2010-09-23 14:58:21

ዓለም ሓቆፍ ማኅበር ካቶሊካውያን ጋዜጠይናታት


ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቡርኪናፋሶ ርእሰ ከተማ ኡጋዱጉ ዓለም ሓቆፍ ማኅበር ካቶሊካውያን ጋዜጠይናታት መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ኣገልግሎት ሰላምን ፍትሕን ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ RealAudioMP3 ካብ ዕለት 13 መስከረም 2010 ዓ.ም. ጀሚሩ ዘካየዶ ዓለም ሓቆፍ ኣኼባኡ ብዝሓለፈ ሰሙን ከምዝተዛዘመ እንክፍለጥ። እቲ ናይ ካቶሊክ ምእመናን ጋዜጠይናታት ዓለም ሓቆፍ ማኅበር ዓለም ለኻዊ ጉባኤኡ ኣብ ኣፍሪቓ ከካይድ እቲ ኣብ ቡርኪናፋሶ ዘካይዶ ንፈለማ ከምዝኾነ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።

እዚ ክሳብ ዕለት 15 መስከረም 2010 ዓ.ም. ዝተኻየደ ጉባኤ ካቶሊክ ምእመናን ጋዜጠይናታት ኣብ መንጎ ጋዜጠይናዊ ሞያን ክርስትያናዊ ሕይወትን ዘሎ ርክብን፣ እቶም ጋዜጠይናታት ከም መጠን ክርስትያን ምእመናን ብሞያኦም ንፍትሕን ሰላምን ዘበርክትዎ ኣስተዋጽኦ ዘማእከለ ምይይጥ ከምዘካየደ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ብምቕጻል ብድረ ገጽ ዝትግበር ጋዜጠያናዊ ሞያን ኣብ ሰላምን ፍትሕን ቅኑዕ መንግሥትን መርሕነት ክህሉ ዘበርክቶ ኣስተዋጽኦ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ናይቲ ማኅበር ሊቀ መንበር ቤርንሃርድ ሳስማንን ናይ መራኸቢ ቡዙሃን ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ክላውዲዮ ማሪያ ቸሊ ኣከታቲሎም ዘረባ ከስምዑ ክንገር እንከሎ፣ ብፁዕነቶም ኣብቲ መበል 22 ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ማኅበር ካቶሊካውያን ጋዜጠይናታት ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ነተጋባእያን ዘመሓላለፍዎ ናይ ሰላምታ መልእኽቲ ኣቕሪቦም ኣብ ሰስምዕዎ ዘረባ እቲ እቲ ካብ ዕለት 4 ጥቅሚት ክሳብ 25 ጥቅምቲ 2009 ዓ.ም. ኣብ ቫቲካን ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ካልኣይ ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ኣፍሪቃን ቅዱስ ኣቦና ኣብ 2009 ዓ.ም. ሰላም ንምሕናጽ ድኽነት ምውጋድ ብዝብል ኣርእስቲ ዘተሓላለፍዎ ናይ ሰላም መልእኽቲ ጠቂሶም፣ ጋዘጠይና ብቓልን ብሕይወትን ዝሓንጽ፣ ሓናጺ ኅብረሰብ ኢዩ ከምዝበሉን። ጋዜጠይና ካቶሊክ ምእመን ኩነታትን ሓበሬታን ዜናታትን ብዓይኒ እምነት ዘረድእን ዝትንትንን ርእይቶ ዝህብ ኢዩ። እምነተይ ይጽናሓለይ ዝበሃለሉ ተልእኾ ከምዘይኮነን ንናይ ማኅበራውን ሰብኣውን ሕንጸት ዝድግፍን ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ክምዕብል ዘተባብዕን እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ኣብ ዓለም ሓቆፍ ማኅበራትን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብሓዋርያዊ ልኡኻታ ገይራ እተቕርቦ ሓሳብ ዘቃልሕ ኢዩ ከምዝበሉ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት የዘኻኽር፣ ብፁዕነቶም ድሕሪ እቲ ኣኼባ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ኣብ ኣፍሪቃ ዝተኻየደ ምንባሩ ንናይ ኣፍሪቃ ህሉው ሃይማኖታውን ማኅበራውን ፖለቲካውን ቁጠባውን ጭቡጥ ኩነታት ብቐረባ ንኽርኤ ደጊፉ ኢዩ፣ ኣብዚ ናይ ኡጋዱጉ ኣኼባ ንፈለማ ግዜ ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ዝርከባ ናይ ካቶሊክ መራኸቢ ብዙሃን ጋዜጠይናታትን ልኡኻትን ከምዝተሳተፉን ገሊጾም፣ ዝለዚህ ኣፍሪቃ ብቐጥታ ዝተዋሳእትሉ መድረኽ ኢዩ ኔሩ ኢሎም። ምእንቲ’ዚ ንናይ ኣፍሪቃ መራኸቢ ብዙሃን ምዕባለ ዓቢ ተራ ዘለዎ ጉባኤ ኢዩ። እዚ ኢዩ ድማ እቲ ኣኼባ ብዙሓት መራኸቢ ብዙሃን ታሪኻዊ ቢለን ንኽገልጽኦ ዝደረኸ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከባ ናይ ዝተፈላለዩ ናይ ካቶሊክ ልኡካነ ወንጌል ማኅበራት ዘመሓድረኦ ናይ ካቶሊክ መራኸቢ ቡዙሃን ጉባኤ ኣብ ኬንያ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ከምእተኻየደ እውን ዘኪሮም፣ ናይ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን መራኸቢ ብዙሃን ኣፍሪቃ ታሪኻን ህልው ኩነታታን ዘለዋ ሽግራትን ምዕባሌታታን ኣብ መላእ ዓለም ክቃላሕ ዝገብር ከምዝኾነ ዘይከሓድ ሓቂ ኢዩ። ንኣፍሪቃ ብዓይኒ ኣፍሪቃ ክትርኤ ዝነቓቕሕ እምበር ከምቲ ካልኦት ናይ ምዕቡላት ሃገራት መራኸቢ ብዙሃን ዝኽተለኦ ሽግራትን ውጥረታትን ድኽነትን ብጠቕላላ ብዛዕባ ኣፍሪቃ ብናይ ገዛእ ርእሰን ኣመለኻኽታን ድላይን ረብሓን ሚዛን ዝገልጸኦ ኣይኮነን ኢሎም። ኣፍሪቃ ብዛዕባኣ እትዛረበሎም መራኸቢ ብዙሃን ኣዚዮም ኣገዳስቲ ምዃኖም ኣረዲኦም እዚ ድማ እቶም ናይ ካቶሊክ መራኸቢ ብዙሃን ዝኽተልኦ ሜላ ኢዩ ኢሎም።

ኣብቲ ኣብ ኡጋዱጉ ዝተኻየደ ኣኼባ ናይ ሬፓብሊካዊት ቡርኪናፋሶ ርእሰ ብሔር ዝርከብዎም ላዕለዎት ናይ መንግሥትን ኣካላትን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ላዕለዎት መንፈሳውያን መራሕትን እውን ዝተሳተፍሉ ከምዝነበረን ሓቢሮም፣ እዚ ድማ እቲ ኣኼባ ክሳብ ክንደይ ታሪኻውን ዓቢይ ትርጉምን ዘለዎን ዓሚይቕን ኣገዳስን ምዃን ዝምስከር ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.