2010-09-29 18:25:37

ብዓለ መስቀል 2003 ዓ.ም. (2010)


ንባባት፡ ፍሊጵ. 2፡6~11፥ 1ጴጥ 4፡1~12፥ ግ.ሓ. 2፡22~37፥ ዮሓ. 3፡13~17።

ስብከት፡ወወሃብኮሙ ትእምርተ ለእለ ይፈርሁከ ከመ ያምስጡ እምገጸ ቀስት ወይድኃኑ ፍርቁራኒከ። “ፍቑራንካ ካብ መገዲ ጥፍአት ምእንቲ ክድሕኑን ክምለሱን ምልክት ሃብካዮም”

አምላኽ ንሰብ ፍጥር ካብ ዘብሎ ጀሚሩ ሓልዮቱን ፍቕሩን አይፈለየሉን፥ አብ ብሉይ ኪዳን ንእስራኤላውያን ካብኡ ምስ ርሓቑ ብዝተፈላለየ መገዲ ናብኡ ይመልሶም ከምዝነበረ ነንብብ። ንአና እዋን አብኡ ክንምለስ ምእንቲ ዝተፈላለየ ምልክታትት በብእዋኑ ይገልጸልና ገለ እዋን ክንርድኦ ንኽእል ንኸውን ገለ እዋን ግን ይጽግመና ምርድኡ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሎሚ ዘኪርናዮ ዘሎና ብዓል ምስጢሩ አብ መስቀል ምማት ክገልጽ እንከሎ “ቃል መስቀል ነቶም ዚጥፍኡ ዕሽነት እዩ ንአና ነቶም እንድኅን ግና ኃይሊ አምላኽ እዩ. . . . በቲ ከም ዕሽነት ዚቝጸር ንሕና እንሰብኮ ወንጌል ከድኅኖም ደለየ. . . . ንሕና ግና ነቲ ንአይሁድ ዕንቅፋት ንአሕዛብ ከአ ዕሽነት ዝኾነ ዝተሰቕለ ክርስቶስ ንሰብኽ አሎና” ይብል። (1ቆሮ፡1፡18~25)

ዮሓንስ ወንጌላዊ ትርጉም መስቀል ክገልጽ እንከሎ “በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዘበለ ኹሉ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ክረክብ እምበር ከይጠፍእሲ አምላኽ ንወዱ በጃ ክሳብ ዚህብ ክንድዚ ንዓለም አፍቀሮ” (ዮሓ 3፡16~18)ይብል። መግለጺ ፍቕሪ አምላኽ አብ መስቀል ሞት ወዱ ኮነ። ደቂ አዳም ነቲ ዝተዋህበና ጸጋ ክንርድኦን ክንለብሶን ይከብደና፥ ዝገደደ ኸአ ዋጋ አይንህቦን አቃሊልና ንርእዮ። ብሞት ወዱ ሕይወት ዝተዓደልና ኢና።

እቲ ዝበለጸ መግለጺ ፍቕሪ አምላኽ ክርስትያን ክንከውን ጸግኡ ስለ ዝሃበና እዩ። ብጥምቀት አብ ባሕርይ አምላኽ ንአቱ ደቁ ንኸውን፥ ሓጢአት ተደምሲሱልና መሰል ውሉድነት ረኺብና ነዚ ብሉጽ ጸጋ አብ መስቀል ክርስቶስ ምእንታና ምስ ሞት ብዝያዳ ተገሊጹልና።

ዘኁልቅ 21 እሳራኤላውያን ካብ አምላኽ ስለ ዝዓለዉ ሞት አምጺኦም ፍረ ክሕደቶም መርዛማት አትማን ወረድዎም እሞ ብዙሓት ሞቱ፥ ሙሴ ልኡኽ አምላኽ ኮይኑ ምልክት ዝተሰቕለ ተመን ክገብር እሞ እቲ ምልክት ዝረአየ ከምዝድሕን ተነግሮም። ነቲ አብ ባላ ዝተሰቕለ ምልክት ተመን ዝረአየ ወላ እንተ ተነኽሰ ይሓዊ ነበረ፥ ካብቲ ዝተነኽሰ ዝድለ ምጥማት ጥራሕ እዩ። ሞት አብ ስቑል ተመን ብምርአይ ተሳዕረት። እዚ ኹሉ አብ ስቕለት ክርስቶስ ክብጽሕ ዝተዋህበ ምልክት እዩ። ጸጋ መስቀል ፍሉይ ውህበት ከም ንረክብ ይገብረና።

መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ፍሊጲስዩስ ነዚ ብብሩህ ከምንርድኦ ትገብረና። ጳውሎስ ርድኢት መስቀል ክገልጽ እንከሎ እቲ ናይ ሕፍረትን ወርደትን ዝነበረ ሞት አብ መስቀል ንአና ንእንአምን ክብርና ሓዲስ ሕይወትን ዘምጽአልና እዩ። እቲ ዝዓበየ ወርደት አምላኽ ሰብ ምዃኑን ናይ ባርያ መልክዕ ምውሳድን ብኹሉ ብዘይ ሓጢአት ንአና ምምሳሉ እዩ ይብለና። ንኹሉ ንደቂ ሰብ ክገጥሞም ዝኽእል ወርደትን ስቓይን ክቕበል ፍቓደኛ ኮነ፥ ንርእሱ አትሒቱ ተአዛዚ ኮነ። አብ መስቀል ሞት ንአና ዕርቂ ጥራሕ ዘይኮነ ሓዲስ መንነት አልቢሱና ደቂ አምላኽ ኮይና አሕዋት ክርስቶስን መዋርስቱን ኮና። ሞት መቕጻዕቲ ዘይኮነት ከፋቲት ድሕነት ኮይና። ንሞት ዝፈርሕ ክህልውነ አይግባእን ምኽንያቱ ብሞት ሕይወት ስለ ዝመጸና ሎሚ ናብ ሞት ገጹ ዘምርሕ ኩነት እንተ ገጠመና ክንሕጎስ ይግባእ ብመንጽር ሞት ክርስቶስ እንተ ረአናዮ እዚ ጥራሕ እዩ ኸአ ንጽንኩር ሞት ከረድአና ዝኽእል። ዓለም እንተ አፍቀረና ካብ አምላኽ ርሒቕና አብ መገዲ ዓለውቲ ንጉዓዝ አሎና ማለት እዩ ስለዚ ሎሚ መገድና ክንርኢ እሞ ክንምለስ ንሕተት አሎና። መስቀል መጠን ዝበርትዔን ዝኸበደን መጠኑ ኸአ ክብርን ዕብየትን አልኦ።

ዮውሓንስ ወንጌላዊ አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ኒቆዲሞስ ዝተባህለ ምኁር ሕጊ ብለይቲ ንአይሁድ ብምፍራሕን ብጽምዋ ክዕልል ብምድላይን ናብ ኢየሱስ ከም ዝመጸ ይነግረና። ምስጢርን ተልእኮ ኢየሱስ ክፈልጥ ብለይቲ ተጓዒዙ። ናብቲ ምንጪ ሓቂ ክርስቶስ ቀሪቡ ዘትኡ ጀሚሩ ምስጢር ድሕነት ክርዳእ። ትርጉም ድሕነት ክትርዳእ ክትፈልጥ እንተ ደለኻ” ከምቲ ሙሴ አብ በራኻ ብአስራዚ ንምልክት ተመን አብ ቅድሚ እሳራኤላውያን ዝሰቐሎ ከምኡ ወድሰብ ክስቀል አለዎ ነዚ እንተ አመንካ ሕይወት ዘለዓለም ክትወርስ ኢኻ ኢልዎ። ናይ ኢየሱስ ስቕለት ክሳራ አይኮነን እንታይ ድአ ድሕነት እዩ። ትርጉም እምነትና አብ መስቀል ዝተተሓሓዘ እዩ። ክርስቶስ ዘይሞተ ዘይተሰቐል እንተ ዝኸውን እምነትና ብላሽ ምኾነ ነሩ ስለዚ ናይ መስቀል ትርጉም ፍሉይ እዩ አብ እምነትና።

መስቀል ነቲ አብ ዕለተ ዓርቢ ስቕለት ዝተፈጸመ የዘኻኽረና። ከይንዝንግዕ ምእንቲ አብ ብዓላትናን ስርዓተ ልጢርግያታትናን አትዩ ንረኽቦ። አብ ኩሉ አብ አባይትና ግንባርና፥ ክዳውንትና እብ ዝርአ ምልክት ምስቀል ንገብር። አስማትና ምስ መስቀል ነትሓሕዞ።


መስቀል ዝለዓለ መግለጺ ባሕርይ አምላኽ እዩ። ሞቱ ክሳብ አብ መስቀል ዘርአየ አምላኽ ነቲ ዝለዓለ ርክቡ ንደቂ ሰብ በዚ ገሊጽዎ። አምላኽ ነቲ ኢሚንቲ ዝገበሮ ባሕርይ ሰብ ብሞቱ ናብ ዝለዓለ ክብሪ ክብ አቢልዎ። ሞት መድኅኒና ንአና ሕይወት ስለ ዘምጽአልና ሎሚ ኩልና እንአምን ነዚ ለቢስና ክንርከብ ግዱዳት ኢና። መስቀል ንዝሓየለ ጉዕዞ ክንዕጥቕ ይሕግዘና። አብ መስቀል ርእዩ ዝኸአል ዓወት ትንሣኤ ክርኢ አይጽግሞን እዩ። ንመስቀል ዘይሓዘ ሕይወት ክርስትያን አብ ትንሥኤ ክሳተፍ አይክእልን እዩ። መስቀል አብ ሕይወትና ፍሉይ ትእምርት አልኦ። መስቀልኩም ጸርኩም ዕለት ዕለት ስዓቡኒ ይብለና አሎ።


ኩሉ ዘራእቲ ክፈሪ ክመውት አልኦ ማለት አብ መሬት ተደፊኑ ዝበዝሔን ዝበለጸን ፍረ ምእንቲ ክህብ ንደፍኖ ይመውት ሽዑ ሓዲስ ፍረ ይበቁል። ናይ ክርስትያን ሕይወት ነዚ ምስቲ ብመስቀል ክመጻና ዝኽእል ጸጋ ክነወዳድሮ ንኽእል። አብ ታሪክ ክርስትና መከራ መስቀል እንተበዝሔ እምነት ቅድስና ክበዝሕ ይርኤ ሰባት ካብ መስቀል ርሒቖም ክነብሩ ከለዉ እምነት ይዝሕል ፍቕሪ ይጎድል ሰባት ንአምላኽ ብገንዘብ ይትክእዎ። መስቀል እምብአር አብ አምላኽ ዘቕርበና እሞ ንግዝያዊ ፈተናንን ጸበባን ሓሊፍና ከም እንኽእል ይገብረና። መስቀል ዘለለየ ሰብ ንአምላኽ ከም ዘለለየ እዩ። መስቀል ምስ ትንሣኤ ዝተተሓሓዘ እዩ። ዓርቢ ስቕለት ከየብዕላካ ፋሲካ ምብዓል አይግባእን እዩ። ዕለታዊ መስቀልና ናብ ክርስቶስ ከብጽሓን ይግባእ።


ኢየሱስ ንሓጢአትን ሞትን ብመስቀል ስዒሩ እዩ መንገዲ አምላኽ ዝኸፈተልና። ብመስቀል ንሓጢአት ንመውት ብመስቀል ከአ ናብ ሓዲስ ሕይወት አብ ክርስቶስ ንትንሥእ። መስቀል ደንጉይኒ መስቀል ዘይብሉ ሕይወት አይደልን ክንብል ዝሓሸ እዩ። ምኽንያቱ አምላኽ ንመገዲ ሰማይ ብመስቀል ገሩ እዩ አርእዩና። ንዝኾነ መስቀል ከቢድ ይኹን ፈ ኲስ ክንጸውር እምብአር ሓጎስ ስለ ዘምጽአልና ክንቅበሎ ፍቓደኛታት ክንከውን ይግብአና። መስቀል ኪቡዱኒ ኢልና ካልእ መስቀል እንተ ደለና ኩሉ ንሱ እዩ። አብ መስቀል ምቕያር ዝመጽእ ለውጢ የለን። መስቀልና አለሊና ክንወፍር ከሎና ዓወት ሰማይ ክንጎናጸፍ ኢና። ሎሚ ነዚ ክቡር ዕለት እምብአር መስቀለይ አበሎ እናበልና ንዘሎና መስቀል ጸወርቲ ክንከውን የግባእ።

ምሕረት ዝልማዱ አምላኽ ብመስቀል ወዱ ተዓሪቑና እዩሞ ሎሚ እውን ዕርቅኻ ሓድሰላን ሰላም አብ ግላውን ሓበራውብ ሕይወትና አውርደልና ንበሎ።

ንኹልና ብሩኽ ብዓለ መስቀል ይግበርልና!

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.