2010-09-18 15:08:05

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፣ ኣብ እግዚአብሔር እቲ ሓቀይና ሓጎስ ኣናድዩ


ልቢ ንልቢ ይዛረብ ብዝብል መሪሕ ቃል ዝተሰነየ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ክሳብ ዕለት 19 መስከረም ዝቕጽል ኣብ ዓባይ ብሪጣኒያ ዕለት 16 መስከረም 2010 ዓ.ም. ዝጀመርዎ ሓዋርያዊ RealAudioMP3 ምብጻሕ ብምቕጻል ትማሊ ንጎሆ ኣብ ሎንደን ክፍሊ ከተማ ልዊከንሃም ኣብ ዝርከብ ቅድስቲ ማሪያም መንበረ ጥበብ ተረኺቦም ብሸሓት ንዝቁጸሩ መንእሰያት ኣብ እግዚኣብሔር እቲ ሓቀይና ሓጎስ ኣናድዩ ከምዝበሉን እዚ ኣስተምህሮ ቅዱስ ኣቦና ብመላእ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ሎንደን ንዝርከባ ኣቢያተ ትምህርቲ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ከምእተመሓላለፈ ተገሊጹ።

ቅዱስነቶም ኣብ 2012 ዓ.ም. ኣብ ሎንደን ንዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ናይ ኦሎምፒክ ስፖርት ወድድር መገልገሊ ተባሂሉ ዝተሠርሔ ሓድሽ ናይ ስፖርት ሜዳ ባሪኾምን ናብቲ መንበረ ጥበብ ቅድሚ ምእታዎም ኣብ መገድን ኣፈት እቲ መንበረ ጥበብን ሰላምታኦም ነኸቕርቡሎም ንዝተረኽቡ ዓበይትን ነኣሽቱን ሰላምታ ብምቕራብ ቡራኬ ከምዘሃቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።

ቅዱስ ኣቦና ናይ ካቶሊክ ኣባይቲ ትምህርቲ ኣብ ቅድሚ እቶም ዝርከብዎም ተመሃሮ ዘለዎም ዓቢይ ኃላፍነት ብምጥቃስ፣ እቶም መሪሕ ቃሎም ንምስማዕ ንዝተኣከቡ ልዕሊ 4 ሺሕ ዝግመቱ ተመሃሮ ንዘቕርቡሎም ምዉቕ ኣቀባብላ ኣመስጊኖም መሪሕ ቃል ቅድሚ ምቕራቦም ካብ መንሰያኣት ቃል ምስክርነትት ከምእተውሃብተ ተገሊጹ።

እግዚኣብሔር ካብ ነፍሲ ወከፍ መንእሰይ ዝደልዮን ሃረር ዝብሎን ሕይወት ቅድስና ኢዩ። እግዚኣብሔር ካብቲ ንስኻትኩም እትግምትዎ ንላዕሊ ኢዩ ዘፍቅረኵም፣ ንኣኻትኵም ዝለዓለ ደረጅ ኢዩ ዝምነየልኩም፣ እዚ ድማ ኣብ ቅድስና ክትዓብዩ ኢዩ። መንእሰይ ብዙሕ ጊዜ ነቶም ዘድንቖምን ዓቢ ግምት ዝህቦምን ሰባት ኢዩ ክመስል ዝጽዕር፣ እቲ ዝድነቕን ዓቢ ግምት ዝወሃቦን ሰብ ውሩይ ክኸውን ዝከኣል እውን ኢዩ፣ ናይ እዚ እንነብረሉ ዘሎና ዘመን ባህሊ በዓል ዝና ዝቃልሓሉን መንእሰያት ናይ ስፖርትን ናይ ስነ ጥበብን ሰባት ከም ኣብነት ክስዕብዎም ብዙሕ ጊዜ ብኻልኦት ከምዝድረኹን ገሊጾም፣ እንታይ ዓይነት ሰብ ንምዃን ኢኹም ትምነዩ? ቅዱሳት ክትኾኑ ክተሓሳስበኩምን ክምዕደኩም እንከለዅ፣ ኣብ ሕይወትኩም እቲ ብቐዳምነት ንኻልእ ኵሉ ዕሽሽ ብምባል ክሕረ ዘለዎ ናይ ቅድስና ሕይወት፣ ድሕሪ እቲ ብኻልኣይ ደረጃ ዝሥራዕ ምርጫ ብቐዳምነት ክትኾንዎ ቢልኵም ብምሕራይ ክትረውዩ ኣይትጽዓሩ፣ እቲ ድሩት ዕላማ ኣይትስዓቡ፣ ሃብታም ምዃን ለጋሥ ንምዃንን ኣብ ዓለም ሰናይ ንምፍጻም ዘተባብዕ ኢዩ፣ እንተዘይኮነ ግን ሃብቲ ንበይኑ ሕጉሳት ኣይገብርን እዩ። ኣብ ሥራሕ ወይ ኣብ ስፖርትን በዓል ዲል ምዃን ንበይኑ ብቝዕ ኣይኮነን፣ ኵላትና ንሓጎስ ኢና ሃረር እንብላ፣ እቲ ዘሕዝን ግን ብዙሓት ኣይረኽብዋን ኢያቶም፣ ምኽንያቱ ድማ ንሕጎስ ሓጎስ ኣብ ዘይርከበሉን ኣብ ዘይቦታኣ ስለ እንደልይዋ ኢያቶም። ናይዚ መፍትሒኡ ኣዚዩ ቀሊል እዩ፣ እታ ሓቀይና ሓጎስ ኣብ እግዚኣብሔር እያ እትርከብ ኣባኡ ድማ ክትድለ ኣለዋ ኢሎም።

እቲ ዓሚይቕ ተስፋና ኣብ ሃብቲ ዓለምን ሽመትን ህርፋንን ኣብ ዓለማውያን ዓወታትን ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎና ርክብ ኣይኮነን እነንብሮ፣ ኣብ እግዚኣብሔር ከነንብሮ ኣሎና። ስለዚ እቲ ዓሚዩቕ ተስፋና ኣብ እግዚኣብሔር ጥራሕ ንምንባር ተባዓት ምዃን ይግባእ ኢሎም። ንሱ ጥራሕ ኢዩ እቲ ዓሚዩቕ ልባዊ ሃረርታና ዘርውይ። ንኣይነት ሕሉፍ ፍትወት ስስዔን ህርፋንን ናብ ዕንወት ዝመርሑ ምዃኖም ዘረጋግጽ ሕይወት ዝልውጥ ዕርከነት እዩ። ምሳኡ ምርኻብ ምስ እትጅምሩ ነቶም ኣብ ጸገም ንዝርከቡን ናይ ሽግሮም ተኻፈልቲ ኮይንኵም ኣብ ምሕጋዞም ትዓቢዩ። እዚ ዓይነት ኣተሓሳባን ኣነባብራን ቀዳምነት ክትህቡሉ ምስ እትጅምሩ ድማ ኣብ ጕዕዞ ቅድስና ኣለዅም ማለት ኢዩ ኢሎም።

እንነብረሉ ዓለም ንፉዓት ናይ ስነ ታሪኽን ናይ ፍልስፍናን ናይ ስነ ኤኮኖምን ወዘተርፈ ሊቃውንቲ የድልይዎ ኢዩ። ብሓፈሻኡ ንፉዓት ናይ ስነ ምርምር ሊቃውንቲ የድልዩ ኢዮም፣ ዝኾነ ይዅን ዓይነት ስነ ምርምር ስነ ምግባርን ናይ ሕይወት ሃይማኖተይናነት ባህርይ/ዝምባለ ዕሽሽ ዝብል ክኸውን እንከሎ፣ ኣዚዩ ሓደገይናን ስቓይን ኢዩ ዝኸውን። ብተመሳሳሊ መልክዕ ድማ ሃይማኖት ነቲ ብዛዕባ ዓለም ንኽንርዳእ ዝሕግዘና ሥነ ምርምር ዘቕርቦ ኣበርክቶ ኣይፋል ክብል እንከሎ፣ ኣዚዩ ሓደገይናን ስቓይን ኢዩ ዝኸውን ቢሎም። ኣብ መደምደምታ መልእኽቶም ናይ ካቶሊክ ኣባይቲ ትምህርቲ ሥነ ፍልጠትን ምስ እግዚኣብሔር ዕርክነትን ምስ ካልኦት ሃይማኖታት ምእመናን ዕርክነት ንኸነቐውም ዘተባብዕ ክኸውን ይግባእ ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅድስቲ ማርያም መንበረ ጥበብ ተረኺቦም ንመንእሰያት መልእኽትን መሪሕ ቃልን ቅድሚ ምልጋሶም፣ ኣብታ ናይ’ታ መንበረ ጥበብ ቤተ ጸሎት ንዝተረኽቡ 300 ኣብ ናይ ካቶሊክ ትምህርቲ ምስፋህ ነዘግልግሉ ገዳማውያንን ኣባላት ውሉደ ክህነትን መሪሕ ቃል ከምዝሃቡ እንክፍለጥ፣ እዞም ኣባላት እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን፣ ኣባይቲ ትምህርቲ ነቶም ሕፃናት መንእሰያት ተመሃሮ ብቑዕን ውሑስን ቤት ክኸውን ንዘበርክትዎ ኣስተዋጽኦ ኣድኒቖም፣ ነቶም እንርከቦም ዘሎና ናይ ሕንጸት ሓላፍነት ዓቢይ ኢዩ ቢሎም፣ ናይ እምነት ሕይወትና ወይ ድማ ክርስትያናዊ ሕይወትና ምክብባር ዝዓሰሎን ምትእምማንን ርህራሄን ምፍቓርን ዘተባብዕ ክኸውን ኣለዎ ይብለና እምበር፣ ካልእ ዘቕርበልና ኣገዳሲ የሎን። እዚ ድማ ናይተን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከባ ናይ ካቶሊክ ኣባይቲ ትምህርቲ ፍሉይ ምልክታ ምዃኑ ኣረዲኦም፣ ተራ መምሃራን እቲ ዘቕርብዎ ዓይነት ትምህርትን ዝህብዎ ሕንጸት ኣብ ክንዲ ንሓቅነት ንጠቓምነት ዘቐድም ናይ ፋይዳኣውነት ፍልስፍና ዝስዕብ ክኸውን የብሉን ኢሎም። ብሓጺሩ ጥበብ ዝመሓላለፈሉ ክኸውን ከምዘለዎ ገሊጾም፣ እቲ ሓቀይና ጥበብ ድማ ምስቲ ንፈጣሪ ንምፍላጥ ዝግበር ጻዕሪ ተተሓሒዙ ዝኸይድ ኢዩ። ሓቀይና ጥበብ እግዚኣብሔር ምፍላጥ ኢዩ ምስ ዝብል ሓቂ ዝተኣሳሰረ ኢዩ ኢሎም።



ኣብ ናይ ካቶሊክ ኣባይቲ ትምህርቲ ሱታፌ ገዳማውያንን ኣባላት ውሉደ ክህነትን ንካቶሊካውነት ባህርይ ኣብ ናይ ትምህርቲ ሕይወት ዘተባብዕ ምዃኑ ገሊጾም፣ ኣብ ናይ ካቶሊክ ኣባይቲ ትምህርቲ ዝቐርብ ትምህርቲ ምስ ናይ ካቶሊክ ሥርወ እምነት ዝተተሓሓዘ ክኸውን ከምዘለዎ ከምዘተሓሰቡ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.