2010-10-05 18:08:47

መንነት ካህን ይተሓሎ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ፓለርሞ ኣብ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ድሕሪ ቅዳሴ ምስ ቤተ ክህነት ናይቲ ዞባ ኣብ ካተድራል ፓለርሞ ተራኺቦም ‘ግዴታ ካህን ካብ ፍቅሪ ክርስቶስን ካብቲ ብመነኮሳት ዝስበኽን ኢዩ ዝድረኽ፤ ንመንነት ካህን ዘቊሞ ከኣ ክርስቶስ ባዕሉ እምበር ዓለም ኣይኮነን’ እንክብሉ ንናይቲ ዓዲ ካህናት ገዳማውያንን ገዳማውያትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ምዒዶም።

ብሕልፊ ንካህናት ኣብ ዝሃብዎ ሓደራ ‘መን እሰያት ብምንም ተኣምር መዓጹ ቤተ ክርስትያን ተዓጽዩ ከይጸንሖም ሓደራ፤ ንመንእሰያት ፍሉይ ቈላሕታ ግበሩ፤ ከምቲ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝበልዎ ኣብ ምድሪ ስቺሊያ ናይ ቤተ ክርትያን መዓጹ ንመንእሰያት ጋህ ቢሉ ይረሖ በዚ ከኣ ልቢ መንእሰያት ንክርስቶስ ክፉት ክኸውን ኢዩ፤ ካህን ንርእሱ ኣይኮነን፤ ካህን ናይ ም እመናን ኢዩ፤ ካህን ንምእመናን ኣብ ጐዕዞ እምነትን ሕንጸት ተስፋን ናብራ ፍቅርን ይሕብሕቦምን ይድግፎምን’ እንክብሉ ተልእኮ ካህን ገሊጾም።

ቅዱስነቶም መንነት ካህን በየናይ ቅዋም ይምራሕ መንከ የርቅቀሉ ዝ ዓይነቱ ትምህርቲ ከምዚ ክብሉ ሂቦም፤ ‘ከም ኣድላይነቱን ዝብርከት ግደን ንካህናት ቅዋም ዘርቅቀልና ዓለም ኣይኮነን፤ ካህን ኣብቲ እንኮ ተግባር ጠበቃን መድኃንን ናይ ክርስቶስ ንኽሳተፍ ብማሕተም ክህነት ክርስቶስ ዝተሓትመ ኢዩ’ ብማለት ዕብየት መዓርገ ክህነት ገሊጾም። ክህነት ዝቅበል ዕለት ዕለት ብመንጽር ድህነትን መንግሥቲ ኣምላኽን ብዛዕባ ሕዝቢ እግዚአብሔር ካብ ምሽቃል ዓዲ ክውዕል ኣይክእልን። ሎሚ ኣብ’ዚ ምሳኹም ኮይነ ኣብ ቅድሚ ኢየሱስ ተደፊኤ ምሳኡ ንክትወሃሃዱ በዚ ኸኣ ንቤተ ክርስትያንን ነሕዋትን ብምልኣት ብምውፋይ ንኣኡ ክትመስሉ ብፍቅሩ ልብኹም ከቃጽል ለሚነ፤ መንነት ካህን ምሕላው ንቤተ ክርስትያን መሠረታዊ ነገር ኢዩ እንክብሉ ብቅንኣት ነፍሳት ክቃጸሉ ኣዘኻኺሮም፤

ካብዚ ብምቅጻል ኣብነት ክኾንዎም ዝኽእሉ ብዙሓት ካህናት ብሰማዕትነት ዝሓለፉ ከምዘለው ምናዳ ኣብ ሲቺልያ ስለሓቂ ስለርትዒ ብቅንኣት ነፍሳት ልቡ ዝተቃጸለ ብማፍያ ብግፍዒ ዝተቀትለ ጉዳይ ብጽዕናኡ ዝጽናዕ ዘሎ ኣባ ፑኚሊሲ ዘኪሮም ኣብነቱ ክኽተሉ ሓደራ ቢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.