2010-10-02 14:08:03

ማኅበራውን ሰብኣውን ኤኮኖሚውን ድኽነት


ቅዱስ ኣቦና ካብቲ ንሓጋይ ኣብ ዕረፍቲ ካብ ዝርከቡ ኣብ ከተማ ካስተል ጋንደልፎ ዘሎ ሓዋርያዊ ሕንጻ ተፋንዮም ናብ ቫቲካን መንበር ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅድሚ ምምላሶምን ድሕሪ እቲ ብናይ ኣሲዚ መንፈስ RealAudioMP3 ብዝብል መሪሕ ቃል ተሰንዩ ካብ ዕለት 3 ክሳብ ዕለት ሓሙሽተ ጥቅምቲ 2010 ዓ.ም. ኣብ ስፐይን ከተማ ባርቸሎና ኣብዚ እዋን ቅልውላው ከም ሥድራ ቤትን ሕዝበ እግዚኣብሔርን ብሓባር ምንባር ብዝብል ኣርሥቲ ተሰንዩ ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ ኵለን ሃይማኖታት ዘጠቓለለ መደብ ናይ ሰላም ጸሎት መሰናደዊ ዝተኻየደ ናይ ኵለን ሃይማኖታት ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕቲ ዝተሳተፍሉ ናይ ሰላም ጸሎት ፍጻሜ፣ ማኅበራውን ሰብኣውን ኤኮኖሚያውን ድኽነት ዘማእከለ ርክብ ምስ ናይ ካቶሊክ ናይ ቅዱስ ኤጂዲዮ ማኅበር ላዕለዎት ኣካላት ከምዘካየዱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።

እቲ ርክብ ኣብ ኤውሮጳን ብጠቕላላ ኣብ ዓለም እቲ ዝተኸስተ ዓለም ለኻዊ ቅልውላው ቁጠባ ዘንቀሎም ሓደስቲ ማኅበራዊ ሕቶታት ዘማከለ ኮይኑ፣ ማኅበራውን ሰብኣውን ኤክኖሚያውን ቅልውላው ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ሓሳብ ንሓሳብ ብምልውዋጥ መሪሕ ቃል ቅዱስ ኣቦና ዝተውሃበሉ ርክብ ከምዝነበረ መግለጺ ቅዱስ መንበር ብምጥቃስ፣ ናይ ቅዱስ ኤጂዲዮ ማኅበር መሥራቲ ፕሮፈሶር ኣንድረያ ሪካርዲ፣ ናይዚ ካቶሊክ ማኅበር ሊቀ መንበር ማርኮ ኢምፓሊያዞን ናይ ማኅበር ቅዱስ ኤጂዲዮ ቤተ ክርስትያናዊ ጉዳይ ሓላፊ ዝነበሩ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ሰላምን ፍትሕ ድርገት ሊቀ መንበር ናይ ተርኒ ናርኒ ኣመሊያ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ቪንቸንዞ ፓሊያ ከምእተሳተፉ ማኅበርሰብ ቅዱስ ኤጂዲዮ ዝዘርግሖ ምንጪ ዜና የመልክት።

ማኅበር ቅዱስ ኤጂዲዮ ኣብ 10 ሃገራት ኣፍሪቃ “ድሪም” ብዝብል መርሃ ግብሪ መሠረት ብዘካይዶ ዘሎ ናይ ጸረ ኤይድ ወፈራ ልዕሊ 90 ሺሕ ዝግመቱ ብተኅዋስ ኤይድስ ንዝተለኽፉ ኣገልግሎት ሕክምና የቕርብ ከምዘሎን፣ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ዝውለዱ ሰለስተ ሕጻናት ኽልተ ዘይፍሉጣት ኮይኖም ኣብ ናይ ዝውለዱ ሕጻናት መዝገብ ኣስማቶም ዘይሰፍር ብምዃኑ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ዝውለዱ ሕጻናት ኣስማቶም ኣብ ናይ ዝውለዱ ስም መዝገብ ክሰፍር የነቓቕሕ ከምዘሎን በዚ መደብ’ዚ ድማ ዝውለዱ ሕጻናት ኣፍሪቃ ናይ ሕጻናት ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ክኽበረሎምን ሓላዋን ክንክን ጥዕናን ክረኽቡን ዘተባብዕ ምዃኑ ናይ ቅዱስ ኤጂዲዮ መግለጺ የመልክት።







All the contents on this site are copyrighted ©.