2010-07-29 15:24:54

ናይ ኅብረት ኤውሮጳ ቤት ምኽሪ ጉዳያት ወጻኢ


ኣብ ብራሰልስ ናይ ኅብረት ኤውሮጳ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትራ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘካይዶ ኣኼባኡ ኣብ ሱዳን ዝርኤ ዘሎ ተግባር ምግሃስ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ኣዚዩ RealAudioMP3 ከምዘተሓሳሰቦ ኣመልኪቱ።

ብፍላይ ኣብ ሱዳን ዳርፉር ካብ 2003 ዓ.ም. ኣትሒዙ ዝርኤ ዘሎ ግርጭት ሓድ ሕድ፣ እቲ ከባቢ ንዝተፈላለዩ ናይ ሰብኣዊ ሓደጋታት ከምዘቃልዔ እንክፍለጥ፣ ናይ ሱዳን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ከተማ ጁባ ኣብ ዘካየዶ ሓፈሻዊ ኣኼባኡ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2010 ዓ.ም. ዝተኻየደን ነቲ ዘሎ ናይ ርእሰ ብሔር ዖማር ኣል ባሺር መግንሥትን ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ናይ ርእሰ ምምሕዳር መግንሥቲ ይሕሸኒ ዝበለ ሕዝባዊ ምርጫ ጠቒሶም መንግሥቲ ኣብ ሱዳን ዕርቅን ሰላምን ከነቓቕሕ ዘተሓሳስብ መልእኽቲ ከምዘተሓላፉ ዝዝኸር ኢዩ።

ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ፣ ናይ ሕቡራት መንግሥቲ ዓለም መግለጺ መሠረት፣ ኣብ ሱዳን ዘሎ ውሽጣዊ ግጭት ንልዕሊ 300 ሺሕ ሕዝቢ ንሞት ሓደጋ ከምዘቃልዔን፣ ንልዕሊ ክልተ ሚሊዮን ዝግመት ሕዝቢ ድማ ከምዘመዛበለን ብምምልካት፣ ናይ ኅብረት ኤውሮጳ ቤት ምኽሪ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትራት ኣብ ሱዳን ብናይ ሕቡራት መንግሥታትን ናይ ኣፍሪቃ ውህደት ዝቖመ ዓቀባ ሰላም ዝፍጸም ዘሎ ናይቲ ከባቢ ሰላም ናይ ምርግጋጽ ተልእኾ ዘተዓናቕፉ ጉዳያት ክውገዱን፣ ሰላማዊ ሕዝቢ ካብ ሓደጋ ንምክልኻልን ናይ ሰብኣዊ ደገፍ ናይ ምቕራብ ተልእኾ ውሑስ ክኸውን ኣብ ዝብሉ ርእሰ ጉዳያት እውን በቐዳምነት ከምዝተመያየጠ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ኣመልኪቱ።

ዓለም ሓቆፍ ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ርእሰ ብሔር ዖማር ኣል በሺር ብምጽናት ዘርኢ ሰብ ብዝብል ገበን ዘቕረቦ ክሲ፣ ኣብ ሱዳን ዘሎ ሽግር ከምዘተሓላለኾ ክፍለጥ እንከሎ፣ ናይ ሱዳን መንግሥቲ ነቲ ዓለም ሓቆፍ ቤት ፍርዲ ውሳኔ ናይ ሱዳን ሃገራዊ ምሉእነት ንሓደጋ ንምቅላዕ ዝዓለመ ውዲት ኢዩ ኣንክብሉ ከምዝገለጾ እንክዝከር፣ እቲ 28 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሓቁፍ ናይ ኣፍሪቃ ከባቢ ሳሔልን ሳሃራት ናይ ልምዓት ሃገራት ማኅበር ንናይ ዓለም ሓቆፍ ቤት ፍርድ ውሳኔ ብምቅዋም ንርእሰ ብሔር ዖማር ኣል ባሺር ደገፎፉ ከምዘቕረቡ ዝዝከር ኢዩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.