2010-08-31 15:22:48

መንገዲ ልግስን ምስጋናን ካብ እግዚአብሔር ተመሃሩ


ቅዱስ ኣቦና ነቲ ብራጺንገር ሹለርክራይስ ዝፍለጥ ዓመት ዓመት ኣብዚ ወቅቲ እዚ ምስ ናይ ቀደም ተመሃርቶም ዝገብርዎ ርክብ ትማሊ ብመሥዋዕተ ቅዳሴ ዛዚሞሞ፤ ናይ ሎም ዘመን ኣርእስቲ ርክቦም ትርጓሜ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኢዩ ነይሩ፤ ኣብቲ ትማሊ ኣብ ማእከል ማርያፖሊ ናይ ካስተልጋንደልፎ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ቅዱስነቶም ኣብ ነቶም ልዕሊ 40 ዝኾኑ ተሳተፍቲ ናይቲ ርክብ ሰላምታ ድሕሪ ምቅራብ ናይ ሰንበት ወንጌል ብምጥቃስ ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤት ሓደ ፈሪሳዊ ኮይኑ ዝሃቦ ምሳሌ ናይ ትሕትና መሠረት ብምግባር ብመጀመርያ መንገዲ ትህትናን ፍቅርን ዝዓሰሎ ልግሲ ክህልዎም ሓደራ ድሕሪ ቢሎም ብቋንቋ ጀርመን ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ መባእቲ ከምዚ ቢሎም፤ ዝኸበርኩም ኣዕሩኽተይ ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ጐይታ ብኩነታትና ብናብራ ኣረማውያን ንመላለስ ከምዘሎና የመልክተልና፤ ከመይ እንዕድሞም ሰባት መሊሶም ክዕድሙና እንጽበየም ከማኡ እውን ነቶም እንልግሰሎም ሰባት መሊሶም ክህቡና ንዝኾኑ ጥራይ ስለዝኾነ፤ ንሱ ግና ኣብ ቅዱሚኡ ስንኩላንን ዕውራትን ጸማማትን ንዝኾና ብዘይ ቅድመ ኩነት ይዕድመና ምንም ክንህቦ ንዘይንኽእል ይዕድመና። እንክብሉ ናይ እግዚአብሔር ልግስን ርኅራኄን ድሕሪ ምግላጽ ንንስሓ ከምዚ ክብሉ ዓዲሞም፤ ኮይኑ ግን እዚ ገጋና ተረዲኡና ካብዚ ናይ ኣረመነት ናብራ ክንወጽእ ከምዘሎና፤ መንገዲ እግዚአብሔር ገዲፍና ብምህላውና ገጋና ኣሪምና ክንሕደስ ኣሎና እዚ ስለዝኾነ ከኣ ኢዩ ቅዳሴ ኣብ ንጅምረሉ ወትሩ ንስሓ ንኣቱ፤ እዚ እግዚአብሔር ዝህበና ምሕረት ክልውጠና ኣለዎ፤ ብኣምሳሉን ብመልክዑን ስለዝተፈጠርና ንኣኡ የምስለና፤’ እንክብሉ ትርጉም ናይቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ክንጅምር እንከሎና እንግብሮ ጸሎተ ፍትሓት ገሊጾም።

ኣብዚ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ምስ ቅዱስነቶም ብኁባሬ ዝቀደሱ ናይ ቀደም ተመሃራይ ቅዱስነቶም ዝነበሩ ናይ ቭየና ሊቀ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ክሪስቶፍ ሾንቦርን ኣብ ናይ ዕለት ቃለ ወንጌልን ኣጋጣምን ተመርኩሶም ሰቢኾም። ብጹዕነቶም ኣብቲ ስብከቶም ብዛዕባ ትህትናን ትዕግስትን ነዚ ሲስ ዕብ ቢሎም፤ ትሕትና ንጸርፍን ውርደትን ናብ ጸጋ ይልውጥ፤ ቅድስ ኣቦና ናይ ክርስቶስ ትሕትናን ለውሃት ልብን ብተግባር ስለተርእዩና ነመስግነኩም፤ እንክብሉ ቅዱስነቶም ኣብዚ ናይ ነውጺ ግዜ ዘርኣይዎ ትዕግሥትን ትሕትናን ዓቢይ ተግባራዊ ትምህርቲ ትሕትናን ለውሃትን ከምዝኾነ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.