2010-09-21 15:54:44

ሰላምታ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 16 መስከረም 2010 ዓ.ም. እቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣኒያ ዘካየድዎ መበል 17 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዕለት 19 መስከረም 2010 ዓ.ም. ዛዚሞም RealAudioMP3 ብነፋሪት ተጓዒዞም ናብ ቫቲካን ሓዋያዊ መንበሮም እናተመስሉ ንናይ ዓባይ ብሪጣኒያ ንግሥቲ ኤልዛቤጥ ዳግማዊትን ንናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ጆርጆ ናፖሊታኖን ንናይ ፈረንሳን ጀርመንን ናይ ሰላምታን ምስጋናን ቴሌግራም ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ይሕብር።

ቅዱስ ኣቦና ንንግሥቲ ኤልዛቤጥ ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ ንግሥነተን ነዘቕረባሎም ምዉቕን ልባውን ኣቀባብላ ብምምስጋን፣ ንንግሥነተንን መላእ ሕዝቢ ዓባይ ብሪጣኒያ ኣብ ጸሎትም ህልዋት ከምዝኾኑ ብምርግጋጽ፣ እግዚኣብሔር ዓባይ ብሪጣኒያ ኣብ መገዲ ነጻነትን ፍትሕ ሰላምን ከጽንዓን ተመንዮም ብነፋሪት ብሃገረ ፍረንሳን ጀርመንን ክሓልፉ እንከለዉ ነተን ሃገራትን ሕዝብን ናይ እግዚኣብሔር ቡራኬ ከምእተመነዩ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።

ናይ ኢጣልያ ርእሰ ብሔር ጆርጆ ናፖሊታኖ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ሰላምታን ሰናይ ምንዮትን መግለጺ ናይ ቴሌግራም መልእኽቲ እንክምልሱ፣ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ንብፁዕ ካርዲናል ጆን ሄንሪ ኔውማን ዝኣወጀቶ ብፅእና ዓቢ ሓጎስ ከምዝኾነን ገሊጾም፣ ሊቅነት ብፁዕ ኔውማን ልዑል ብልጫ ዘለዎን ነቲ ብስነ ባህሊ ሊቅነቶምን ክርትያናዊ ምስክርነቶም ዝገለጽዎን ዝንበርዎን ልዑል ናይ ሕይወት ክቡራን ዋጋታት ብብዙሓት ዝድነቑን ከምዝኾነን ርእሰ ብሔር ጆርጆ ናፖሊታኖ ነቶም ቅድሚኦም ናይ ኢጣልያ ርእሰ ብሔር ዝነበሩ ነፈሰ ሄር ናይ ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ቀዋሚ ኣባል ዝንበሩ ፍራንቸስኮ ኮሲጋ ሓደ ካብቶም ዘድንቕዎም ከምዝነብሩ ዘኪሮም፣ ቅዱስነቶም ኣብ ዓባይ ብሪጣኒያ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕን ዘቐረብዎ ኣስተምህሮን ዝሃብዎ መሪሕ ቃልን መልእኽትታቶምን ልቢ ፍጥረት ሰብ ዝተንከፈን ኵላውነትን ተኻፋልነት ባህርይ ዘለዎም ክቡራት ናይ ሕይወት ዋጋታት ክዕቀቡን ክንበሩን ክነቓቕሑን ከምዘለዎም ዘቕረብዎ ጻውዒት ጠቒሶም ሓጎሶምን ኣኽብሮቶምን ከምዘቕረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.