2010-07-31 13:50:14

መለለዪ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ናይ ተራድኦ ማኅበራት


ናይ ተጉቺጋልፓ ሊቀ ጳጳስን ናይቲ ዝተፍላለያ ናይ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ናይ ተራድኦ ማኅበራት ዝጥርንፍ ብካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ዝጽዋዕ ማኅበር ተራድኦ ሊቀ መንበር RealAudioMP3 ብፁዕ ካርዲናል ኦስካር ኣንደረስ ሮድሪገዝ ማራዲያጋ ምስ ዜኒት ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ መለለዪ ናይ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ናይ ተራድኦ ማኅበር እንክረድኡ፣ ከምተን ካልኦት ዘይመንግሥታውያን ድየን መንግሥታውያን ናይ ረድኤት ማኅበራት ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ዓዳሊ ዘይኮነስ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብታ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ኢዩ እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቶም ድዩ ብተደጋጋሚ ኣብ ሥልጣናዊ ኣስተምህሮታቶምን ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶምን ዝገለጽዎ ዘይጽበ ዝሥዋእ ውፉይ ፍቅሪ መለለዪ ናይ ክርስትና ፍቕሪ ኢዩ። ቅዱስ ወንጌል ብገዛእ ርእሱ ብዛዕባ ፍቕርን ምትሕብባርን ኢዩ ዝዛረብ። ቃል ሥጋ ኮይኑ ኣብ መንጎና ከምዝሓደረን ሓድሽ ኪዳን ብምዃን ሓደ ከማና ኮይኑ ናባና ከምዝወረደን ገሊጾም፣ ብመንጽር እዚ ሓቂ’ዚ ድማ ክርስትያን በዚ ዝሥዋእ ዘይጽበ ውፉይ ፍቅሪ ማሕበራዊ ኩርናዕ ኢዩ ክሕነጽ ዘለዎ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ ዓለም ብተደጋጋሚ ዝንዛሕን ዝዕብልልን ርእየት ዓለም ዝጻረር ኢዩ። ቅዱስ ኣቦና ብተደጋጋሚ ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና ዓለም እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ነቲ ናይ መደብ ምድሓን ኣምላኽ ዝጻረር ሕሉፍ ውልቃውነትን ርእሰ ምእኩልነትን ኣመልኪቶም እንከስተምህሩ፣ ነቲ ዝርኤ ሓውናን ብጻይናን ከየፍቀርና ነቲ ዘይርኤ ኣምላኽ ከምይ ቢልና ኢና እነፍቅር ወይ ድማ ነፍቀሮ ኢና እንብል ዝብል ቃል ቅዱስ መጽሓፍ የዘኻኽሩ። ምእንቲ’ዚ ቤተ ክርስትያን እቲ ተቕርበልና ናይ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ርክስትያን ናይ ማኅበራዊ ጉዳይ ትምህርቲ ኣስተዋጽኦ ፣ ዝኾነ ይዅን ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ኣገልግሎት፣ ዝሥዋእ ፍቅሪ ዝውግንን ነቲ ዝሥዋእ ፍቕሪ ብዘየገድስ ክብል ኣይክእልን ኢዩ። ስለዚህ በቲ እነቕርቦ ናይ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት ናይ ዝሥዋዕ ተወፋዪ ፍቕሪ ቲዮሎግያ ኢና እንዕድልን እነስተምህርን፣ ናይ እምነት ማኅበርን ብእምነትና መሠረት ብፍቕሪ ንብጻይና እነገልግል ውፉያት ኢና ኢሎም፣ ዝውፈይ ፍቕሪ ብዘይ ወለንተይናነት ምርግጋጽ ኣይከኣልን ኢዩ ከምዝበሉ ዜኒት ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.