2010-07-31 13:48:04

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፣ ብሥራሕ ስእነት ንዝተጠቕዑን ቤት ኣልቦ ንዝኾኑን ምጽላይ


ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ጸሎት መሪሕ ሓሳብ ነቶም ብስእነት ሥራሕን ቤት ኣልቦ ንዝኾኑን ብጠቕላላ ነቶም ብስእነት ንሕይወት ዘድሊ ነገር ኣብ ጽንኵር ኩነት RealAudioMP3 ንዝርክቡ ምዝካር ዝብል ምዃኑ ክንገር እንክሎ ኣብዚ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ወርሒ ነሓሰ ናይ ጸሎት ሓሳብ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ርክስትያንን መላእ ውሉደ ክህነትን ምእመናናን ክሓብሩ ምዃኖም ዝተረጋገጸ ኢዩ።

ብዛዕባ እዚ ብቕዱስ ኣቦና ናይ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ናይ ወረሒ ነሓሰ ናይ ጸሎት ሓሳብ ኣመልኪተን፣ ናይ ኢጣሊያ ካቶሊክ ሠራሕተይናታት ማኅበር ምኽትል ሊቀ መንበር ፓውላ ቫኪና ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርኦ ቃለ ምልልስ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብቲ ዘቕረብዎ ናይ ጸሎት ሓሳብ ኣብዚ እዋን’ዚ እዚ ሸለል ዝበሃሉ፣ ምርዳእን ምእንጋድን ዝብሉ ክልተ ዓበይት ኩብራት ዋጋታት ዘማእከለ ምዃኑ ሓቢረን፣ ከም ሰብ መጠን ዘሎና ሓላፍነት ዘነቓቕሕ ኢዩ ኢለን። ኣብ ማኅበራዊ ኣብ ናይ ህዝባዊ ኣገልግሎት መውሃቢ ጉዳይ ድዩ ኣብ ፖለቲካ ዓለምን ብቐዳምነት ኣብ ቤተ ክርስትያን ነቶም ኣብ ሽግር ወዲቖም ንዝርከቡ ክፍሊ ኅብረተሰብ ንምድጋፍ ዘብቕዕ መደብ ክሁሉን ቀዳምነት ተዋሂብዎ ክረጋገጽን ዘተሓሳስብ ኢዩ።

ብቓል ጥራሕ ዘይኮነ ጭቡጥ ርድኢትን ጭቡጥ እንገዳን፣ ኣገዳሲ ኢዩ። ስለዚህ ነቶም ኣብ ዘስካሕክሕ ኵነት ወዲቖም ንዝርከቡን ኣብዚ እዋን’ዚ በቲ ተኸሲቱ ብዘሎ ኅብረ ሽግር ንዝተጠቕዔ ሰብን ስድራ ቤትን ከምቲ ኣብታ እግዚአብሔር ፍቕሪ ኢዩ እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና፣ ኅብረተሰብን መንግሥታትን ፖሊቲካን ኣብ ማእከል ናይ ኤክኖሚ ስነ ምንቅስቓስ ፍጥረት ሰብ ከንብሩን ከምዘተሓሳሰብ ዘኪረን፣ እዛ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ጭቡጥ ሓሳብ ኣብ ግብሪ ንምውዓል እቲ ዝቐለለ ክኸውን እናተገብኦ ዝኸበደ ኮይኑ ኢዩ ዝርኤ፣ ስለዚህ ሰብኣዊ ክብርን ናይ ሕይወት ክብሪ ዘጠቓለለ ማእከልነት ሰብ ክረጋገጽ ዝጽውዕን ነቶም ብስእነት ሥራሕን ቤት ኣልቦነትን ብዝኣመሰሉ ሽግራት ዝተጠቕዑ ሽግራቶም ክፍታሕ ዝድርኽ ኢዩ።

እቲ ኣብ ዓለምና ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው፣ ነቶም ኣብ ዘስካሕክሕ ድኽነት ንዝርከቡ ሕዝብታት ዝተዘንጉዑን ንኸይንግንዘቦምን ክገብረና ዘኽእል ፈተና ኣሕዲሩልና ኣሎ። ስለዚህ እቲ ጻውዒት ቅዱስ ኣቦና እቲ ዘተሓባብረናን ውኅደት ክህሉ ዘተባብዓና ናይ ሕውነት መንፈስ ዘነቓቕሕ ኢዩ። እቲ ካልእ ወይ ድማ ኣብ ድኽነት ዝርከብ ሰብ ብዓይኒ ጥርጠራን ነቲ ኩነት መነባብሮና መጥቃዕቲ ጌርና ክንሓስቦም ከምዘይግብኣና ዘተሓሳስብ እውን ኢዩ። ስለዚህ ኣብ ገዛእ ርእስኻን ኣብ ንኣይነትን ምትኵር መፍትሒ ኣይኮነን እንክብላ ዝሃብኦ ቃለ ምልልስ ደምደማ።







All the contents on this site are copyrighted ©.