2010-09-29 18:13:03

እግዚአብሔር ንድኻታት የፍቅር


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ቅድሚ ትማሊ ኣብቲ ልሙድ ናይ መል ኣከ እግዚአብሔር ኣስተምህሮ ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ላቲናዊ ሥር ዓተ ኣምልኾ ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ምሳሌ ሃብታም ሰብ ኣይን ድኻ ኣል ኣዛርን ብምምርኳስን ኣቦ ድኻታትን ጠበቃ ድኻታትን ጽጉማትን ናይ ዝረድኣ ማኅበራት ዝኾነ ቅዱስ ቪንቸንስዮ ዘጳውሊ ዝኽሪ በዓል ኣመልኪቶምን ‘እግዚአብሔር ንድኻታት የፍቅሮም ኢዩ፤ ንዓና ከኣ ንካልኦት ክንረድእ ሓደራ ይብለና’ እንክብሉ ኣስተምሂሮም።

ንብጻይካ ብምርሳዕ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ብማለት ዝንበር ሕይወት ንነፍስና ክሳብ ትጠፍ እ የድርቃ ካብ ልቢ ዝመንጨወ ፍቅሪ ድኻታትን ንክትረድ ኦም ዚግበር ሠናይ ተግባር ግን ሕይወት ይህባ ዘለዓለማዊ ሕይወት እውን ከም እትረክብ ይገብራ፤ ነዚ ናይ ሃብታም ሰብኣይን ናይ ድኻ ኣልኣዛርን ታሪኽ ማንም ከይሰም ዖ ኪሓልፍ ኣይክ እልን፤ እንተፈነውን ኣይኮነሉን፤ ከመይ ብዛዕባ ሃብትን ናይ ሃብቲ ምድላብ መንገድን ኣይኮነን ዚምህር፤ ኣብዚ ምድሪ እዚ እንከሎና ናይ ዘለዓለማዊ ሕይወትና ወሳኒ ዝኾነ ነገራት ስለ እንገብር ግዜ ከሎና ግዜ ኣይትጸበ፤ ሎሚ ኣብዚ እንከሎኻ ገለ ነገር እንተዘይገበርካ ጽባሕ ምስ ሞትካ እተድሕኖ ስለዘየሎ ሃየ ጐይታ ዘር ኣየና መንገዲ እናሰዓብና ንጽባሕ ዝኸውን ነሰናዱ እናበለ ስለጭርሕ ነፍስወከፍ ፈትዩ ይኹን ከይፈተወ ሕልናኡ ስለዝኩሕኩሕ ይሰም ዖ ኢዩ፤ ስለዚ ሃየ ካብ ሎሚ ሠናይ ነገር ንግበር፤ ንድኻ ንርዳእ፤ ኣብነት ቅዱስ ቪንቸንስዮስ ንከተል፤ እንክብሉ እግዚአብሔር ንድኻታት ስለፍቅሮም ፍቅሪ ድኻታት ፍቅሪ እግዚኣብሔር ኢዩ እሞ ንብጾትና ብፍቅሪ ነገልግል ቢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.