2010-08-03 19:08:01

ንግደት ኤውሮጳውያን መዘምራን/ኣገልገልቲ መንበረ ታቦት ኣብ ሮማ


“ካብ ሕቀኛ ምንጪ ምስታይ” ብዝብል ተማ መናእሰይ መዘመራን ኤውሮጳ ብዓለምለኻዊ ማኅበር መዘምራን ብዝተዋደዶ መደብ መሠረት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ማለት መብዛሕት ኦም ካብ ጀርመን ከማኡ እውን ካብ ኣውስትርያ ሃንጋሪ ዓዲ ጣልያን ኮታ ካብ ል ዕሊ 12 ሃገራት ኤውሮጳ ዝመጹ ል ዕሊ 50 ሺሕ ዝኾኑ ካብ 14 ክሳብ 25 ዝ ዕድሚኦም መን እሰያት መዘምራን ኣብ ሮማ ንግደት የካይዱ ኣለው። ናይዞም መዘምራን ንግደት ጽባሕ ሮቡዕ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ብምርኻብ ክዛዘም ምዃኑ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ኣብቲ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ክምህርዎምን ክባርኽዎምን ኣብ መወዳእታ ከኣ ናይ መዘመራን ጠበቃ ዝኾነ ኣብ ሣልሳይ ክፍለ ዘመን ብዳርባ እምኒ ሰማዕት ዝኾነ ቅዱስ ታርቺዝዮ ምስሊ ከምዝህብዎም ምስዚ ዜና ተታሓሒዙ ዝመጸ ሓበሬታ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.