2010-07-31 12:21:03

"ቤተ ክርስትያን መንእሰይን ሕጉስትን እያ" ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ፡


ቤተ ክርስትያን ወላኳ ስቃይ እንተለዋ መንእሰይን ሕጉስትን ኢያ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ፡ እዚ ትከታተልዎ ዘለኹም ራድዮ ቫቲ

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ነዚ ዓረፍተ ነገር’ዚ ዝበሉ ትማሊ ክኽውን ከሎ ሐሙሽተ ዓመታት ርእሰ ሊቃነ ጵጵስንኦም አተኲሩ ዝተቀርጸ ፊልም ምስ ተዓዘቡ ከም ዝኾነ ካብቲ አብ ዕረፍቲ ዝርከቡሉ ቦታ ሓዋርያዊ መንበረ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካስተል ጋንደልፎ ዝመጸ ዜና አመልኪቱ።

እዚ ናይ ሐሙሽተ ዓመታት ርእሰ ሊቃነ ጵጵስንኦም ዘተኮረ ፊልም አብ ጀርመን ባየሪሸ ሩንድፉንክ ዝተሰየመ መደበር ተለቪዝዮን ዝተቀርጸ ከም ዝኾነ ክምልከት ከሎ፡

ብጀርመናውያን ደረስቲ ዝተወሃሃደ ከም ዝኾነ እቲ ዜና ሐበሬታ ሂቡ አሎ።

እዚ ብባየሪሸ ሩንድፉንክ ዝተቀርጸ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሐሞሽተ ዓመታት ርእሰ ሊቃነ ጵጵስና ዝቃኒ ፊልም’ዚ ቅዱስ አቦና አብ ውሽጢ ሐሙሽተ ዓመታት ዘሰላሰልዎም መንፈሳውያን ፍጻሜታት ዘተኮረን ዘረድእን ከም ዝኾነ ተገሊጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ነቶም ዝሐለፉ ሐሙሽተ ዓመታት ርእሰ ሊቃነ ጵጵስንኦም ዝቃኒ ፊልም ምስተዓዘቡ ከም ዘመልከትዎ ፡ ንቅዱስ ጰጥሮስ ተኪእካ ንቤተ ክርስትያን ክትመርሕ ብሐይሊ መንፈስ ቅዱስ ከም ትሕገዝን ብድላይ እግዚአብሔር ዝፍጸም ከም ዝኾነን አገንዚቦም።

እቲ ፊልም ናይ ቤተ ክርስያን ሀብታም ሕይወት ዘረድእ ከም ዝኾነ ጠቂሶም አብዚ ግዜ’ዚ ቤተ ክርስትያን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት አብ ስቃይ ትሃሉ ድአምበር እምነተ ሃይማኖት ተድላን ሰላምን ከም ዝፈጥር ምርዳእ ይክአል ብማለት ነቲ ፊልም ዘወሃሃዱን ዝደረሱን ንፕርፈሶር ገርሃርድ ፉክስን ንኹሎም አብቲ ፊልም ዝተዋነዩን ከም ዘመስገኑ እዚ ካብ ካስተል ጋንዶልፎ ሓዋርያዊ መንበረ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝካስተል ጋንዶልፎ ዝመጸ ዜና ሐበሬታ ሂቡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.