2010-09-29 18:15:13

ቅዱስ ኣቦና ናብ ሳንትያጎ ደ ኮምፖስተላን ባርሶለናን ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ መርኃ ግብር


 ካብ ዝመጽእ ወርኂ ኅዳር ዕለት 6 ክሳብ ዕለት 7 2010 ዓምፈ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ናብ ሳንትያጎ ደ ኮምፖስተላን ባርሶለናን ብምኻድ ናብ ስፓኛ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ክገብሩ ምዃኖም ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ሓቢሩ። ምኽንያት ናይዚ ሓዋርያዊ ምብጻሕ እዚ ዓመተ ኢዮቤል ናይ ቾምፖስተላኖ ከማኡ ናይ ቅድስት ሥድራ ቤተ ክርስትያን ኣብ ባርሰሎና ምዃኑ ምስ እዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ናይ ቅድስት መንበር ናይ ኅተመትን ዜናን ክፍሊ ከምዝገልጾ ቅዱስነቶም ቀዳም ንጋሆ ሰዓት 11፡3 ዕለት 6 ኅዳር ሳንትያጎ ብምብጻሕ ንንጉሣውያን ሥድራ ቤት ክረኽቡን ሰዓት 1፡00 ድኅሪ ቀትሪ ንካተድራል ናይቲ ዓዲ ብምብጻሕ ንነጋድያን ሰላምታ ከቅርቡ ምዃኖም የመልክትል፤ ኣብ ናይ ድኅሪ ቀትሪ ግዜ ቅዳሴ ናይ ዓመተ ኢዮቤል ኮምፖስተላኖ ኣብ ፕላዛ ደል ኦብራዶይሮ ናይ ሳንትያጎ ደ ቾምፖስተላ ቅር ዓት መሥዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ኢዮም። ኣብ ኣጋ ምሸት ናብ ባርሰሎና ተጓዒዞም ንጽባሒቱ ንጋሆ ሰዓት 10፡00 ኣብቲ ናይ ቡራኬ ቅዳሴ ናይ ሳግራዳ ፋሚሊኣ ቅድስት ሥድራ ቤተ ክርስትያን ክሠርዑ ኢዮም፤ ምስ ካርዲናልን ጳጳስን ስፓኛ ምሳሕ ምስ በልዑ ንኣላዪ ዘይብሎም ሕጻናት ዝተሓንጸ ሕንጻ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ክበጽሑ ኢዮም፤ ናብ መንበሮም ገጾም ዚጓዓዙሉ ኣጋ ምሸት ሰዓት 7፡15 ካብ ዓለም ለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ባርሰሎና ከምዝነቅሉ ተመልኪቱ ኣሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.