2010-10-02 16:05:11

ጉባኤ ሥድራ ቤትን መንእሰያትን ኣብ ካፓቺ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ ጽባሕ ሰንበት ኣብ ፓለርሞ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ክገብሩ ምዃኖም ኣብ ዝሓለፈ መደባትና ኣመልኪትና ከምዝነበርና ዚዝከር ኮይኑ፤ ምኽንያት ናይዚ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ፓለርሞ ንዚግበር ዞባዊ ናይ ሥድራ ቤትን መን እሰያትን መዛዘሚ ጉባኤ ንምስታፍን ምስ ተጋባእቲ ንምርኻብን ኢዩ፤

ከተማ ፓለርሞ ንቅዱስነቶም ክትቅበል ኣብ ትሸባሸበሉ ዘላ እዋን ትማሊ ኣብ ካፓቺ ትበሃል ከተማ ዞባዊ ጉባኤ ሥድራ ቤታትን መን እሰይን ስቺልያ ተከፊቱ፤ እዚ ጉባኤ እዚ ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ናይ ፓለርሞ ቅር ዓት ፖሊተኣማ ምስ ቅዱስ ኣቦና ብምርኻብ ኪዛዘም ኢዩ።

ዞባ ስቺልያ ብማፍያ ዝተጸገመ ወገን ኢዩ፤ በዓል ጥ ዑም ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ “ተነስሑ ተለወጡ ኣይምሰልኩም መለኮታዊ ፍርዲ ኣብ ር እሰኹም ክወርድ ኢዩ” ቢሎም ኣብ ወሽመጥ ናይ ተምፕሊ ኣብ ኣግሪገንቶ ሰበኾም ከምዝነበሩ ይዝከር፤ ሎሚ እውን እንተኾነ እዚ ዞባ እዚ ዓመጽን ደም ምፍሳስን ውሕስነት ምስኣንን ዋና መለለዪኡ ኮይኑ ስለዘሎ ኣብዚ ትማሊ ዝተጀመረ ዞባዊ ዋዕላ ‘ነዚ ፈተነዚ ንምሕላፍ ትብዓት የድሊ … ንመንእሰይ ብተስፋን ንተስፋን ምሕብሓብ’ ብዝብል ተማ ካብዚ ሒዝዎም ኣብ ፍርሕን ሻቅሎትን ውሕስነት ኣልቦን ንምሉእ እቲ ዞባ ሸሚሙ ንጎረባብቲ እውን ኣታሓሳሲቡ ካብ ዘሎ ዓዘቅቲ ክወጹ ብምሉእ ርእሰ ተኣማንነትን ተስፋን ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.