2010-09-23 16:13:10

ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ፓለርሞ፡ ደቡብ ዓዲ ጣልያን


ናይ ኅትመትን ዜናን ክፍሊ ቫቲካን ኣብ ናይ ትማሊ መግለጺኡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ንዝመጽ ዕለት 3 ጥቅምቲ 2010ዓም ብምኽንያት ዞባዊ ጉባኤ ቤተ ክርስትያን ናይ ሥድራን መን እሰያትን ምኽንያት ብምግባር ንፓለርሞ ደቡብ ዓዲ ጣልያን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ክገብሩ ምዃኖም ኣመልኪቱ። በቲ መደብ መሠረት ቅዱስነቶም በቲ ዕልት እቲ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት 8፡15 ካብ ዓለም ለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ቻምፒኖ ክነቅሉ ኢዮም፤ ድሕሪ ሓደ ኣቢሉ ኣብ ብስም ብማፍያ ዝተቀትሉ ደያኑ ፋልኮንን ቦርሰሊኖን ዝተሰምየ ን እሽቶ መዓርፎ ነፈርቲ ክዓልቡ ኢዮም፤ ሰዓት 10፡00 ምስ ሕዝቢ ፓለርሞ ሰላምታ ተለዋዊጦም ሰዓት 10.30 መሥዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ብድሕሪኡ ከኣ ጉባአኤ ኣስተምህሮ መል ኣከ እግዚአብሔር ኣቅሪቦም ጸሎተ መል ኣከ እግዚኣብሔር ክመርሑ ኢዮም። ብድሕሪኡ ምስ ጳጳሳት ስቺልያ ክምስሑ ኢዮም፤ ኣብ ናይ ኣጋ ምሸት መደቦም ሰዓት 17፡00 ድሕሪ ቀትሪ ምስ ካህናት ሰበኻን ገዳማያንን ገዳማውያትን ተመሃሮ ዘር ኣ ክህነትን ኣብ ካተድራል ናይታ ዓዲ ክራኸቡ ኢዮም። ሰዓት 18፡00 ምስ መን እሰያት ናይቲ ዓዲ ኣብ ቅር ዓት እቲ ዓዲ ክራኸቡ ኢዮም። ኣማስያኦም ሰዓት 19፡15 ንሮማ ገጾም ክብገሱ ሰዓት 20.45 ሮማ ክ ኣትው መደብ ወጺኡ ኣሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.