2010-08-18 18:08:28

ዘድኅነና ምስ እግዚአብሔር ዘሎና ዕርክነት እምበር ዝሓልፍ ሃብቲ ኣይኮነን


ቅዱስ ኣቦና ንበዓለ ፍልሠታ ብዝምልከት ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ፍጻሜ ‘ኦ ጎይታ ኣብቲ ንሞት ዘሸንፍ ጭቡጥ ፍቅሪ ኣምላኽ ዝኾነ መንግሥተ ሰማያት ዘሎ ዘለዓለማዊ ሕይወት ንኽንኣምን ኃይሊ ሃበና’ እንክብሉ ጸልዮም።

ብሥርዓተ ሊጡርጊያ ላቲን ትማሊ ዝተነበ ወንጌል ከኣ እቲ ንኢየሱስ ብዛዕባ ሕይወት ዘለዓለም ንምውራስ ክገብሮ ዝግብ ኦ ናይ ዝሓተተ መንእሰይ ነሩ። ነዚ ብምምልካት ከኣ ኣርእስቲ ናይዚ ኣስተንትኖ ኮይና ዘላ ‘ዘድኅነና ምስ እግዚአብሔር ዘሎና ዕርክነት እምበር ዝሓልፍ ሃብቲ ኣይኮነን’ ብማለት ቅዱስ ኣቦና እማነትናን ተስፋናን ፍቅርናን ኣብ እግዚአብሔር ደኣ እምበር ኣብ ሓላፍን በራስን ዝኾነ ናይዚ ዓለም ሃብቲ ከይንገብር ሓደራ ዝብሉ።

ቅዱስነቶም ብዛዕባ እምነት እንከስትምህሩ ‘እምነት ማለት እዚ ኣይግበር እዚ ክልኩል ኢዩ ዝብል ናይ ናብራ ሕግታት ኣይኮነን እንታይ ደኣ ምስቲ ዘፍቅረና ኣምላኽ ብወለንታና እንገብሮ ርክብ ኢዩ፤ ሃይማኖት ክርስትና ሞራላዊ ሕጊ ጽቡቅን ሕማቅን ኣይኮነን፤ ንሕና ከም ካልኦት ማለት ከም ዓለም ግቡእና ክንገብር ብማለት እንግደድ ኣይኮናን ከምቲ እግዚአብሔር ብወዱ ገሩ ንር እሱ ም እንታና ዝሃበ ኣብዚ ምሥጢር ተፈጥሮ ክንውፈ ኣሎና፤ ፍቅሪ ዝኾነ ባህርየ እግዚአብሔር ነቲ ንሕና ክንገብሮ ክንኮኖ እንብሎ ይቅድሞ ስለዚ ምስ ክርስቶስ እንተተዋሃሂድና ምሳኡ ክንሠርሕ ንኽእል፤ ሠናይ ተግባር ናይ መንነትና ሳዕቤን ኢዩ፤ መጀመርያ እግዚአብሔር ሓዲስ ፍጥረት ብምግባር ሓዲስ ህልውና ይህበና፤ እዚ እቲ ዝ ዓበየ ጸጋ ኢዩ፤ ድሕሪኡ ከም ሳዕቤን ናይዚ ግብረ ሠናይ ይመጽ እ፤ ካባና ዝድለ በዚ ሓዲስ መንነት ጥራሕ ክንሠርሕ ኣሎና፤ ስለዚ እቲ ሠናይ ተግባር ብደገ ዝመጽ እ ተጽ ዕኖ ወይ ት እዛዝ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ናይቲ ዝተዋህበና ጸጋ ሓዲስ ፍጥረት ኣብ ግብሪ ምው ዓል ኢዩ፤’ ብማለት በቲ እግዚአብሔር ዝሃበና ጸጋ ከምቲ ክንኮነ ዘሎና ባህርይ እንተተመላለስና ጽኑዕ እምነት እንተሎና ካል እ ኩሉ ናቱ ሳዕቤን ኢዩ፤ ብኻል እ ኣዘራርባ ሠናይ ኦም ሠናይ ፍረ ይፈሪ ከም ማለት ኢዩ፤ ብሓቂ ዝኣምንን ዝተሓደሰን ሰብ ብጸጋ እግዚአብሔር ሠናይ እምበር ሕማቅ ክገብር ኣይክ እልን።

ከምቲ ቅዱስ መጽሓፍ ደጋጊሙ ዝገልጸልና ሕጊ ፍቅሪ እግዚአብሔርን ፍቅሪ ብጻይን ንኩሉ ት እዛዛት ጠሚሩ ይሕዝ። ኮይኑ ግን ከምቲ ክርስቶስ ነቲ መን እሰይ ዝበሎ ፍጹም ንምዃን ንኩሉ ገዲፍካ ንክርስቶስ ምስ ዓብ ከምቲ ጨንፈር ናብ ጉንዲ እንተዘይለጊቡ ሕይወት ዘይህልዎ ምስ ክርስቶስ ከም ጨንፈር ምልጋብ የድሊ።

ቅዱስነቶም ነዚ ውህደት እዚ እንክገልጹ፤ ‘ምስ ክርስቶስ ብምልጋብ ምሳኡ ዝተወሃሃደ ሰብ በዚ ሓዲስ ሕጊ ፍቅሪ ይመላለስ፤ ነዚዶ ክገብር ወይስ ኣይፋል፤ ነዚ ክገብሮ ግዱድ ድየ ወይስ ኣይኮንኩን፤ እናበለ ኣይጭነቅን፤ እንታይ ደኣ ምንም ብዘየጠራጥርን ምንም ብዘይሓትትን ሕጊ ፍቅሪ ይመላለስ፤ ኣብ ሕጊ ፍቅሪ እዚ ኣድላዪ ኢዩ፤ እዚ ናይ ግድን ኢዩ ወይ ከኣ እዚ ክልኩል ኢዩ ዚበሃል የልቦን፤ ኣብ ፍቅሪ ምስ ክርስቶስን ኣብ ክርስቶስን ዘሎ ገርሀይና ሕይወት ኩለንትናኻ ንክርስቶስ ብምሃብ ኣብ ሓጎስ ጎይታ ብም እታው ብዙሕ ፍረ ክትረክብ ይከኣል። በዚ ጥራሕ ኢና ምስ እግዚአብሔር ክንወሃሃድ እንኽ እል፤ ከምዚ ምስ እንገብር ንት እዛዛት እንኸብር ባሮት ዘይኮነ ዝፋለጡ ኣ ዕሩኽ ብወለንታኦም ሓደ ዝኾኑ ብፍቅሪ ዝተጠምሩ ንኸውን።’ ብማለት ነቲ ክርስቶስ ብዘይካይ ሓንቲ ክትገብሩ ኣይትኽ እሉን ዝበሎ ኣብሪሆም።

ኣብዚ ዝተጠቅሰ ወንጌል ክርስቶስ ነቲ መንእሰይ ‘ፍጹም ክትከውን እንተደለኻ’ ብማለት መንገዲ ፍጽምና ይሕብሮ፤ እዚ ፍጽምና ሃይማኖት ኣየናይ ኮን ይኸውን እንተበልና፤ ሕያዋይ ምዃን ብእምነትን ብፍቅርን ምንባር ብመሠረቱ ሓደ ኢዩ ኮይኑ ግን ብዝተፈላለየ መልክዕ ይግለጽ። ቅድስና ኣብ ገዳም ዝነብር ፈላስን ኣብ ፖሎቲካ ዝሰርሕ ሰብን ሓረስታይን ወታሃደርን ወዘተ ሓዳ ካብቲ ሓደ ኣጸቢቁ ይፈላለ፤ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እግዚአብሔር ግን ኣድላዪ ኢዩ፤ ነፍሲ ወከፍ በቲ ንዓለም ዘድኃነ ፍቅሪ ክነብሮ እንከሎ ብጣዕሚ ጽቡቅ ኢዩ፤ በዚ ከስ እግዚአብሔር ንነፍሲ ወከፍ ናቱ መደብ ኣለዎ፤ ኣነ ከም ኣነ መጠን ነዚ መደብ እዚ ክረኽቦ ኣሎኒ፤ ኣብ ዘሎኹዎ ከባብን ናብራን ናይዛ ፍቃድ እግዚአብሔር ዝኾነት ንዓይ ዝተመደበት ሕይወት በዛ ዝበልናያ ፍቅሪ ክነብራ ኣሎኒ። ከምቲ ኣብ ወንጌል ዝብሎ ክውፈ ኣሎኒ፤ ክህልወኒ ዘይኮነ ክህብ፤ ነታ ሕይወት ክዕቅባ ዘይኮነ ከወፍያ ኣሎኒ፤ ኢየሱስ ከስ ነቲ መንእሰይ ንኩሉ ሃብቱ ገዲፉ ኪስዕቦ ይዕድሞ፤ እቲ መንእሰይ ግን ሓዚኑ ይኸይድ፤ ከመይ ብዙሕ ሃብቲ ስለዝነበሮ፤ ሃብቲ ሽሕኳ ጽቡቅ እንተኾነ እቲ ቀንድን ኣድላይን ኣይኮነን፤ ል ዕሊ ኩሉ ዋሕስ ድኅነት ኪኾነና ኣይኽእልን እኳ ደኣ ምኽንያት ጥፍኣት እውን ኪኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ ናይዚ ዓለምዚ ሃብቲ ልብና ዘይምንባር ከመይ ኩሉ ሓላፊ ኢዩ፤ ከም ቅጽበት ኪውዳእ ኢዩ፤ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ክንደልዮ ዘሎና ሓቀኛ መዝገብ ኣብ ሰማይ ኢዩ ዘሎ፤ እዚ መዝገብ እዚ ኣብ ሰማይ ኣብቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣቦኡ ተቀሚጥሉ ዘሎ ኢዩ ዚርከብ፤ ስለዚ ናይዚ ዝተገልጸ ክፍሊ ወንጌል መልእኽቲ ‘ዘድኅነና ምስ እግዚአብሔር ዘሎና ዕርክነት እምበር ዝሓልፍ ሃብቲ ከምዘይኮነ’ ይገልጸልና።








All the contents on this site are copyrighted ©.