2010-09-25 15:23:29

ብዛዕባ ሱዳን ዝዝትይ ጉባኤ


ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ሕንጻ ብዛዕባ ጉዳይ ሱዳን ዝምልከቱ ሕቶታት ማእከል ዝገብርን፣ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ርእሰ ብሔር ባራክ ኦባማ ክሳተፍሉ ምዃኖም RealAudioMP3 ዝንገረሉ ጉባኤ ካብቶም ዝምልከቶም ኣዚዮም ኣገድስቲ ነጥብታት ሓደ እቲ ጥሪ 2011 ዓ.ም. ብውሳኔ ሕዝቢ መልሲ ክወሃበሉ ዝበሃል ናይ ደቡብ ሱዳን ነጻነት ዝብል ሓደን ኣገዳስን መርሃ ግብሪ ከምዝኸውን ተገሊጹ።

ኣቲ ኣብ ሱዳን ኣብ መንጎ ናይ ሰሜን ሱዳን ዓረባውያንን እቶም ናይ ደቡብ ክርስትያንን ኣብ ኵላኣዊ ነፍስነት ማለት ኅላዌ ነገረ ነስፍነት ኣብ ኩሉ ቢሎም ዝኣምኑ ዜጋታት ሱዳን ዝነበረ ግርጭት ሕድ ሕድ፣ ኣብ 2005 ብዝተፈጸም ናይ ሰላም ዘተ፣ ምኽንያት ብዝተበጽሔ ነተቃፉ ናይ ሰላም ስምምዕ ዳርጋ ደው ዝበለ እኳ እንተመሰለ፣ ናብ ካልእ መጠነ ሰፊሕ ሕድ ሕዳዊ ግጭት ክድርኽ እውን ስለ ዝኽእል፣ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ብዛዕባ እቲ ስንኩፍ ናይ ሰላም ስምምዕን እቲ ዕለት 21 ጥሪ 2011 ዓ.ም.ዝካየድ መደብ ውሳሄ ሕዝቢ ብዝምልከት ኣብ ደቡብ ሱዳን ናይ ሩምበክ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ቸሳረ ማዞላሪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እቲ ዝካየድ ውሳኔ ሕዝቢ ነቲ ናይቲ ከባቢ ውጥረትን ግጭት ዘወግድ ኢዩ ተባሂሉ ክንገረሉን፣ ብኻልእ መዳይ ድማ መንቀሊ ምስሕሓብ እናኾነ ከምዝረኤን ስለዚህ ንናይታ ሃገራ ሰላም ናይ ደቡብ ሱዳን ነጻነት መሠረት ኢዩ። እዚ ማለት ግን ቤተ ክርስትያን ናይ ደቡብ ሱዳን ነጻነት ትድግፍ ኢያ ዝብል ሓሳብ ከስምዕ ይኽእል፣ ትኽክል ድማ ኢዩ፣ ነባሪ ሰላም ክረጋገጽ ከምእትደልን፣ ሕዝቢ ሰላም ረኺቡ ብዘይ ጸቕጢ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድ ውሳኔ ተረጋጊጹሉ ብዘይ ፍርሒ ክነብር ከምእትመነ ዘመልክት ኢዩ፣ ነዚ ኢያ ድማ እትድግፎ። ሕዝቢ ደቡብ ሱዳን ነጻነት ኢዩ ሃረር ዝብል፣ ስለዚህ እቲ ሰላም ከተኣታትው ይኽእል ኢዩ ዝበሃል ቅኑዕ ድላይ ሕዝቢ ኢያ እትድግፍ ኢሎም።

ነጻነት ደቡብ ሱዳን እንተድኣ ተረጋጊጹ ክልትኤን ሃገራት መንግሥታዊ ቅርጸን ጽኑዕ ገይረን ከቑማ ኢየን ዝብል ግምት ኣሎ። ኣብ ጉዳይ ኤኮኖሚ ዓቢ ጽልዋ ከምዝህልዎን ከማኡ ድማ ኣብቲ ዓረባዊ ሱዳን ዝበሃል ተኸታሊ ምስልምና እምነት ናይ ብዙሃን ዝኾነሉ ከባቢ ስለ ዝኾነ ኣብኡ ማኅበራውን ሃይማኖታውን ጽልዋ ከሕድር ዝከኣል ኢዩ። ደቡብ ሱዳን 60 ካብ ሚእቲ ኣብ ኵላኣዊ ነፍስነት ማለት ኅላውዌ ነገረ ነፍስነት ኣብ ኩሉ ቢሉ ዝኣምን እውን እንተኾነ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ዝድግፍ ኩነት ክፈጥር ኢዩ ዝብል ግምት እውን ኣሎ።

ኣብ ኅብረት ኣፍሪቃ ናይ ደቡብ ሱዳን ነጻነት ብእማኔ ዝጥምተኦን ከም ሥግኣት እውን ዝርእየኦ ሃገራት ኣለዋ፣ እዚ ግን ድሕሪ እቲ ውሳኔ ቀስ እናበለ መልሲ ዝረክብ ጉዳይ ኢዩ። ብዓንተውኡ ተስፋ ከተንብረሉን ከም ሥግኣት ክትርእዮን ባህርያዊ ኢዩ፣ ናይ ሕዝቢ ጽቡቕ ድላይን ርእሰ ውሳኔን ባዕሉ መልሲ ዝህበሉ ጉዳይ ኢዩ ኢሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.