2010-09-23 15:00:49

ብፁዕ ኣቡነ ቶማሲ፣ ሚዛን ምዕባለ ናይ ሓደ ሥልጣኔ ምኽባር መሰልን ፍቓድን ኢዩ


ኣብ ጄነቭ ዝርከብ ኣብ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ናይ ሰብኣውን መሰልን ፍቓድን ዝሓሊ ማኅበር ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ብፁዕ ኣቡነ ሲልቫኖ ማሪያ ቶማሲ ናይዚ ማኅበር ጠቕላሊ RealAudioMP3 ቤት ምኽሪ ብዛዕባ ዋንነት ኣእምሮኣዊ ክእለትን/ ምህዞን ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ተሰንዩ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ምኽባር ዋንነት ኣእምሮኣዊ ክእለትን ሊቅነትን ምህዞ ምርምርን እቲ ናይ ሕቡራት መንጋሥታት ዓለም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ውሳኔ ካብ ዘመልክቶም ሓደ ነጥቢ ምዃኑ ጠቒሶም፣ ኣብ ድኻታት ሃገራት ዝጭበጡ ናይ ስነ ምርምር ተበጽሖታት ንገዛእ ርእሰን ረብሓ ኣክንዲ ዝውዕል ናብ ምዕቡላት ሃገራት እናሰገረ ብኣኣተን ተወኒኑ፣ ከም በዓል ቤት ኮይነን ኣብ ዕዳጋ ናይ መሸጣ ዋጋኡ እናተመና ወነንቲ ኮይነን ዝካይድኦ ናይ ምዝመዛ ተግባር፣ ነቲ ናይ ዋንነት ኣእምሮኣዊ ክእለት ክኽበር ዝብል ናይ መሰልን ፍቓድን ውሳኔ ዝግህስ ኢዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ይሕብር።

ናይ ዝኾነ ይዅን ዓይነት ምርምርን፣ ስነ ጽሑፍን ስነ ጥበብን ደራሲ፣ ናይ ደራሲ መሰሉ ክኽበር ይግባእ ዝብል ውሳኔ፣ ንምዕባለ ዝድግፍ ምዃኑ ኣረዲኦም፣ እዚ መሰል እዚ ብማዕረ ኣብ ኵለን ሃገራት ክኽበር ኣለዎ። ናይ ገለ ገለ ድኻታት ሃገራት ተመራመርቲ ናይ ዘቕርብዎ ናይ ምርምር ስነ ሓሳብ ብቐጥታ ወነንቱ ክነሶም፣ ዜጋታት ድኻታት ሃገራት ስለ ዝኾኑ፣ እቲ መሰሎም ብሃብታም ሃገራት ክገሃስ ይርኤ ቢሎም፣ ነተን ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ሃብቲ መደለቢ እናኾነን ነዚ ዝድግፉ ሕግታት ተር ብምባል፣ ዝግበር ኣሰራርሓ ጸረ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድ ውሳኔ ኢዩ።

ዝኾነ ይዅን ናይ ስነ ምርምር ተበጽሖ ተጠቃሚ ማኅበርሰብ ዓለም ኢዩ ክኸውን ዘለዎ። ስለዚህ እቲ ናይቲ ዝተበጽሔ ስነ ምርምር ማለት ናይ ኣእምሮ ክእለት ድኻታት ሃገራት፣ ተመሊሱ ንዓኤን ዝንጽል ወይ ድማ ብሕጊ እናተኸወለ ክጥቐማሉ ከምዘይክእላ ምግባር ጸረ ሰብኣውን ጸረ ልምዓትን ኢዩ። እቲ ዝተበጽሔ ስነ ምርምር ዝህቦ ውጽኢት ከምቲ ብዙሕ ግዜ ዝርአ ኣብ ሕሉፍ ናይ መኽሰብ ህርፋን ተመሥሪቱ ኣብ ዕዳጋ ክቐርብ የብሉን፣ ስለዚህ ኣብ ርትዓዊ መኽሰብ ዝኣምን ናይ ኤኮኖሚ ከይድ ዝኽተል ኸውን ይግባእ ኢሎም።

ናይ ስነ ምርምር ክእለት ዘቕርቦ ሓሳብ ኣብ ተግባር ንምውዓል ብቑዕ ናይ እደ ጥበብ ምዕባለ ወሳኒ ኢዩ። ስለዚህ ኣቲ ኣብ መንጎ ዝማዕበላን ኣብ ጎዳና ምዕባለ ዝርከባን ሃገራት ዘሎ ናይ እደ ጥበብ ምዕባለ ፍልልያቱ ኣዚዩ ሰፊሕ ኢዩ። ምእንቲ’ዚ ድኻታት ሃገራት ክድገፋን ናይ እደ ጥበብ ምዕባለ ተካፈልቲ ክኾናን ምትብባዕን ምድጋፍን የድሊ ቢሎም፣ እተንድ ድኻታት ሃገራት ናይ ትምህርትን ሕጽነትን፣ ናይ ኢንዳስትሪ ባህሊ ተሳተፍትን ናይ ስልጡን እደ ጥበብ ተጠቀምቲ ምዕባለ ኢንዳስትርን እቲ ብዙሕ ጊዜ ኣብ ዘለወን ናይ ስነ ምርምር ተቛማት ዝርኤ ዝጭብጠኦ ናይ ስነ ምርምር ክእለትን ምሕዞን ኣብ ዕዳጋ ናይ ምቕራብ ትሑት ዓቅምን ወይ ድማ ዘይዋስእ ኮይኑ ስለ ዝርከብ፣ ናይ ስነ ምርምር ማእከላት ነቲ ሽግር ተጠቂመን ናይተን ድኻታት ናይ ስነ ምርምር ማእከላት ዝበጸሐኦ ምሕዞ ንምውናን ካብ ዝወስዳኦ ስጉምትን ፈተና ተላቒቐን ናይተን ናይ ድኻታት ሃገራት ናይ ስነ ምርምር ተቛማት ደገፍትን ኣማዕበልትን ኮይነን ክርከባ ይግባእ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ይሕብር።







All the contents on this site are copyrighted ©.