2010-07-31 13:49:04

ናይ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ


ኣብ ጋና ርእሰ ከተማ ኣክራ ብምኽንያት መበል 40 ዓመት ምሥረታ ናይ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዝካየድ ዘሎ መበል 15 ዓመታዊ ኣኼባኡ ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልቲ RealAudioMP3 ከምዝጀመረ እንክንገር፣ እዚ ርእሰ ምሕደራን ትጽቢታትን ንቤተ ክርስትያን ኣብ ኣፍሪቃ ብዝብል ኣርእስቲ ዝምራሕ ዘሎ ብፁዓን ካርዲናላትን ኣቡናትን ካህናትን ገዳማውያን ካህናትን ደናግልን ወከልቲ ዓለማውያን ምእመናን ብጠቕላላ 200 ተጋባእያን ዘሳትፍ ዘሎ ኣኼባ፣ ብቐረባ ዝከታተሉ ዘለዉ ናይ ቫቲካን ረድዮ መደብ ቋንቋ ፈረንሳ ንኣፍሪቃ ሓላፊ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣባ ጆሰፍ ባሎንግ፣ እዚ ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ቅድሚ 40 ዓመት ብፍቓድን ድላይን ር.ሊ.ጳ. ፓውሎስ ሻድሻይ ኣብ ካምፓላ ዝተመሥረተ ከምዝኽነ ዘኪሮም፣ እዚ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ንመንፈሳውን ሰብኣውን ማኅበራውን ንናይ ሰላም ሕንጸት ንኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብመደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣቢሉ ዘቕርቦ ደገፍ ኣገዳስን እዋናውን ኢዩ ቢሎም፣ ብዛዕባ እዚ ርእሰ ብቕዓትን ርእሰ ዓቕምን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ዘተኵረ ኣኼባን ኣፍሪቃ ብዙሕ ከምእተቐበልትን እትቕበል እውን ከምዘላን እዋኑ ብተራኣ ከምቲ ዝተቐበለቶ ንኽትህብ መንፈሳዊ ባህላ ከተካፍልን፣ እቲ ዘለዋ ሃብታም ሃይማኖታዊ ባህሊ ብናይ ክርስትና ርእየት ነጺሑ ንኵላዊት ቤት ክርስትያን ክህብትም ከምዘለዎ ዝጠልብ መድረኽ ምዃኑ ዘኪሮም። ብዛዕባ እዚ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ኣመልኪቶም ናይ ዳረሰላም ሊቀ ጳጳስን ናይ መልእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፖልይካርፕ ፐንጎ ምስ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እዚ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ካብቲ ክብድሆም ዝግብኦም ሽግራት ሓደ እቲ ጸረ ውህደት ኢዩ። ንኣብነት ዋላ’ኳ ዝገራጨው ጉዳይ ኣይኹን ግብጺ ናይዚ ናይ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣባል ካብ ምዃን ናይ መእከላይ ምብራቕ ኣባል ክትኸውን ኢያ እትመርጽ ኢሎም፣ ብሓፈሻኡ እዚ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዓበይቲ ፍጻሜታት ከምዘርኣየ ጠቒሶም እዚ ዘካየዶ ኣኼባ ኣዕጋቢ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ኣፍሪቃ ምጥቃም ሃብቲ ተፈጥሮ ንምሕያል ዝዓዪ ምጥቃም ጸዓትን ነጻነትን እተሰምየ ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበር መሥራቲ ጃምበነደቶ ኮሎምቦ ብወገኖም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበዎ ቃለ ምልልስ፣ ኣፍሪቃ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ዝተዓደለት ኢያ፣ ናይዚ ሃብቲ ተጠቃሚ እንተድኣ ኮይና እዚ ጉዳይ’ዚ ንልምዓት ኣፍሪቃ ዘነቓቕሕን ናይ ሥራሕ ዕድል ዝፈጥር ኢዩ፣ ኣብዚ መዳይ ቤተ ክርስትያን እውን ዓቢ ግደ ኣለዋ ቢሎም፣ ምእንት’ዚ ኣብታ ክፍሊ ዓለም ኣማራጺ ምንጪ ኃይሊ ምትብባዕ ወሳኒ ኢዩ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.