2010-09-23 16:15:00

ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዓባይ ብሪጣንያ ቅዱስ ኣቦና፡ ኤውሮጳ ነፍሰ ክርስትያን ከምዘለዋ የረጋግጽ፤


 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ናይ ትማሊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሶሙናዊ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብዚ ዚሓለፈ ሶሙን ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዓባይ ብሪጣንያ ዕውት ከምዝነበረን ከምዘዕገቦምን ኣገንዚቦም፤ ኣተሓሒዞም ከኣ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዓባይ ብሪጣንያ ኤውሮጳ ነፍሰ ክርስትያን ከምዘለዋ የረጋግጽ፤ እንክብሉ እዚ ሎሚ ብ ዓለማውነትን ጸረ ክርስትናን ተባሒቱ ዘሎ ዝመስል ኤውሮጳ ገና ተስፋ ክርስትና ከምዘለዎ ገሊጾም።

ቅዱስነቶም ትማል ኣብ ዝሃብዎ ትምህርቲ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ሮማን ኩሉ ዓለምን ብዝተኣከቡ ም እመናንን ነጋድያንን ካብ ጻት ናብ መሊኡ ነበረ፤ ብጸሎተ ቡራኬ ነቲ ጉባኤ ትምህርቲ ምስ ጀመሩ ካብ መል እኽቲ ጳውሎስ ናብ ዕብራውያን 13፡7 ‘ነቶም ቃል ኣምላኽ ዚሰበኩልኩም መራሕቲ ዘክርዎም፤ ከመይ ኢሎም ከም ዝነበሩን ከም ዝሞቱን ኣስተው ዒልኩም ኣሰር ኣሰር እምነቶም ስ ዓቡ፤ ኢየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለዓለም ንሱ ኢዩ፤ በብ ዓይነቱ ብዝኾነ ጋሻ ትምህርቲ ኣይትስሓቱ፤ በቲ ነቶም ዝሰዓብዎ ሓንቲ ዘይጠቅሞም ናይ መብልዕ ሥር ዓት ዘይኮነስ፤ ልብኹም ብጸጋ እንተጸን ዔ ሠናይ ኢዩ’ ዝብል ተነቢቡ።

ብድሕሪዚ ቅዱስነቶም ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ታሪኻዊ ጽ ዑቅን በብጣዕሚ ጽቡቅን ከምዝበረ በዚ ምብጻሕ እዚ ከኣ ውርሻ ክርስትና ኣብቲ ሃገር ገና ሓያል ከምዝኾነን ኣብ ዝኾነ ጽፍሒ ናይቲ ሕብረተሰብ ሕያው ከምዝኾነ ከምዝተገንዘቡ ገሊጾም። ልቢ ሕዝቢ ዓባይ ብሪጣንያን ኩነቶምን ን እግዚአብሔር ክፉታት ምዃኖምን ነዚ ከኣ ብዝተፈላለየ መል ክ ዕ ኣብ ሃይማኖታዊ ኣነባብሮኦም ከምዝረአ ገሊጾም።

ቀንዲ ምኽንያት ጉዕዞኦም ንካቶሊካውያን ከጽንዑ እኳ እንተኾነ ምስቶም ካቶሊካውያን ይኹን ምስ መላእ ሕዝቢ ዓባይ ብሪጣንያ ልቢ ንልቢ ክዋስኡ ከምዝኸኣሉን ብሓቂ ፈርያም ምብጻሕ ከምዝነበረን ነተን ዝበጽሕወን ኣብያተ ክርስትያንን ዝተራኸብዎም መንግሥታውያንን ሃይማኖታውያንን መራሕትን ዝተዘራረቡሉ ዛዕባን በብሓደ እናጠቀሱ ዘርዚሮም። በዚኸስ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝረገጹሉ ጊዜ ኣብ ስኮትላንድ ምስ ንግሥቲ ኤልሳቤጥ ካብ ዝተዋሥ ኡሉ ጀሚሮም ክሳብ ብቀዳማይ ሚኒስተር ደይቪድ ካመሮን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ዝተገብረሎም ናይ መፍነዊ ድንቂ መደረ ሓቢሮም።

ኣብቲ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ኣብ ግላስገው ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝተሰመዖምን ዘሕለፍዎ መል እኽትን ምልስ ቢሎም ከኣ፤ ‘ኣብቲ ብጥንቃቄ ዝተኣከብናሉ ሥርዓተ ኣምልኾን ኩልና ብዝተሳተፍናሉ ጸሎትን መሠረታዊ ናይቲ ዓዲ ጥዑምን ልብኻ ዘነቃቅሕን ዜማ ዝተሰነየ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝሰበኽክዎ ሓቀኛ ስብከተ ወንጌል ነቲ ባህልን ልምድን ሰቢኽካ ክትልውጥ ብሕልፊ ኣብዚ ን ኣይ ይጥ ዓመኒ ዝሕመረቱ ኩሉ ተዛማዲ ኢዩ ዚብል ትምህርቲ ነቲ ዘይልወጥ ሓቅነት ባህሪ ሰብ ከይተረፈ ከጸልምት ዘንጸላሉ ዘሎ ወንጌል ክርስቶስ ከምብሓዲሽ ብምስባኽ ክርስትና ከተልብሶን መንፈስ ዘለዎ ባህሊ ክትገብሮ ግድን ምዃኑ ጠቂሰ’ ቢሎም። ምስ ተመሃሮ ኣብ ዝተራኸቡሉ እዋን እውን መን እሰይ ኣብ ግዝያዊ ነገራት ብምትኳር ሓጐስን ዕግበትን ካብ ድሩት ነገራት ሃሰው ክብሉ ግዜኦም ከየሕልፉ ሓደራ ብማለት ‘ሓቀኛ ሓጐስ ኣብ እግዚአብሔር ጥራሕ ከምዝርከብ’ ከምዝመሃሩ ካማኡ እውን ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃይማኖት ከምዝተመያየጡ ኣመልኪቶም፡ ቀንዲ ግን ኣብ መንግሥታዊ ኣደራሽ ወስትሚኒስተር ምስ ሰበ ሥልጣን ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝተራኸቡሉ ከም ታሪኻውን ዘይርሳዕን ኣጋጣሚ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፤ ‘ኣብቲ ብጣዕሚ ክቡር ዝኾነ ቦታ ሃይማኖት ንሓገግቲ ኣካላት መፍትሒ ዘድልዮ ግድል ኮይኑ ኪቀርብ የብሉን፤ እንታይ ደኣ ኣብ ታሪኻዊ ጉዕዞን ሕዝባዊ ክትዕ ሓንቲ ሃገርን ብሕልፊ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ሕይወት ማኅበርዊ ናብራ ዝግበሩ ምርጭታት ቀንድን ኣድላይን ዝኾነ ሞራላዊ መሠረት ኢዩ’ ቢሎም።

ቅዱስነቶም ንኹሉ ብምድፍናቅን ኣድናቆትን ብምዝካር ሓደ ካብ ሓደ ዚበልጽ ተመኩሮ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዓባይ ብሪጣንያ ገለጻ ብምቅጻል እቲ ንነዊሕ እዋን ዛሕቲሉ ዝጸንሐ ምስ ኣንግሊካውያን ናይ ዘሎ ሓድነት ኣብያተ ክርስትያን ምንቅስቃስ ሓዲስ ሕይወት ዝሃበ ምስ ናይ ካንተርበሪ ሊቀ ጳጳስን ኣቡናቶምን ኣብ ገዳም ወስትሚኒስተር ዝገበርዎ ዘተ ኣመልኪቶም ከኣ ‘ኩሎም ብ ዓቢ ወንን ኒሕን ናይ ሓዲስ ዘመን ተዋሳእቲ ብምዃን ንሓድነት ኣብያተ ክርስትያን ን ኣገልግሎት ወንጌል ለጋሣት ብምዃን ተባዕ ምስክነቶም ክህቡ ንምትሕብባር ድልዋት ምዃኖም ብግብሪ ኣርእዮም’ እንክብሉ እዚ ርክብ እዚውን ኣፍራይን ሃናጽን ከምዝነበረ ዘኪሮም ብሕልፊ እቲ ብሕብረት ምስ ዓሚቊ እምነትን ስም ዒትን ዝጸለይዎ ዓቢ ምስክርነት ከምዝኾነ ገሊጾም።

ኣስ ዒቦም ምስቶም ናይ ሓድሓደ ውለደ ክህነት ናይ ዓመጽ ግዳይ ዝኾኑ ብምርኻብ ዝሃብዎ ቃለ ምፅጽንናዕ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፤ ‘ምስ ኣንግሊካውያን ዝነበረ ዘተ ምስ ፈጸምኩ ሓጺር ጊዜ ኣካባቢ ቤተ ክርስትያንን ትካላትን ኣብ ኣገልግሎት ውሑስ ንምግባር ምስ ዝሠርሑ ወለንታውያን ብምርኻብ እዚ ተግባርዚ ንቤተ ብፍሉይ መንገዲ ኣብ ግብረ ተል እኮ ኣድላዪ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ፤ በቲ ዝገብርዎ ኣገልግሎት ኣመጊነዮም፤ ኣብቲ ናይ ትምህርትን ሕንጸንትን ናይ ሓዲስ ወለዶ ዝኾነ ነዊሕ ታሪኽ ዘሎ ልማድ ቤተ ክርስትያን ነዚ ኣገልግሎት ንክቅጽልዎ ኸኣ ኣተባቢዔዮም’ ቢሎም።

ኣብ መደምደምታ ሕመረት ናይዚ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዝኾነ ብጽ ዕና ኒው ኣመልኪቶም ኣብ ድሮኡ ዝነበረ ንመንፈስካ ኣሓዲሱ ልብኻ ዝምስጥ ኣብ ሃይድ ፓርክ ዝተገብረ ጸሎተ ዋዜማ ምስ ካብ ኩሉ ቦታ ዝተኣከቡ ብ ኣማእት ኣሽሓት ዝቁጸሩ ም እመናን ብ ኣካል ምስ ሚልዮናት ሕዝቢ ዓለም ከኣ ብተለቪዥንን ኢንተርነትን ረድዮን ከምዝተሳተፉ ገሊጾም። ‘መን እሰይ ብብዝሒ ዝተረኽብሉ ማዕበል ሕዝቢ ናይቲ መንፈሳዊ መል እኽቱ ‘ናይ ሕልና መንገዲ ኣብ ኣነነት ምዕጻው ዘይኮነ ልብኻ ምርሓው ሕይወትካ ምልዋጥ ነቲ መንገድን ሓቅይ ሕይወትን ዝኾነ ምእዛዝ’ ኣብ ኪጠቃለል ዚኽእል ሊቅን ኣማንን ዝኾነ ዘንጸባርቅ ናይ ካርዲናል ኒውማን ትምህርትን መንፈስን ሓሳብን እንደገና ኣበራቢረ’ እንክብሉ ትምህርትን ሕይወትን ብጹዕ ኒውማን ክንክተሎ ዘሎ ናይ ዘመንና ብሩህ ኮኸብ ስለዝኾነ ነዚ ህቡብ ጸሓፍይን ገጣምን ንእግዚአብሔር ብ ዕምቈት ዚፈልጥ ሰብዚ በቲ ገና ነዚ ጊዜና እውን ብቁ ዕ ዝኾነ ጽሑፋቱ ክንፈልጦን ከነፈልጦን ሓደራ እንክብሉ ትምህርቶም ምስ ዛዘሙ፤ ኣብዚ ቅንያት እዚ ኣብ መንጎ ካቶሊካውያንን ኦርቶድክስን ኣብ ቭየና ዝካየድ ዘሎ ናይ ሓድነት ኣብያተ ክርስትያን ጉባኤ ጽቡቅ ውጽ ኢት ንክህልዎ ነዚ ዚስ ዕብ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፤ ‘ንፍቃድ ጐይታናና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእዛዝን ኣብ ቅድሚ ክርስትናና ቈይሞም ዘለው ጸገማትን ንምሉእ ሓድነት ኣብያተ ክርስትያናት ተዓጢቅና ክንሰርሕ ይቅስቡና፤ ምእንቲ ኣብ ቪየና ተጋቢኦም ዘሎው ናይ ኣብያተክርስትያናትና ኮሚሽንን ክትጽልዩ ሓደራ፤ ከማኡ እውን ኣብ መንጎ ዝተጠምቁ ኩሎም ስምምዕ ክነግሥ ብቀጻሊ ምዕባሌን ናይ ሰላም ጽንዓትን ንዓለም ቅኑዕ ወንጌላዊ ምስክርነት ክንህብ ምእንቲ ክንክእል ክትጽልዩ ሓደራ እብል፤ እንክብሉ ምስቶም ኣብ ቅር ዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ዝነበሩ ነጋድያንን ም እመናንን ብሓባር ኣቡነ ዘበሰማያት ብላቲን ኣዚሞም ሓዋርያዊ ቡራኬ ብምሃብ ናይ ዕለቱ ትምህርቲ ዛዘሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.