2010-09-25 15:27:23

መዋቕር ኤኮኖሚ ዓለም ክሕደስ


እቲ ኣብ ትሕቲኡ 349 ዝተፈላለያ ናይ ኦርቶዶስክስ ፕሮተስታንትን ኣንግሊካንን ጴንጤቆስጠን ወንጌላውያን ኣቢያተ ክርስትያን ዝሓቁፍ 550 ወከልቲ ዝርከብዎ ዓለም ሓቆፍ ናይ መላእ ኣቢያተ ክርስትያን RealAudioMP3 ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ መጋቢ ኦላቭ ፍይክሰ ትቨይት ቅድሚ ትማሊ ብምኽንያት እቲ ኣብ ኔውዮርክ መደብ ልምዓት ሚለኒዩም ኣማእኪሉ ዝዝቲ ዝነበረ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ መሠረት ናብ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ዋና ጸሓፊ ባን ኪ ሙን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፦ እቲ ብሕቡራት መንግሥታት ዓለም ዝተሓንጸጸን ክሳብ 2015 ዓ.ም. ገቢራዊ ክኸውን ትጽቢት ተነቢርሉ ዘሎ መደብ ልምዓት መዋቕር ዓለም ለኻዊ ኤኮኖሚ ብምሕዳስ ጥራሕ ኢዩ ዝረጋገጽ ከምዝበሉ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ትማሊ ሕትመቱ ሓቢሩ። ድኽነት ንምውጋድ ምኽንያት ድኽነት ምምሓው ከምዝግባእ መጋቢ ፍይክሰ ትቫይት ገሊጾም፣ ከምዚ እንተድኣ ዘይኮይኑ፣ እቲ ፍትሒ ንምስፋሕ ኣሚቱ ዝተሓንጸጸ መደብ፣ ኅዳሴ ክረጋገጽ ማለት ዘይሕሰብ ኢዩ ከምዝበሉ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበር ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.