2010-09-16 17:12:51

ሓዋርያዊ ዑደት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ ዓባይ ብሪጣንያ ፡


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ረኪበ ጳጳሳትን ንግስቲ ኤልሳቤጥን ከምኡ ክአ መንግስትን ብዝገበሩሎም ዕደመ መሠረት አብ ዓባይ ብሪጣንያ ሓዋርያዊ ዑደት ክፍጽሙ ሎሚ ንግሆ ካብ ሓዋርያዊ መንበሮም ነቂሎም።

ንቅድስነቶም ዝሐዘት ነፋሪት አሊ ታልያ ብልዕሊ ታልያን ፈረንሳን ከም ትሐልፍ ክምልከት ከሎ ፡ ካብ መዕረፍ ነፈርቲ ሮማ ቺያምፒኖ ምስ ነቀሉ ንናይ ኢጣልያ ርእሰ ብሔር ጂዮርጂዮ ናፖሊታኖን ንናይ ፈረንሳ ፕረሲዳንት ኒኮልስ ሳርኮዚን ተለግራም ከም ዝልአኹ ፡ ተፈሊጡ አሎ ።

አብቲ ንርእሰ ብሔር ጂዮርዮ ናፖሊታኖ ዝልአኽዎ ተለግራም ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ክበጽሕ መሬት ጣልያን አብ ዝገድፈሉ ግዜ ዝከበርኩም ፕረሲደንት ሰላምታ ይልእከልኩም ፡ ምስ ንግስቲ ኤልሳቤጥን ካልኦት ሰበስልጣናትን ካቶሊካውን አንገሊካውን ማሕበረ ሰባት ንኽርኸብ ዘብቅዓኒ እግዚአብሔር ክአ የመስግን

ዝብል ትሕዝቶ ከም ዝነበሮ ክምልከት ከሎ ፡አብቲ ንፕረሲዳንት ኒኮላስ ሳርኮዚ ዝልአኸዎ መልእኽቲ ክአ ክቡር ፕረሲዳንት አብ ዓባይ ብሪጣንያ ሐዋርያውን ወግዓውን ምብጻጻሕ ከካይድ ብልዕሊ ሀገርኩም ይሐልፍ አለኹ”ሞ ንዓኹምክቡር ፕረስደንትን ንህዝቢ ፈረንሳን ሕይውነታዊ ሰላምታ ይልእከልኩም ዝብል ተሕዝቶ ከም ዝነበሮ ይምልክት ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ቅድሚ ቀትሪ ብናይ ብሪጣንያ ሰዓት አቁጻጽራ ቅድሚ ቀትሪ ሰዓት ዓሰርተን ፍረቃን አብ ናይ ስኮትላንድ ርእሰ ከተማ ኤዲምበርግ አትዮም ።

ከተማ ኤዲምበርግ 500 ሺሕ ህዝቢ ዝነብረላ ጥንታዊት ከተማ ብሪጣንያ ከም ዝኾነት ዝዝከር ኢዩ ።ናይ ኤዲምበርግን ናይ ቅዱስ እንድርያስን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ማይክል ፓትሪክ ኦ ብርያን ኢዮም።

ነቶም አብ ሀገራት ሐቆፍ መዕረፍ ነፈርቲ ኤዲምበርግ ዝጽበይዎም ዝነበሩ ናይ ኤዲምበርግ ቀዳማይ ሚኒስተር ሳልሞንድ አውሀሃዲ ዑደት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ሎርድ ፓተን ካልኦት ሰበልጣናትን ከም ዝተቀበልዎ ክይምልከት ።

ናይ እንቋዕ ድሐን መጻእኩም ስርዓት አብቲ ሆሊሩድ ሀውስ መንግስታዊ አዳራሽ ስለዝካየድ ብቀጥታ ናብኡ ከም ዝተጓዕዙን ንግስቲ ኤልሳቤጥ ካልአይቲን ናይ ኤዲምበርግ ሹምን ድሙቅ አቀባብላ ከም ዝገበሩሎም ምስኦም ዝተጓዕዙ ናይ ቫቲካን መራኸቢ ብዙኀን አረዲኦም ።

አብቲ ቀጽሪ አዳራሽ ተሰሪዖም ዝነበሩ ባህላዊ ስኮትልንዳዊ ክዳን ዝተኸድኑ ወተሀደራት ናይ ቅድስቲ መንበርን ስኮትላንድን መዝሙራት ከም ዘስምዑ ይፍለጥ።

ሆሊ ሩድ ሃውስ ብ1128 ዝተሰርሔ ብግዜ ሐጋይ ንጉሳውያን ቤተ ሰብ ዝነብርሉ አዳራሽ ኢዩ ።

በዚ ካብ ኤዲምበርግ ዝተረኽበ ዜና መሠረት ፡ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ምስ ሰበስልጣናት ብሪጣንያ አፋሊጦንኦም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስን ንግስቲ ኤልሳቤጥን ክአ ህያብ ተለዋዊጦም።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ንግስቲ ኤልሳቤጥን አብቲ ናይ ንጉሳውያን አዳራሽ ዝርከብ ሞርኒንግ ሩም ብብሕቲ ከም ዝተመያየጡ እቶም መራኸቢ ብዙኀን አመልኪቶም።

ንግስቲ ኤልሳቤጥ ሰማንያን አርባዕተን ዝዕድምኤን ንናይ ብሪታንያ ንጉስ ዝነበሩ ጂዮርጅ ሻዱሻይ በኲሪ ጓሎም ብ1947 አብ ላንደን አብ ወስት ሚኒስተር አበይ ምስ ተነንተ ፍሊፕ ማውንትባትን ቃል ኪዳን ከም ዝአሰራን አርባዕተ ቆልዑ ከም ዝወለዳን ይፍለጥ ።

ንግስቲ ኤልሳቤጥ አብ ዕስራ ሐሙሽተን ዕድምኤን ብናይ ካንተበሪ ሊቀ ጳጳስ አብ ወስት ሚኒስተር አበይ አኽሊለ ንግስና ከም ዝደፍአ ይዝክር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን በነዲክቶስን ንግስቲ ኤልሳቤጥ ካልአይትን አብ ዝተመያየጥሉ ግዜ አብኡ አብቲ አዳራሽ አብ ካልእ ክፍሊ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጽሐፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺስዮ በርቶነ ምስ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተር ተራኺብም ሐስብ ንሐሳብ ከም ዝተለዋወጡ ተገሊጹ።

ብድሕሪኡ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ብንግስቲ ኤልሳቤጥ ተሰንዮም አብ ድሕር’ቲ አዳራሽ ዝርከብ ሰፊሕ ፓርክ መናፈሻ ንዝጽበይዎም ዝነበሩ መራሕቲ ካቶሊካዊትን አንገሊካዊትን አብያተ ክርስትያናት ወኪላት ፖሊቲካን ቤርጌሳውያንን ሐጺር አብ ዝተረኽብሉ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ብስመንን ብስም ህዝቢ ዓባይ ብሪጣንያን ናይ እንቋዕ ድሐን መጻእኩም ዲስኩር ከም ዝገበራ ይምልከት ።

ቅድስቲ መንበርን ብሪጣንያን ብ1914 ዲፕሎምቲካዊ ርክብ ከም ዝጀመራ ክፍለጥ ከሎ ፡ አብ ብሪጣንያ ናይ መጀመርያ ግዜ ወግዓዊ ዑደት ዝገብሩ ዘለዉ ናይ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ፡ አብ አዳራሽ ሆሊሩድ ሃውስ ዲስኩር ጌሮም ።

ቅድስነቶም አብ ዝገብርዎ ዲስኩር ! ዝኸበርክን ንግስቲ ! ርእሲ ኹሉ አብ ዓባይ ብሪጣንያ ወግዓዊ ምብጻሕ ከካይድ ንዝግበርክናለይ ዕድመን ድሙቅ አቀባብልና ብልቢ የመስግነክን በዚ አጋጣሚ’ዚ ንነፍሲ ወከፍ ህዝቢ ብሪጣንያ ሰላምታ የቅርብ።

ሐዋርያውን ወግዓውን ዑደተይ ብንጉሳዊ ቤተ ሰብን ብናይ ስኮትላንድ ርእሰ ከተማ ኤዲምበርግን ክጅምር ሐጎስ ይስምዓኒ ሹም ኤዲምበርግ አብ መዕረፍ ነፈርቲ ኤዲምበርግ ዝገበሩለይ አቀባብላ ከመስግኖም ይድሊ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ቀጺሎም ጥንታዊ ክርስትና ዝዓቀበት ንኹሉንትናዊ ምዕባሌ ሰብ ዓቢ አስተውጽኦ ዝገበረት ጥንታዊ ባህልን ልምድን ዘለዋ ዓባይ ብሪጣንያ ክበጽሑ ዝስምዖም ሐጎስ ልዑል ከም ዝኾነ ገሊጾም።

አብ ዘመናዊ ግዜና ቅድሚ ስሳን ሐሙሽተን ዓመታት ድሕሪ ፍጻሜ ውግእ ዓለም ባይቶ ሕቡራት መንግስታት ንኽምስረት ህዝቢ ዓለም ብሰላም ንኽነብር ዓባይ ብሪጣንያ ዝንአድ አስተውጽኦ ከም ዝገበረት ቅድስነቶም ዘኪሮም።

እቲ ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሔ ግጭት ሰሜን አይርላንድ ፍትሐውን ነባርን ፍታሕ ክረክብ ተሐንጺጹ ዘሎ መደብ ክዕወት ዓቢ ተስፋ ከም ዘለዎም ዘመልከቱ ቅድስነቶም እግዚአብሔር ንንግስቲ ኤልሳቤጥን ህዝቢ ዓባይ ብሪጣንያን እግዚአብሔር ይባርኩም ኢሎም ።

ብድሕሪ”ዚ ብናይ ብሪጣንያ ሰዓት አቁጻጽራ ፋድስን አርባዓን ሐሙሽተን ደቂቃ ካብ ሆሊሩድ ሃውስ ናብቲ ናይ ኤዲምበርግን ቅድሱ ኣንድርያስን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ከይት ማይክል ፓትሪክ ኦ ብርያን ዝነብሩሉ መካነ ጵፕስና ተጓዒዞም ምስ መሰነይቶም አብ ሥርዓተ ምሳሕ ተሳቲፎም ።

ድሕሪ ቀትሪ ብመኪና 86 ኪሎሜትር ንግላጎው ተጓዒዞም አብ በላሀውስቶን ፓርክ መናፈሻ መስውዕተ ቅዳሴ አዕሪጎም ።

ድሕሪ ፍጻሜ ሥርዓተ ቅዳሴ ክባ ግላስጎው አማስይኦም ንላንደን ከም ዘቅንዑ መርሃ ዑደቶም የመልክት።

ርእሰ ከተማ ዓባይ ብሪጣንያ ላንደን ካብ ግላስጎው ስኮትላንድ 556 ርሒቃ ከም ትርከብ ይፍለጥ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.