ዕናዊ ፕሮፓጋንዳ በመራኸቢ ብዙኃን ክዝርግሑ መሰል ዚወሃቦም፧ እኳ ደኣ እዚ ዝኾነሉ ብሸለልትነት ናይቶም ሕያዎትን ብተንኮል ናይቶም ክፉኣትን ኢዩ፧ ንክርስቶስን መንግሥቱን ናይ ምብሣር ሠናይ ተግባር ከስ መሰል ጥራይ ዘይኮነ ግዴታ ኢዩ’ ብማለት ኣብዚ ሸበድበድን ምጥፍፋእን ዝበዝሖ ዓለም ስብከተ ወንጌል ብትብ ዓትን ቆራጽነትን ተወፋነትን እምነትን ክካየድ ከምዘለዎ ሓቢሮም።

ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ናይ ኩሉ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፤ ‘ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ንፍሉያት ጉጅለ ቤተ ክርስትያን ጥራይ ዝተሓዝአ ኣይኮነን ናይ ነፍሲ ወከፍ ዝተጠምቀ መሠረት ጸዋዕታኦም ዝኾነ ናብ ኩሎም ዘቅነዔ ትእዛዝ ኢዩ’ እንክብሉ ብ2007 ኣብ ኣፓረሲዳ ናይ ደቡብ ወይ ላቲን ኣመሪካ ጳጳሳት ‘ናይቶም ሓዋርያትን ል ኡካንን ዝኾኑ ሕልና ምብርባር’ ዝተለምዎ ብሓዲሽ ብምር ኣይ ከምቲ ናይ ብራዚል ሓዋርያ ተባሂሉ ዝተሰምየ ብጹዕ ሆሰ ደ ኣንክየታ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ኣብነት ክኽተሉ ሓደራ ቢሎም።

ቀጺሎም ቅዱስነቶም ኣብዚ ግዜዚ ኣብ ኩሉ ዓለም ብፍላይ ከኣ ኣብ ብራዚል ዘሎ ጸገም ንስብከተ ወንጌል ብ ዓይኒ ደቂ ሰባት ብምጥማት ዝተፈላለየ ሜላ እናተጠቀምካ ማራኺ ክትገብር ዝግበር ጻዕርታት ዝዝንገዖ ነገር ከምዘሎ ኣሚቶም፤ እዚ ኸኣ ቤተ ክርስትይን ንርእሳ ኣይኮነትን እትሠርሕ፤ ቤተ ክርስትያን ኣብ ኣገልግሎት ክርስቶስ እያ፤ ህላዌ ቤተ ክርስትያን ንኩሉ ዓለም ሠናይ ዜና ወንጌል ከምዝባጻሕ ንምግባር ኢዩ፤ ስለዚ ኣብ ውድድር ም እታው ኣየድልን እንክብሉ፤ ተልእኾ ቤተ ክርስትያን ምስ ካልኦት ጉጅለ ሃይማኖታት ወይ ርእዮተ ዓለማት ምውድዳር ዘይኮነ ኣብ ኣገልግሎት ክርስቶስ ምዃኑ ገሊጾም።

ኣብ መወዳእታ ድኽመት ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ዝረኣየሉ ምኽንያት እንክገልጹ፤ ‘እዚ ኩሉ ከሕስበና ኣለዎ ምኽንያቱ ድኽመት ተል እኮ ስብከተ ወንጌል ማራኺ ዝኾነ ሜላ ብዘምጥቃም ወይ ካልእ ጸገማት ዘይኮነ ነቲ ቀንዲ ምንጪ ዝኾነ ምሥጢረ ቅዱስ ቊርባን ብምዝንጋዕን ብኣኡ ብዘምቅላቡን ኢዩ፤ ነዚ ኸኣ ኣብነት ብጹዕ ሆሰ ደ ኣንኪየታ ተኸተሉ ዝብለኩም ከመይ ንሱ መንቀሊኡን መዕለቢኡን ቅዱስ ቊርባን ኢዩ ዚነበረ፤’ ድሕሪ ምባል ‘ኣብ ልብን ከንፈርን ነፍሲ ወከፍ ብራዚልያዊ ስም ክርስቶስ ወትሩ ይጸዋዕ’ ብዝብል ሠናይ ትምኒት ተሰናቢቶምዎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.