2010-08-03 19:04:09

ሢመት ጥቀ ክቡር ኣባ ጆሰፍ ዊልያም ቶቢን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ንጥቀ ክቡር ኣባ ጆሰፍ ዊልያም ቶቢን ናይ ረደንቶሪስት ማኅበር ኣባል ብሥማዊ መንበር ኦባ ሊቀ ጳጳስ ብምሻም ናይ ተቅዋማት ውፉይ ሕይወትን ማኅበራት ሓዋርያዊ ሕይወትን እትኃሊ ማሕበር ዋና ጸሓፊ ንክኾኑ ሠዪሞሞም።

ኣባ ጆሰፍ ዊልያም ቶቢን ኣብ ደትሮይት ዋይነ ወረዳ ከተማ ሚቺጋን ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ብ1952 ዝተወልዱ ኮይኖም፤ ድሕሪ ነዊሕ ኲስኰሳ ብ5 ነሐሰ 1976 ብ ዓይቢ መብጽ ዓ ናብ ኣምላኽ ድሕሪ ምውፋይ ብባሕቲ ሰነ 1978 ዓም ከኣ መዓርገ ክህነት ተቀቢሎም።

መጽናዕቶም ብምቅጻል ዝተፈላለየ መዓርግ ናይ ዲግርታት ድሕሪ ም ዕታር ካብ 1979/84 ሓጋዚ ቆምስ ካብ 1984/90 ከኣ ቆሞስ ናይ ቊምስና መድኀኔ ዓለም ኣብ ደትሮይት፤ ካብ 1990/91 ቆሞስ ናይ ቊምስና ቅዱስ ኣልፎንሶ ኣብ ቺካጎ ኢለኖይስ፤ ካብ 1980/86 ኅየንተ ወይ ቪካርዮ ናይ መንበረ ሊቀ ጵጵስና ደትሮይት ኮይኖም ኣገልጊሎም። ብ1997/2003 ጠቅላሊ ሓለቃ ናይ ማኅበሮም ኮይኖም ድሕሪ ምግልጋል ናይ ቤተ ምኽሪ ንርክብ ኣብ መንጎ ናይ ተቅዋማት ውፉይ ሕይወትን ማኅበራት ሓዋርያዊ ሕይወትን ዓለም ለኻዊ ማኅበር ኣኅሉቅ ገዳማትን ብምዃን ዘገልገሉ ኢዩም። ጥቀ ክቡር ኣብ ጆሰፍ ቋንቋታት ኢንግሊዝ ጣልያን ፈረንሳ ስፓኒሽን ፖርቱጊዝን ከምዝመልኩ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.