2010-08-12 16:21:36

ንናይ ዓለም ነገራት ብዓይኒ ኣምላኽ ምጥማት የድሊ


ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ትማሊ በዓለ ደብረ ታቦር ዘኪራ ውዒላ፡ እዚ በዓል እዚ ካብቶም ዓበይቲ በዓላት ስለዝኾነ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ ነዚ ኣመልኪቶም ብዙሕ ምሂሮም፡ ቀንዲ ትርጉም ናይዚ በዓል እንክገልጹ እዚ በዓል እዚ ናይዚ ዓለምና ነገራት ብ ኣመለኻኽታ ኣምላኽ ክንር እዮም ይ ዕድመና እትብል ነጥቢ ኢያ። እዚ ማለት ንናይዚ ዓለምዚ ጸልማት ብዓይኒ ብርሃን ኣምላኽ ምርኣይ፤ ነዚ ንምግባር ከኣ መንፈስና ኣብ ል ዕል ዝበለ ቦታ ኣምላኽ ምቅማጥ የድሊ፤ ከምቲ ኣብ ጸሎተ ኣኰቴተ ቊርባን ካህን ኣል ዕሉ ኣልባቢክሙ ምስ በለና ብነ ኅበ እግዚአብሔር ኣምላክነ እንብሎ ማለት ልብኹም ኣልዕሉ ምስ በለና ልብናን ቀልብናን ምስ እግዚአብሔር ኣብ ላዕለዋይ ነገራት ኢዩ ዘሎ ከም እንብሎ ኢዩ። ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝብልዎ ጎቦ ደብረ ታቦር ብል ዕልናኡ ናብ እግዚአብሔር ምቅራብ የመልክት። ካብቲ ዕለት ዕለት እንነብሮ ሓፍ ቢልካ ፍልይ ምባል ጽሩይ ኣየር ንምስትንፋስ ኣብ ር እሲ ምሕጋዝ ናይ ጸሎት ቦታ እውን ኢዩ፡ ጸሎት ማለት ከኣ ንእግዚአብሔር ምርካብ ስለዝኾነ ንዓኡ ካብ ረኸብና ንኹሉ ብዓይኑ ምርኣይ ዘጸግም ኣይኮነን፡፡በዓለ ደብረ ታቦር ከስ ሓደ ፍጻሜ ጸሎት ኢዩ፤ ኢየሱስ ክጽሊ እንከሎ ምስ ኣቦኡ ይወሃሃድ በዚ ኸኣ እምባ ደብረ ታቦር ብብርሃን ይዂላዕ፤ ነዚ እንክገብር ግን ካብ ዓለምን ታሪኹን ኣይወጸን፤ ካብ ተልእኾኡ ኣይሃደመን፤ እኳ ደኣ ነቶም ናቱ ቀስ ብቀስ ነጸብራቅ ሰማያዊ ብርሃን ብምግላጽ ተል እኾኡ ይፍጽም።

ቅዱስነቶም ጸሎት ንሓደ ክርስትያን ንምንታይ ከምዘድልዮ እንኪገልጹ፤ ንሓደ ክርስትያን ጸሎት ማለት ካብ ክውንነት ምርሓቅ ካብ ሓላፍነት ምህዳም ኣይኮነን፤ እንታይ ደኣ በቲ እሙንን መወዳእታ ዘይብሉን ፍቅሪ ኣምላኽ ተኣማሚንካ ክሳብ መወዳእታ ምቅላስ ኢዩ፤ ቢሎም ነሮም።

ኣብ ደብረ ታቦር ጴጥሮስ ያዕቆብን ዮሓንስን ንክብሪ ወዲ ኣምላኽ እናስተንተኑን ንእሽቶ ክፋል መንግሥተ ሰማያት እናስተማቀሩን ሓደ ፍሉይ ተመኩሮ ይገብሩ፤ ድሮ እቲ ክርዳድ ካብ ስርናይ ተፈልዩ ይር እይዎ። እዚ ተመኩሮ እዚ እግዚአብሔር ነቶም ናቱ ብሕልፊ ኣብ ግዜ ብርቱዕ ፈተና ዝልግሰሎም ግንዖ ኢዩ። እንተኾነ ብዘይካ ን ኢየሱስ ከምዚ ናይ ድብረ ታቦር ዓይነት ንማንም ኣይተዋህበን፤ ከመይ ጐእዞ ደቂ ሰባት ኣብዚ ምድሪ እዚ ጉ ዕዞ እምነት ስለዝኾነ ካብ ኣብ ብርሃን ኣብ ጽልግልግታ የድህብ፤ ወረ ሓንሳብ ሓንሳብሲ ግብ ዝበለ ጸልማት ዝኾነሉ ግዜ እውን ኣሎ፤ ኣብዚ ምድሪ ክሳብ ዘሎና ምስ ኣምላኽ እንገብሮ ርክብ መብዛሕቱኡ ጊዜ ካብ ብምር ኣይ ን ኣኡ ጽን ቢልካ ብምስማዕ ኢዩ፡ እዚ ኸኣ ብርታዔን ሓይልን ዝረኽብሉ በቲ ብቃል ኣምላኽ ኣብ ውሽጢ ልብና ዝበርህ ውሳጣዊ ብርሃን ኢዩ።

ከምቲ ጴጥሮስ ዝበሎ ኣብ ደብረ ታቦር ኰፍ ምባል ክንደይ ምጠዓመ፤ ኮይኑ ግን ምስ ኢየሱስ ኣብ ደብረ ታቦር ምድያብ ማለት ንክፍ ኣት ብ ዓይኒ ምሕረት ንምር ኣይ ንክትመሃር ኢዩ። ነዚ እንከብርሁ ቅዱስነቶም ቅድሚ ክልተ ዓመት “እቲ ሕመረት ናይ በዓለ ደብረ ታቦር እዚ ኢዩ፤ ግልጸት ደብረ ታቦር ናይ ትንሣኤ ነጸብራቅ እንኪኾን እዚ ግን ናይ ሞት እኳ ደኣ ኣብ ል ዕሊ መስቀል ሙማት ከም ቅድመ ኩነት የንብር፤ በዚ ኢየሱስ ንሓዋርያት ክብሪ የር እዮም፤ ነዚ ዝገበረሉ ምኽንያት ከኣ ነቲ ዕንቅፋት መስቀል ሰጊሮም ንክኽ እሉ ኃይልን ጽንዓትን ንክህቦም ናብ መንግሥቲ ኣምላኽ ንምብጻሕ ከኣ ብማእከል ብዙሕን ብርቱዕን ፈተናታት ክሓልፉ ምዃኖም ንኸረድ ኦም ቢሉ ኢዩ ቢሎም ነይሮም።

ግልጸት ደብረ ታቦር ሓያል ዕድመ ንጸሎት ኢዩ፤ ምስ ኢየሱስ ብጸሎት እንገብሮ ጥቡቅ ዝምድና ጥራሕ ኢዩ ሓቀኛ ጽባቀን ፍቅርን ናይ ኣምላኽ ብምግላጽ ነቲ ናይ ሞት ጸልማት ብ ኣንጸባራቂ ብርሃን ትንሣኤ ክልውጦ ዝኽ እል።

ነዚ ኣመልኪቶም ኣብ ሓደ ናይ መል ኣከ እግዚአብሒር ጉባአኤ ኣስተምህሮ ቅዱስነቶም “ጸሎት ምግባር ናይ ምርጫ ተግባር ኣይኮነን ናይ ሞትን ሕየትን ሕቶ ኢዩ፤ ዝጽሊ ጥራይ ኢዩ ናብ ሕይወት ዘልዓለም ዚኣቱ፤ ማለት ብውሉዳዊ ፍቅሪ ናብ እግዚአብሔር ዚም ዕቈብ ጥራይ ኢዩ ምስ እግዚአብሔር ክወሃሃድ ዚኽእል ቢሎም ነሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.